ጥዕና ይሃበለይ

ጥዕና ይሃበለይ Concerned about health issues and shares articles on healthy living. Every one invited to share , like and read. Health for all!

እንኳዕ ደስ በለኪ ዶክተር ዙፋን ወ/ስላሰ !ናይ ሎሚ ዓመት ኣብ ሃገረ ኣሜርካ ማች ካብ ዝገበሩ ሓካይም ሓንቲ ኮይና።
03/17/2026

እንኳዕ ደስ በለኪ ዶክተር ዙፋን ወ/ስላሰ !

ናይ ሎሚ ዓመት ኣብ ሃገረ ኣሜርካ ማች ካብ ዝገበሩ ሓካይም ሓንቲ ኮይና።

🪹 እንጣጢዕን ጥንስን 🪹✳️ እንጣጢዕ ኣብ እዋን ጥንሲ ክውሰዱ ካብ ዝፍቀዱ ምግብታት ሓደ ኾይኑ ኣብ ውሽጡ ኦሜጋ-3 ፣ ሓሰርመሰር (ፋይበር)፣ ፕሮቲንን ሊግናንን ዝብሃሉ ንጥረ ነገራት ዝሓዘ...
03/17/2026

🪹 እንጣጢዕን ጥንስን 🪹

✳️ እንጣጢዕ ኣብ እዋን ጥንሲ ክውሰዱ ካብ ዝፍቀዱ ምግብታት ሓደ ኾይኑ ኣብ ውሽጡ ኦሜጋ-3 ፣ ሓሰርመሰር (ፋይበር)፣ ፕሮቲንን ሊግናንን ዝብሃሉ ንጥረ ነገራት ዝሓዘ'ዩ።

✳️ ጥቕምታት እንጣጢዕ ኣብ ግዜ ጥንሲ፡

✅ ናይ ድቂ ሓንጎልን ዓይንን የማዕብል

✅ ድርቀት መዓናጡ ኣዶ ይከላኸል

✅ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ክብደት ሰውነት ከይህሉ ይከላኸል

✅ ንናይ ኣዶ ናይ ልቢ ስራሕ ሓጋዛይ ግደ ይፃወት

✅ ሊግናን ዝብሃል ንጥረ ነገር ስለዘለዎ ኣብ እዋን ጥንሲ ንዘጋጥም ናይ ሆርሞናት ምዝባዕ ንኽስተኻኸል ይሕግዝ

✅ ካልስየም ኣብ ውሽጡ ስለዘለዎ ንጥዕናን ጥንካራን ዓፅሚ ይሕግዝ

✅ ናይ ደም መጠን ሽኮር ክስተኻኸልን ኣብ እዋን ጥንሲ ንዘጋጥም ሕማሞ ሽኮር ብዝተወሰነ መልክዑ ንኽቕንስን ይምግዝ

✳️ ጥቕምታት እንጣጢዕ ኣብ ሕርስን ድሕሪ ምውላድን፡

🔰 ኣብ ግዘ ሕርሲ እንጣጢዕ እዙይ ዝብሃል ብፅንዓት ዝተደገፈ ጥቕሚ የብሉን ግን ድማ ንኣዶ እዞም ዝስዕቡ ጥቕሚ ይህብ፦

✅ፍልፍል ልዑል ሓይሊ(ካሎሪ) እዩ

✅ብሰንኪ ትሕዝቶ ኦሜጋ-3 ናይ ሰውነት ምቑጣዕ ይቕንስን ድሕሪ ምውላድ ዝህሉ ድሕንነት ኣካላት ንምክልኻል ሓጋዛይ ግደ ይፃወትን

✅ድርቀት መዓናጡ ስለዝከላኸል ኣብ ግዜ ሕርሲ ይኹን ድሕሪ ምውላድ ስርዓተ ምሕቓቕ ምግቢ ዝሐሸ ክኸውን ይገብር

✅ድሕሪ ምውላድ ናይ ሆርሞናት ምቅይያር ናብ ንቡር ንኽምለስ ይሕግዝ

✅ድሕሪ ምውላድ ኣብ ፀባ ኣዶ ዝህሉ መጠን ኦሜጋ-3 ዝሐሸ ክኸውን ብምግባር ንህፃን ጥቕሚ ይህብ

⚠️ኣስተውዕሉ፡

✅ እንጣጢዕ ዋላ ብንጥረ ነገር ሃፍታም ይኹን ኣብ መዓልቲ ብማእኸላይ ክውሰድ ዝፍቀድ መጠን ካብ 7-10 gram( 1 tablespoon ) እዩ።

✅ ቅድሚ እንጣጢዕ ኣብ ግዘ ጥንሲ ምውሳድኪ ምስ ሓኪምኪ ክትማኸሪ ይግባእ።

🎬ሓበሬታ ብዛዕባ ጥዕና ጥንስን ማህፀንን ይደልዩ ዶ?

📷 ኣባላት ዝስዕቡ ገፃት ይኹኑ (Follow, Like & Share)

👉Subscribe👉AdoTube;https://www.youtube.com/.WeldayAbadi
👉https://www.tiktok.com/Welday Abadi Abayk.com/abadi.welday
👉https://www.facebook.com/profile.php?id=100063482869241
👉https://t.me/weldeabe

❇️ብ ዶ/ር ወልዳይ ኣባዲ
| ስፔሻሊስት ሕማማት ማህፀንን ክንክን ጥንስን |

゚viralシviralシfypシ゚viralシalシ

ንዝገበረልካ ወይ ግበረሉ ወይ ድማ ንገረሉ!! 🎤ሓደ ካብቶም ሕድያት ትግራይና ዝኾነ Dr. Fasika Amdeslasie Gebrekirkos ኣብ ጉዕዞ ሂወተይ ኣብ ዝሰርሐሉ ትካልን ኣብዚ ኣብ ...
03/15/2026

ንዝገበረልካ ወይ ግበረሉ ወይ ድማ ንገረሉ!! 🎤

ሓደ ካብቶም ሕድያት ትግራይና ዝኾነ Dr. Fasika Amdeslasie Gebrekirkos ኣብ ጉዕዞ ሂወተይ ኣብ ዝሰርሐሉ ትካልን ኣብዚ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያን ካብ ዝተላለኹዎም መለክዒ ሰብኣውነትን ካብ ዝኾኑ ውሕዳት ግን ድማ በዓል ኣእላፍ ሞያን ስብእናን ዝወነኑ፣ ዝኾነ ይኹን ድጋፍ እንትደሊ ብቅድምያ ዝሓስቦን ዝሓቶን ሓደ በዓል ሞያ ዶር ፋሲካ እዩ።
ሓቒ ንምዝራብ ንዶር ፋሲካ ብኣይ ምግላፅ ዝኸብድ ይመስለኒ ኾይኑ ግን ብውሑዱ ካብ ምግላፅ ኣይቁጠብን።

ብዝኾነ ዶር ፋሲካ ብኣይን ብዙሓት ብዝስማዕምዕሉን እንትግለፅ..ርህሩህን ሓሳባት ኽተካፍሎ ምቑሉልን፣ ሓሳባት እንተካፍለካ ድማ ኣንደበተ ርቱዕን ትሑትን፣ ምስ ቆልዓ ቆልዓ ምስ ዓብይ ድማ ዓብይ ከከም ደረጅኡ ብዘይ ኣፈላላይ ዝረዳዳእን ዘስተኣናግድን፣ ቁምነገረኛን ቀያዒ(ቀላዳይ) ሰሓቒን፣ ብልዑል ብቑዕ ክእለት ሞይኡ ንማሕበረሰቡ ተበጃዊ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ሞያዊ፣ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ሃይማኖታዊን ኻልኦትን ዓውድታትን ፍልጠት ዘኻዕበተ "ሁለ-ገብ" ረዚን ሰብ፣ ትግራይ ካብ ዝተዓደለቶምን ኣብ እትደልዮ ዝበፅሓላን ውፍይ ውላዳ፣ ብማሕበራዊ ሂወቱ ተኸድካ ውን ፈታዊ ስድርኡ ፈቓር ኣቦ እዩ።🙏❤
እሞ ብውሑዱ ብዛዕባ ስብእና መግለፂ ባህርያትን Traits(Mental sets) ዶር ፋሲካ እዚ ኻብ በልኩ...ቀፂለ ድማ ንኸመስግኖ ፍቀዱለይ🙏ኣመስግኑለይ ድማ🙏

ዶር ፋሲካ ቅድሚ ሕጅን ብፍላይ ድማ ኣብዚ ሰሙን እዚ ካብተን ብሩኻት ናይ ሞያ ኣእዳዉ ባርኾት ካብ ዝበፅሖም ቤተሰብን ብዶር ፋሲካ ውፅኢታዊ መጥባሕቲ ተጌሩላ ዳርጋ ከምቲ ኣብ ታሕቲ ትርእይዎ ዘለኹም ንምእማኑ ዘፀግም ዝተዋህለ ፀፀራት ሓሞት ብኸይዲ መጥባሕቲ ዶር ፋሲካ ወፂዩላ ዘተኣማምን ዕረፍቲ ካብ ዝረኸቡ ሰባት ሓንቲ ካብ ሽረ እ/ስላሴ ናብ "ሪምና ሆስፒታል" ዝመፀትን ብናይ ሓሞት ፀፀር ንነዊሕ ዓመታት(9 ዓመታት) ትሳቀ ዝነበረትን ሓፍተይ ሓንቲ እያ። እግዝአብሔር ይመስገን ድማ🙏 ሳላ ልዑል ፈጣርን ሳላ ብሩኽ ስፔሽያሊቲ ሓኪምን በዓል ሞያን (Surgical gastroenterologist and Laparoscopic surgeon) ዶር ፋሲካ ዕረፍቲ ረኺብና🙏ስለዚ ድማ ነቲ ኹሉ ኣገልግሎትካ ድማ የቀንየልና ኽብረት ይሃበልና ኽብለካ ይፈቱ! ዝቀረየ ዕድሜኻ እግዚኣብሄር ይባርኽ❤ምስ እትፈትዎም ስድራኻ ናይ ሰላም፣ ራህዋን ጥዕናን ዕብየትን ዝዓሰሎ መፃኢ ክኾነልኩም ይምነ። የ_ቀ_ን_የ_ል_ና🙏
ትግራይ ብኣኻን ብኸማኻን ዝበሉ ብሩኻት ትኾርዕ!❤

 #ጽሬት  #ስኒ  #ህጻናትብ ዶ/ር ኣቤል ግደይ1, ደቅና ኣስናን ከብቁሉ ካብ ዝጀመሩሉ እዋን ኣትሒዙ፡ ጽቡቕ ዕብየት  ስኒ ክህሉ ንከታተሎም።2. ደቅና ኣስናን ክበቁሉ ካብ ዝጀመሩሉ ግዜ ኣ...
03/15/2026

#ጽሬት #ስኒ #ህጻናት

ብ ዶ/ር ኣቤል ግደይ

1, ደቅና ኣስናን ከብቁሉ ካብ ዝጀመሩሉ እዋን ኣትሒዙ፡ ጽቡቕ ዕብየት ስኒ ክህሉ ንከታተሎም።

2. ደቅና ኣስናን ክበቁሉ ካብ ዝጀመሩሉ ግዜ ኣትሒዝና ብፍላይ ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ጀሚርና ኣስናን ደቅና ብዝለስለሰን ርጥብን ዝኾነ ነገር ከም ጡጥን ማይን ምጽራይ ክንጅምርን ንግሆን ለይትን ክንጽርዮም ይግባእ።

3. ብማእከላይ ገምጋም ህጻናት ካብ 6-8 ዓመት ዕድሚኦም ጀሚሮም ብብራሽ ስኒ ክብራሽ ይጅምሩ፡

ንሕና ወለዲ ግን ቅድሚ ምብራሽን ምትፋእን ክልተ ግዜ ምብራሽን ምሳና ብሓባር ኣስናኖም ክብሩሽ ብምግባር ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ክብሩሽ ክንምህሮም ይግባእ።

4 እቲ እንጥቀመሉ ብራሽ ስኒን መድሃኒት ስኒን ንህጻናት ክዳሎ ይግባእ።

* ህጻናት መድሃኒት ስኒ ክውሕጡ ስለ ዝኽእሉ፡ ምስ ዕድሚኦም ዝሰማማዕ መጠን መድሃኒት ስኒ ኣብ ብራሻቶም ክንጥቀም የድልየና።

5. ንህጻናት ልስሉስ ብራሽ ስኒ ኣዳልዉ ምኽንያቱ ተሪር ብራሽ ስኒ ንድምዮምን ኣስናኖምን ክጎድእ ስለ ዝኽእል

6. እቲ እንጥቀመሉ መድሓኒት ስኒ (ፍሎራይድ ፓስተ) ብፍሎራይድ ዝሃብተመ እንተኾይኑ፡ ነቲ ኣስናን ድልዱል ይገብሮን ብቐሊሉ ንምቕንጣጥ ኣይከኣልን።

7 ጥዕና ኣስናን ደቅና ጥዕና ዘለዎ ኣመጋግባን ትሑት ሽኮር ዘለዎም መግብታትን ብምሃብ ምሕላው።

📌ብፍላይ ድማ ቸኮሌት ፥ ከረሜላ ብዝሒ ሽኮር ዘለዎ ጡጦ ምውጋድ!

8 ደቅና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሽዱሽተ ወርሒ ናብ ሓኪም ስኒ ምውሳድ ንክትትል!!!

🌿ብዘይ መድሓኒት ኣብ እዋን ጥንሲ ንዘጋጥም ድርቀት ከብድን ኪንታሮትን ን ምክልኻልን ንምሕካምን 9 መንገዲታት!1⃣ ብፋይበር ዝሃብተሙ ምግቢታት ብምምጋብ፦ መፅናዕትታት ከም ዘርእይዎ፡ ኣብ መ...
03/14/2026

🌿ብዘይ መድሓኒት ኣብ እዋን ጥንሲ ንዘጋጥም ድርቀት ከብድን ኪንታሮትን ን ምክልኻልን ንምሕካምን 9 መንገዲታት!

1⃣ ብፋይበር ዝሃብተሙ ምግቢታት ብምምጋብ፦ መፅናዕትታት ከም ዘርእይዎ፡ ኣብ መዓልቲ ካብ 20-35 ግራም ፋይበር ክውሰድ ይምከር። እዚ ድማ ካብ ፍራምረ፡ ኣሕምልትን ጥራምረን ብምዘውታር ይርከብ።

2⃣ መዓልታዊ እኹል ፈሳሲ ብምውሳድ፦ እኹል ዝበሃል ካብ 2-3 ሊትሮ ወይ ድማ ካብ 8-12 ብርጭቆ ፈሳሲ እዩ።

3⃣ ኣካላዊ ምንቅስቓስ (Walk)፦ ኣብ ሰሙን ካብ 3-4 መዓልቲ እንተንኣሰ ን30 ደቒቕ ዝኸውን ናይ እግሪ ጉዕዞ ወይ ምንቅስቓስ ምግባር።

4⃣ ናይ ሽቃቅ ግዜ፦ መዓልታዊ ናብ ሽቃቅ እትኣትውሉ ግዜ ምስትኽኻል። ንኣብነት ምግቢ ምስ ተበልዐ ኣብ ውሽጢ 15-30 ደቒቕ ናይ መዓንጣ ምንቅስቓስ (motility) ይውስኽ እዩ፤ እዚ ድማ Gastro-Colic reflex ይበሃል።

5⃣ ኣቀማመጣ ሽቃቅ፦ ኣብ ሽቃቅ እትቕመጥሉ እዋን "Toilet Footstool" ወይ ካልእ ንእሽተን ሳንዱቕ ብምጥቃም እግርኺ ልዕል ክብል ምግባር (ምስቃል)። እዚ ድማ እቲ ናይ መዓንጣ መውፅኢ ኩርናዕ (Ano-rectal angle) ቅኑዕ ንክኸውን ብምግባር ቀሊል ክኮነልኺ ይሕግዝ።

6⃣ እሹጓት ምግቢ (Processed) ፦ ዝተኣሸጉ ምግቢታት ድርቀት ከብዲ ስለዘጋድዱ ምቕናስ የድሊ።

7⃣ ዉዑይ ፈሳሲታት ምዘውታር፦ ንኣብነት ምዉቕ ዝበለ ፅማቅ ሎሚን ወይ ፕሩን (Prune juice)፡ ሻሂ ብዝንጅብል ወይ ካሞሚል (Chamomile)፡ ውዑይ ሾርባ፡ ከምኡ እውን ንግሆ ብጥራሕ ከብዲ ሓደ ማንካ ዘይቲ ኦሊቭ (Olive oil) ምውሳድ ይምከር።

8⃣ ጭንቀት (Stress) ምቕናስ፦ ጭንቀት ኣብ ዘለዎ እዋን ሆርሞናት cortisol ን epinephrine ን ስለዝውስኹ፡ እዚ ድማ ነቲ ምስ ሓንጎል ዝተኣሳሰር ናይ መዓንጣ መስርሕ (Gut-Brain axis) ብምዝባዕ ምንቅስቓስ መዓንጣ ይቕንሶ። ከም መፍትሒ ፀሎት ምግባር፡ ሜዲቴሽን (Meditation) ን ዮጋን ምግባር ይምከር።

9⃣ ኣይረን (Iron) ን ካልሲየምን (Calcium)፦ እዞም ንጥረ ነገራት ብፍላይ ብመልክዕ Ferrous sulphate ን Calcium carbonate ን እንተኾይኖም ድርቀት ከብዲ ከስዕቡ ይኽእሉ እዮም። ድርቀት ከብዲ እንተሃልዩ ግን Heme-Iron ን Calcium citrate ን ዝበሃሉ ዓይነታት ምጥቃም ዝበለፀ እዩ።
የቀንየለይ!!

ሌላ ምስ ሓኻይም ሆስፒታል ባና ‎------------------‎👨‍⚕️ ዶ/ር ገብረሚካኤል ኣረጋዊ ‎ስፔሻሊስት ሓኪም መጥባሕቲ ዓፅምን መገጣጠምን ‎Dr. G/ Michael Aregawi ‎Ort...
03/12/2026

ሌላ ምስ ሓኻይም ሆስፒታል ባና
‎------------------
‎👨‍⚕️ ዶ/ር ገብረሚካኤል ኣረጋዊ
‎ስፔሻሊስት ሓኪም መጥባሕቲ ዓፅምን መገጣጠምን
‎Dr. G/ Michael Aregawi
‎Orthopaedic and Trauma Surgeon
‎📍መቐለ ዓዲ ሓውሲ ካብ መስቀለኛ ትራፊክ መብራህቲ ናብ ደስታ ሆቴል ኣብ ዝወስዶ ኣስፋልት ንርከብ ።
‎📞 0978-56 56 56

ፃዊዒት ሓገዝ፡ ንጅግና ጋዜጠኛን ተጋዳላይን ተኽለወይኒ ኪዳነ መሳለጢት ሞተር ንዓድገሉ!ሎሚ ባሕቲ መጋቢት እዩ።  እስኪ ኣብዛ ክብርቲ ዕለት ሓንቲ ቻለንጅ ከቕርበልኩም።ሎሚ ድማ ንሓደ ንኽብሪ...
03/11/2026

ፃዊዒት ሓገዝ፡ ንጅግና ጋዜጠኛን ተጋዳላይን ተኽለወይኒ ኪዳነ መሳለጢት ሞተር ንዓድገሉ!
ሎሚ ባሕቲ መጋቢት እዩ። እስኪ ኣብዛ ክብርቲ ዕለት ሓንቲ ቻለንጅ ከቕርበልኩም።

ሎሚ ድማ ንሓደ ንኽብሪ ዓዱን ህዝቡን ክብል ዋጋ ዝኸፈለ ኣብነታዊ ዝኾነ ሓውና፣ ጋዜጠኛን ተጋዳላይን ተኽለወይኒ ኪዳነ (ተኽሊሽ) ንምሕጋዝ እጃምና ክነበርክት ንኹሉኹም ተጋሩን ፈተውቲ ተጋሩይ እምሕፀነኩም ።

ተኽለወይኒ ኪዳነ መን እዩ?
ተኽለወይኒ ቅድሚ እቲ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ኣብ ትግራይ ቲቪ ብጋዜጠኝነት የገልግል ነይሩ። ኣብቲ ክረምቲ 2013 ኣጋጢሙ ዝነበረ ወራር ኣንበጣ ትግራይ ቲቪ ኣዋፊርዎ ኣብ መኾኒ ዓሪዱ፣ ለይትን ቀትርን ናይ ሚድያ ሽፋን ብምሃብ ህዝቢ ኣብ መኸተ ክነቓቓሕ ዝገበረ ውፉይን ፃዕረኛን እዩ።
ናይ ተጋድሎን መስዋእትነትን ታሪኽ

* ካብ ጋዜጠኝነት ናብ በረኻ፦ "ህላወ ህዝበይ ቅድሚ ሞያይ" ብምባል ናብ በረኻ ወረዱ ካብ ዝተመደበሉ ናይ ሚድያ ክፍሊ (ኣርሚ 3) ናብ እግረኛ ኣሃዱ ብምውራድ ከም ተራ ተዋጋኣይ ተሰሊፉ።

* መውጋእቲ፦ 16 ሰነ 2013 ዓ.ም (ወፍሪ ኣሉላ)፣ ኣብ ከባቢ ማይ ፅዩቕ (ኣጉላዕን ውቅሮን) ኣብ ዝነበረ ሓያል ውግእ፣ ምስ ብፆቱ ኾይኑ እናተኸላኸለ ብኸቢድ ቆሲሉ። ብሰንኪ እዚ ድማ ኣብ ኢዱን እግሩን ከቢድ ጉድኣት በፂሕዎ።

* ዘይሕለል ቃልሲ፦ ድሕሪ ምውፃእ ፀላኢ ካብ መቐለ፣ ብምርኩስ እናተንቀሳቐሰ እውን ስርሑ ኣየቋረፀን። ኣብ ትግራይ ቲቪ ናይ "ኒው ሚድያ" ኣተሓባባሪ ዳይሬክቶሬት ኮይኑ፣ ምስ መሳርሕቱ ብምዃን ለይትን ቀትርን ኢሎም ግፍዕታት ፀላኢ ንዓለም ኣብ ምቅላሕ ዓቢ ግደ ተፃዊቱ እዩ።
ህሉው ኩነታቱ ዝምልከት

ተኽለወይኒ ሐዚ እውን ብፅንዓት ይቃለስ ኣሎ፣ እንተኾነ ግን ኣካላዊ ጉድኣቱ ከቢድ እዩ፡
* እግሩ ክሳብ ሐዚ ኣፅሚ ኣይገጠመን (ብሓፂን ተደጊፉ እዩ ዝኸይድ)፣ እቲ እግሩ ድማ 3.2 ሴ.ሜ ሓፂሩ እዩ።

* ኣብ ኢዱ ገና ዘይወፁ ብርክት ዝበሉ እስኮጆታት ኣለውዎ።

* ልዑል ሕልና፦ "ንምንታይ ብስርዓት ክትሕከም ዘይትሓትት?" ተባሂሉ ክሕተት ከሎ፣ "ካባይ ዝገደዱ፣ ፀሓይን ኣየርን ዝናፈቖም ብፆተይ ይሕከሙ፣ ንሳቶም ምስ ረኸቡ ድሕሪኦም ንመንግስቲ ክሓትት እየ" ዝብል ዓቢ ሰብኣዊ መንፈስ ዘለዎ ጅግና እዩ።

ዕላማ እዚ ጻዊዒት
ተኽሊሽ ሐዚ ካብ ኤመሓት ለቒቑ ብግሉ ክሰርሕን ህይወቱ ክቕይርን ይፅዕር ኣሎ። ይኹን እምበር፣ ብሰንኪ እቲ ኣብ እግሩ ዘሎ ስባር፣ ኣብ ጎደናታት መቐለ እናተንከለ ክንቀሳቐስ ኣዝዩ ይፅገም ኣሎ።

"ሓምሳ ሎሚ ንሓደ ሰብ ሸኽሙ እዩ፣ ንሓምሳ ሰብ ግን ጌፁ እዩ" ከም ዝበሃል፣ ነዚ ንሃገሩ ክብል ኣካሉ ዝገበረ ወዲ ህዝቢ፣ ስርሑ ብቐሊሉ ንኽሰርሕን ክንቀሳቐስን ሞተር ሳይክል ክንገዝአሉ ንደሊ።

ስዉኣትናን ጉዱኣት ኲናትና ክብረትና እዮም! ንተኽሊሽ ብምሕጋዝ ንሞያኡን ንተጋድሎኡን ዘለና ኣኽብሮት ነርእይ።

📍 ብከመይ ክትሕግዙ ትኽእሉ?
​ሓገዝኩም በዞም ዝስዕቡ ናይ ባንኪ ሕሳብ ቑጽርታት ክትሰዱ ትኽእሉ፦
• ​ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ (CBE):1000333529908
• ​ባንኪ ወጋገን: 0076318630101
• ባንኪ ኣንበሳ : 00312743130
​ንተወሳኺ ሓበሬታ፦
📞 ስልኪ፦ +251914439342

03/11/2026

ን 5 ዓመት ሲጋራ ምትካኽ ጠጠው እንተቢልኩም
50% ሳንባ ካንስር ትቕንሱ!

ልዕሊ 15 ስፔሻሊስትታትን ሳብስፔሻሊስትታትን ሓካይም ሒዙ ዘመን ዝጠልቦም ናውቲ ሕክምና ኣማሊኡ 24 ግልጋሎት እንዳ ሃበ ዝርከብ መ.ሆስፒታል ማዮ!!  መ. ሆስፒታል ማዮ ዝህቦም ግልጋሎታት....
03/10/2026

ልዕሊ 15 ስፔሻሊስትታትን ሳብስፔሻሊስትታትን ሓካይም ሒዙ ዘመን ዝጠልቦም ናውቲ ሕክምና ኣማሊኡ 24 ግልጋሎት እንዳ ሃበ ዝርከብ መ.ሆስፒታል ማዮ!!


መ. ሆስፒታል ማዮ ዝህቦም ግልጋሎታት. . .

ሕክምና መጥባሕቲ
መጥባሕቲ ዓንዲ ሕቆ
መጥባሕቲ ልዕሊ ክሳድ
መጥባሕቲ ኮላሊትን ትቦታት ሽንትን
መጥባሕቲ መገጣጥም ዓፅሚ
ቀሊልን ከቢድን መጥባሕቲ

ኣብ መባእታዊ ሆስፒታል ማዮ

ሕክምና ሃንደበታዊ ሕማማት
ሕክምና ውሽጣዊ ሕማማት
ሕክምና ህፃናትን ኣባፅሕን
ሕክምና ሕማማ ማህፀንን ክትትል ጥንስን

ኣብ መባእታዊ ሆስፒታል ማዮ

ምርመራ ዘመናዊ ራጆን ኣልትራ ሳውንድን
ምርመራ ስነ ድዌ
ምርመራ ፥ ሕክምናን ክትትልን ካንሰር
ሓፈሻዊ ሕክምናን ክትትልን ሕማም ሰነ ኣእምሮ
ዝተማለእ ላብራቶሪ ፥ ናይ ባዕሉ ፋርማሲን መደቀሲ ዓራትን ዘማለእ ትካል ጥዕና

መ. ሆስፒታል ማዮ

ቅድሚ ኩሉ ንጥዕነኦም ንግደስ!!

ኣድራሻ
ኣብ ከተማ ሽረ እ/ስላሰ ቀበሌ 03 ዲስፖራ ጥቓ ስሑል ሆስፒታል ፊት ንፊት ሕርሻ ኮለጅ ኦክስፎ ኣብ ዝነበረ ህንፃ
0993997162
ወይ ድማ
0940975172

ብደቂ-ኣንስትዮ ዝምራሕ ተበግሶ ምርምር ጥዕና ኣፍሪና  ዕላዊ ኮይኑ ።ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ትግራይ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ምርምር ጥዕና ዘለወን ተራ ንምዕባይን መሪሕነተን ንምጥንኻርን ዝዓለ...
03/10/2026

ብደቂ-ኣንስትዮ ዝምራሕ ተበግሶ ምርምር ጥዕና ኣፍሪና ዕላዊ ኮይኑ ።

ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ትግራይ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ምርምር ጥዕና ዘለወን ተራ ንምዕባይን መሪሕነተን ንምጥንኻርን ዝዓለመ "ብደቂ-ኣንስትዮ ዝምራሕ ተበግሶ ምርምር ጥዕና ኣፍሪና AFRINA Women Led health research initiative" ዕላዊ ገይሩ።

ኣብቲ መድረኽ ዕላውነት ዝተረኸቡ ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ሓየሎም ካሕሳይ፦ ኣፍሪና ብፍሉይ ንደቂ ኣንስትዮ ተረባሕቲ ዝገብር ፀገም ደቂ ኣንስትዮ ብምርምር ደቂ ኣንስትዮ ዝፍትሐሉ ማእኸል ምኳኑ ሓቢሮም።

እቲ ማእኸል ደቂኣነስትዮ ትግራይ ዝመርሕኦን ዘማእኽልኦን ፣ ዝማኸራሉ ዓቕመን ዘጎልብታሉ ትካል ምኳኑ ገሊፆም።

ምሰረታ እቲ ትካል ኣብ ድሮ ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂኣነስትዮ ማርች 8 ምኳኑ ድማ ፍሉይ ትርጉምን ድምቀትን ከምዘለዎ ገሊፆም።

ተወካሊ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዶ/ር ተወልደ ገብረ፦ ከም ሃገር ኮነ ክልል ኣብ ምርምርን መፅናዕትን ተሳትፎ ደቂኣነስትዮ ኣዝዩ ውሑድ ምኳኑ ብምምልኻት ምምስራት እቲ ማእኸል እዚ ድኽመት ኣብ ምቅላል ቀያሪ ነጥቢ ክኸውን እምነቶም ገሊፆም።

ግዳይ መጥቃዕቲ'ቲ ኲናት ብዋናነት ደቂኣነስትዮ ምንባረን ብምዝኽኻር ሕውየተን ንምርግጋፅ ድማ ፈለማ ተፀኒዑ ምርምር መሰረት ዝገበረ መፍትሒ ክመፅእ እቲ ማእኸል ወሳኒ ተራ ክፃወት ተላብዮም።

ዩኒቨርስቲ መቐለ ደቂኣነስትዮ ብኹለመዳይ ዝሕገዛሉ መስርሕ እናተኸተለ ምምፅኡ ብምጥቛም ሐዚ'ውን "ብደቂ-ኣንስትዮ ዝምራሕ ተበግሶ ምርምር ጥዕና ኣፍሪና" ንምሕጋዝ ድልዊ ምኳኑ ኣረጋጊፆም።

ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር እኖታት ንእኖታት ኣይተ ኣሸናፊ ኣስመላሽ ብወገኖም ተዋዲድካ'በር በይንኻ ሰሪሕኻ ዝዕወት ስራሕ ዘይምህላው ብምግላፅ ዕላማ ትካሎምን ኣፍሪናን'ውን ሓቢሩ ዝኸይድ ብምኳኑ ንሓበራዊ ዕላማ ኣደታት ረቢቦም ከምዝሰርሑ አረጋጊፆም።

መስራቲትን ኣተሓባበሪትን ኣፍሪና ሰምሃል ሓጎስ፦ እቲ ማእኸል ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ምርምር ጥዕና ዘለወን ተራ ንምዕባይን መሪሕነተን ንምጥንኻርን ዝዓለመ ምኳኑ ኣብሪሀን።

ኣፍሪና (AFRINA) ከም ክልልን ሃገርናን ዘለዋ ደቂ-ኣንስትዮ ሳይንቲስት ንዘጋጥመን መዋቕራዊ ብድሆታት ብምፍታሕ፣ ብቑዓትን መራሕትን ተመራመርቲ ንክኾና ባይታ ንምጥቃስ ዝተጣየሸ ትካላዊ ምኳኑን እቲ ተበግሶ ፆታ-ዘማእኸሉ ሳይነሳዊ መረዳእታታት ብምፍራይ ንጥዕና ሕብረተሰብ ንምምሕያሽ ቆራፅነት ሒዙ ምብጋሱ ኣገንዚበን።

ኣፍሪና ካብ ተበግሶ ንላዕሊ ለውጢ እዩ ዝበላ ሰምሃል ሓጎስ እዚ ምንቅስቓስ ደቂ-ኣንስትዮ ተመራመርቲ ናይ መሪሕነትን ስርሓት ምርምርን ክእለተን ንከዕብያ ስልጠናን ድጋፍን ምሃብን ኣብ ጥዕና ኣዴታት፣ ህጻናትን ስርዓተ ጥዕናን ትኹረት ዝገበሩ መጽናዕትታት ምክያድን ብትኹረት ዝሰርሐሎም ዕላማታት ምኳኖም ነፂረን ።

ብፍሉይ ንደቂ ኣንስትዮ ተረባሕቲ ዝገብር ኣፍሪና ብዋናነት ሓበራዊ መፅናዕትታት ንምክያድ፣ ንሓንፀፅቲ ፖሊሲ ብዝጥዕም መልክዑ ንምቕራብ ዝዓለመ ኮይኑ ምስ ዩኒቨርስቲ መቐለን ማሕበር እኖታት ንእኖታት ውዕሊ ሓቢርኻ ምስራሕ ኣሲሩ።

# ገብሩ ተኽላይ

🤰ማእኸል ሕክምና ኣዴታትን ህፃናትን ደሊና🤱Delina Maternal & Child Health Centre🔵ኩሉ ዓይነት ግልጋሎት ጥንስን ሕማማት ማህፀንን ብስፔሻሊስት ሓኪም ይረኽቡ💁‍♀️ቆፀሮ ን...
03/10/2026

🤰ማእኸል ሕክምና ኣዴታትን ህፃናትን ደሊና
🤱Delina Maternal & Child Health Centre
🔵ኩሉ ዓይነት ግልጋሎት ጥንስን ሕማማት ማህፀንን ብስፔሻሊስት ሓኪም ይረኽቡ
💁‍♀️ቆፀሮ ንምትሓዝ:0942707372
✅ኣድራሻ፥ ዓዲ ሽምድሑን ጂጂ ሆቴል ውርድ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ፊትንፊት እትው ኢልካ!
🤱🤱🤱🤱🤱🤱🤰🤰🤰🤰🤰🤰🤰🤰🤰
💧At Delina MCH Center, every mother and baby is treated with care, respect, and dedication.
💧The excellent antenatal services provided under the guidance of Dr.
Hagos Gidey are helping build healthier mothers and safer beginnings for newborns.
💧Your commitment to maternal health is truly inspiring.”

03/10/2026

ብዛዕባ ሕማም ብዙሕ ተፈሊጥኩም!

Address

260 Wellesley Street
Toronto, ON
M4X1G6

Telephone

+251914000292

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ጥዕና ይሃበለይ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Featured

Share