ሆስፒታል ግዕዝ / Geez Hospital

ሆስፒታል ግዕዝ / Geez Hospital Welcome to Ge'ez primary hospital,
💊We provide expert care, advanced treatments & 24/7 emergency services.

Compassion, innovation & excellence in healthcare.📍 Axum , infront of telecom
📞 +251920008338 / +251962333388

🎅ርሑስ በዓል ልደት 🎁🎄✨ Merry Christmas! ✨🎄🌟 ሆስፒታል ግዕዝ ንኹሉኹም ተኸተልቲ እምነት ክርስትና እንኳዕ ንበዓል ልደት ብሰላም አብፀሓኩም አብፀሐና እናበለ ሰናይ ትምኒቱ ይገል...
07/01/2026

🎅ርሑስ በዓል ልደት 🎁
🎄✨ Merry Christmas! ✨🎄

🌟 ሆስፒታል ግዕዝ ንኹሉኹም ተኸተልቲ እምነት ክርስትና እንኳዕ ንበዓል ልደት ብሰላም አብፀሓኩም አብፀሐና እናበለ ሰናይ ትምኒቱ ይገልፅ።

🎅🎁ሰናይ አውደአመት!

ቖፀሮ ንምሓዝ፥
📞+251920008338 / +251962333388 ይደውሉ።
📍ኣድራሻና፥ ፊትንፊት ቴሌ,ድሕሪ ሴንተራል ካፌ፣ ኣክሱም

🩺ሆስፒታል ግዕዝ
ብሓልዮትና ንምረፅ : ብሞያዊ ብቅዓትና ንእመን

 ✅👁️ ሆስፒታል ግዕዝ ካብ ዝህቦ ዝነበረ ሕክምና ዓይኒ ግልጋሎታት ብምስፋሕ ውሕሉል ተሞክሮን ብሉፅ ሞያዊ ብቕዓትን ብዝወነኑ ስፔሻሊስት ሓካይም ዓይኒን ዘመኑ ብዝጠልቦ ዝተፋላለዩ ናይ ቴክኖ...
05/01/2026



✅👁️ ሆስፒታል ግዕዝ ካብ ዝህቦ ዝነበረ ሕክምና ዓይኒ ግልጋሎታት ብምስፋሕ ውሕሉል ተሞክሮን ብሉፅ ሞያዊ ብቕዓትን ብዝወነኑ ስፔሻሊስት ሓካይም ዓይኒን ዘመኑ ብዝጠልቦ ዝተፋላለዩ ናይ ቴክኖሎጂ መሳርሕታት ሕክምና ተሓጊዞም ብተመጣጣኒ ዋጋ ሙሉእ ግልጋሎት ሕክምና ዓይኒ ኣብ ምሃብ ይርከቡ።

👇ግልጋሎታትና፡-
👁 ዝተማልአ ምርመራን ሕክምናን ዓይኒ
👁 ሕክምና ሃንደበታዊ ሕማማት ዓይኒ
👁 መጥባሕቲ ዓፅሚ ዓይኒ
👁 ሕክምናን መጥባሕትን ግላኮማ
👁 ምክፋት ዝተዓፀወ ትቦ ንብዓት ዓይኒ
👁 ቀለልትን ከበድትን መጥባሕቲ ዝተፈላለዩ ሕማማት ዓይኒ
👁 መጥባሕቲ ስብሒ ዓይኒ (ሞራ ዓይኒ)
👁 ምርመራን ሕክምናን ትራኮማ
👁 ሕክምናን ክትትልን ናይ ዓይኒ ኣለርጂ(ቁጠዐ)
👁 መጥባሕትን ምስትኽኻልን ዝተዛብዐ ቆቢዕ ዓይኒ
👁 ምስትኽኻል "ምሕውላል" ወይ ከዓ "ምሽውራር" ዓይኒ
👁 ምውጋድ ዝተፈላለዩ ሕበጣትን ባዕዳዊ ነገራትን ካብ ኩዕሶ ዓይኒ፤ ቆቢዕ ዓይንን፤ ዙርያ ዓይንን
👁 ሕክምናን ክትትልን ሳዕቤናት ሕዱር ሕማማት ዓይኒ ማለት ‘ውን ከም በዓል ሽኮርያን ፀቕጢ ደምን
👁 ናይ መግንሒ መኪና ምርመራን ምስክር ወረቐትን

👉ከምኡ 'ውን
👓ብፍሉይ ናይ መነፅር በዓል ሞያ ዝግበር ናይ መነፀር ምልካዕን ስራሕትን
🤓 ናይ ንባብ መነፀር
🤓 ናይ ርሕቀት መነፅር
🤓 ናይ ፀሓይን ኮምፒዩተርን መነፀር
🤓 ናይ ንባብን ርሕቐትን መነፀር ብሓደ
🤓 ብዝተፈላለዩ ዘመናዊ ፍሬማት ንዓበይትን፤ ትሕቲ ዕደመ ህፃናትን ብምስራሕ ሙሉእ ግልጋሎታት እናሃብና ንርከብ።

ሆስፒታል ግዕዝ / Geez Hospital
ቖፀሮ ንምሓዝ፥
📞+251920008338 / +251962333388 ይደውሉ።
📍ኣድራሻና፥ ፊትንፊት ቴሌ, ድሕሪ ሴንተራል ካፌ፣ ኣክሱም

🩺ሆስፒታል ግዕዝ
ብሓልዮትና ንምረፅ : ብሞያዊ ብቅዓትና ንእመን

✅ሌላ ምስ ሓካይምና 👨‍⚕️ ዶ/ር ገብረአብ ነጋ   💉 ናይ ህፃናትን አባፅሕን ስፔሻሊስት ሓኪም (Pediatrician) ☎️  +251920173439 💌  gebreab21@gmail.com  👉ይ...
01/01/2026

✅ሌላ ምስ ሓካይምና

👨‍⚕️ ዶ/ር ገብረአብ ነጋ
💉 ናይ ህፃናትን አባፅሕን ስፔሻሊስት ሓኪም (Pediatrician)

☎️ +251920173439
💌 gebreab21@gmail.com


👉ይምፅኡ ካብ ሕማም ይፈወሱ።

ቖፀሮ ንምሓዝ፥
📞+251920008338 / +251962333388 ይደውሉ።
📍ኣድራሻና፥ ፊትንፊት ቴሌ,ድሕሪ ሴንተራል ካፌ፣ ኣክሱም

🩺ሆስፒታል ግዕዝ
ብሓልዮትና ንምረፅ : ብሞያዊ ብቅዓትና ንእመን

  #ሳባውያን 🤝  ✅ናይ ጋንታ ሳባውያን ዋና ስፖንሰር ዝኾነ   ቅድም ኢሉ ቃል ብዝኣተወሎም መሰረት ኣዝዩ ሰሓብን ብናይ ጋንታ ሳባውያን 💙💛 ሕብሪ ዝተሰርሐ 24 ማልያ ናይ ተፃወቲ 3 ማልያ...
31/12/2025



#ሳባውያን 🤝

✅ናይ ጋንታ ሳባውያን ዋና ስፖንሰር ዝኾነ ቅድም ኢሉ ቃል ብዝኣተወሎም መሰረት ኣዝዩ ሰሓብን ብናይ ጋንታ ሳባውያን 💙💛 ሕብሪ ዝተሰርሐ 24 ማልያ ናይ ተፃወቲ 3 ማልያ ናይ ኣሰልጠንቲ ኣስሪሑ ኣረኪብዎም ኣሎ።

✅ስራሕ መካየዲ እቲ ሆስፒታል
ኣብቲ ርኽክብ ግዜ"ኣጆኹም ሓገዝና ቀፃሊ እዩ በርትዑ ብምባል ሓቦ ኣስኒቆሞም እዮም"

✅እዚ ትካል ካብ ዝህቦም ሕክንምናዊ ግልጋሎት ብተወሳኪ ኣብ ስፖርት ማለት እውን ኣብ ሳይክልን ከምኡ እውን ኣብ ኩዕሶ እግሪ ሓደ ጋንታ ኩ/እግሪ(ሳባውያን) ብምሕቓፍ ኣብ ዳግመ ሕውየት ስፖርት ከተማ ኣኽሱም ልዑል ኣበርክቶ እናፈፀመ ይርከብ🙏

ሆስፒታል ግዕዝ / Geez Hospital
ቖፀሮ ንምሓዝ፥
📞+251920008338 / +251962333388 ይደውሉ።
📍ኣድራሻና፥ ፊትንፊት ቴሌ,ድሕሪ ሴንተራል ካፌ፣ ኣክሱም

🩺ሆስፒታል ግዕዝ
ብሓልዮትና ንምረፅ : ብሞያዊ ብቅዓትና ንእመን

👉ምርጨኦም ህዝባውን ኣብነታውን ትካል ሆስፒታል ግእዝ ይግበሩ🙏

29/12/2025

🛡 ዕውት መጥባሕቲ እብ ሆስፒታል ግዕዝ

🎯 ሓንቲ ጓል 56ዓመት እኖ ንዝሓለፉ 8 ዓመታት ዲሕሪ ናይ ከብዲ ስቃይን ሕበጥን ናብ ሆስፒታልና ዲሕሪ ምምፃእ ብዝተገበረለን ናይ ላብራቶሪን ሲቲ ስካኒን(ct scan) ምርመራ
ካብ እቋቆሖ ማህፀን ዝወፀ ሕበጥ(ovarian tumor ) ምኳኑ ተነፂሩ።

🚨 ነዙይ ድማ ሕበጥ ናይ ምውጋድ መጥባሕቲ ተገይሩለን 12.5ኪ.ግ ዝምዘን ሕበጥ ተወግዱ ኢተን ኣዶ ካብ ስቃየን ተገላግለን ኣብ ፅቡቅ ኩነታት ይርከባ።

✅ እቲ ዝተወገደ ሕበጠ ድማ ተወሳኪ ናይ ፖቶሎጂ(Biopsy)ምርመራ እንዳተገበረሉ ይርከብ::

=============================================================================
l⚕️ ሆስፒታል ግዕዝ ግልጋሎት ሓፈሻዊ መጥባሕቲ ብዝለዓለ ዓቕምን ልምድን ዝወነኑ ስፔሻሊስት ሓካይም ግልጋሎት እናሃበ ይርከብ።

ሆስፒታል ግዕዝ / Geez Hospital
👉ይምፅኡ ካብ ሕማም ይፈወሱ።

ቖፀሮ ንምሓዝ፥
📞+251920008338 / +251962333388 ይደውሉ።
📍ኣድራሻና፥ ፊትንፊት ቴሌ,ድሕሪ ሴንተራል ካፌ፣ ኣክሱም

🩺ሆስፒታል ግዕዝ
ብሓልዮትና ንምረፅ : ብሞያዊ ብቅዓትና ንእመን

24/12/2025

እቲ ዝደለኹምዎ ፅሬት፡ እቲ ትምነይዎ ፅባቐ!።
ቆርበትና እቲ ዝዓበየ ክፍሊ ኣካልና እዩ። መስትያት ጥዕናና'ዉን እዩ!።ስለዚ ንኽንክን ቆርበትኩም ኣብ ግምት ከተእትውዎ ዝግባእ 2 ወሳኒ ነገራት ኣለዉ፦
1️⃣ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ (ከምቲ ኣብ ምስሊ እትርእይዎ ዘመናዊ ሌዘር ማሽን
2️⃣ ብቕዓት ሓኪም (ብኽኢላታት ስፔሻሊስት)
ሆስፒታል ግዕዝ፡ ነዞም ክልተ ዓምዲታት ኣዋዲዱ፡ኣብ ከተማ ኣኽሱም፡ ንመጀመርታ ግዜ ብደረጃ ሆስፒታል ዝወሃብ ዘመናዊ ናይ ቆርበት ሕክምና ደረጃኡ ዝሓለወ የቕርብ ኣሎ።
እምበኣርከስ:-
🔹 ፈፀጋን በሰላን የፀግመኩም ኣሎ?
🔹 ማድያት ወይ ፀሊም ነጠብጣብ ኣሰልክይኩም?
🔹ኣብ ገፅኩም ብዘሎ ትኩትኳዕ (Freckles) ተሸፊንኩም ተጨኒቕኩም?
🔹 ገፅኩም ወለል ኢሉ ክበርህ ትደልዩ?
🔹ቆርበትኩም ተጨማዲዱ ወይ እንዳኣረገ ተፀጊምኩም?
ተስፋ ኣይትቁረፁ! ግዕዝ ሆስፒታል ሓዱሽ ተስፋ ሒዙ መፂኡ ኣሎ።
ከምዚ ኣብ ቪድዮ እትርእይዎ፡ እቲ "Carbon Laser Peel" (ሆሊውድ ፒል) ዝበሃል ተኣምራዊ ሕክምና፡ ንዝሞተ ቆርበት ኣሊዩ፡ ብርሃን ዘለዎ ሓዱሽ ቆርበት ይፈጥር።
🔹 ቃንዛ የብሉን
🔹 ምልክት ኣይገድፍን
ሎሚ መዓልቲ ናብ ግዕዝ ሆስፒታል ይምፅኡ፡ ብፍሽኽታ ተመለሱ!
💎 ፍልልይና ንፁር እዩ፦ ሕክምናና ብላምባዲናን ክሬምን ዘይኮነስ፡
✅ ቆርበትኩም ዝምርምሩ ስፔሻሊስት ሓካይም
✅ ዝጥቀሙሉ ማሽን፡ ዓለም ዝበጽሐቶ ናይ መወዳእታ Laser Technology እዩ።
✅ ቅድሚ ሕክምና፡ ናይ ቆርበትኩም ዓይነት (Skin Type) ብደንቢ ይምርመር።
ብሳይንስን ብዘመናዊ ሌዘር ቴክኖሎጂን ዝተረጋገጸ እዩ!
📍 ቦታና: ሆስፒታል ግዕዝ (ከተማ ኣኽሱም፡ ፊት ንፊት ቴሌ)
📞 ይደውሉ: 0920 00 83 38 / 0962 33 33 88

✅ 8 ምልክታት ልዑል ፀቅጢ ደም / 8 symptoms of hypertension 🔴 ልዑል ፀቕጢ ደም መብዛሕትኡ ግዜ "The Silent Killer" ተባሂሉ ይፍለጥ።🎯 እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድ...
19/12/2025

✅ 8 ምልክታት ልዑል ፀቅጢ ደም / 8 symptoms of hypertension

🔴 ልዑል ፀቕጢ ደም መብዛሕትኡ ግዜ "The Silent Killer" ተባሂሉ ይፍለጥ።

🎯 እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ብዙሓት ሰባት ኣብ ዝሓመሙሉ እዋን ዝኾነ ናይ ሕማም ምልክት ዘይከርእዩ ስለዝኽእል እዩ።

❗ይኹን እምበር ፀቕጢ ደምና ንነዊሕ እዋን ልዕል ኢሉ ምስ ዝፀንሕ ኣካላትና መጉዳእቲ ስለዝጅምር ነዞም 8 ምልክታት ከርኢ ይኽእል እዩ።

1. ሕማም ርእሲ (Headaches) 🤕
2. ምድንዛዝ ወይ ምቅላል ርእሲ (Dizziness) 💫
3. ናይ ዓይኒ ብዥታ ወይ ደሪብካ ምርኣይ (Blurred or Double Vision) 👁
4. ሕፅረት ትንፋስ (Shortness of Breath) 😮💨
5. ቃንዛ ኣፍልቢ (Chest Pain) 🫀
6. ምፍሳስ ደም ኣፍንጫ (Nosebleeds) 🩸
7. ልዑል ድኻምን ምድንጋርን (Fatigue or Confusion) 😫
8. ዘይስሩዕ ህርመት ልቢ (Irregular Heartbeat) 💓

⚠️ መተሓሳሰቢ፡ - እዚ ምልክታት ኣብ ዝረኣየሉ እዋን ጥራይ ዘይኮነ ፀቕጢ ደም በብግዘ ብምዕቃን ጥዕናና ንሓልው።

ሆስፒታል ግዕዝ / Geez Hospital
ቖፀሮ ንምሓዝ፥
📞+251920008338 / +251962333388 ይደውሉ።

📍ኣድራሻና፥ ፊትንፊት ቴሌ,ድሕሪ ሴንተራል ካፌ፣ ኣክሱም

🩺ሆስፒታል ግዕዝ
ብሓልዮትና ንምረፅ : ብሞያዊ ብቅዓትና ንእመን

🎯 መንፋሕቲ ከብዲ🚨 ክሳብ 30% ዝኾኑ ሰባት ዋላ ምስ ከብዲ ዝተኣሳሰር ጸገም እንተዘይብሎም መንፋሕቲ ከብዲ ግን የጋጥሞም።🟢 መንፋሕቲ ከብዲ ከስዕብ ዝኽእል እንታይ እዩ?👉🏽 በብግዜ(ብቅልጡ...
18/12/2025

🎯 መንፋሕቲ ከብዲ

🚨 ክሳብ 30% ዝኾኑ ሰባት ዋላ ምስ ከብዲ ዝተኣሳሰር ጸገም እንተዘይብሎም መንፋሕቲ ከብዲ ግን የጋጥሞም።

🟢 መንፋሕቲ ከብዲ ከስዕብ ዝኽእል እንታይ እዩ?
👉🏽 በብግዜ(ብቅልጡፍ) ወይ በዝሒ ምብላዕ
👉🏽 ጋዝ ዘለዎም መስተታት
👉🏽 ድርቀት ከብዲ
👉🏽 ጋዝ ዘስዕቡ ምግብታት
👉🏽 ለውጢ ሆርሞን (ብፍላይ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ)
👉🏽 ጭንቀት

✅ መንፋሕቲ ከብዲ ብኸመይ ክንቅንሶ ንኽእል?
🔹 ቀስ ኢልካ ወይ ብንእሽቶ ብኽፋል ምብላዕ
🔹 ብዙሕ ማይ ምስታይ
🔹 ሽኮር ዘለዎም መስተታት ምቅናስ
🔹 ቀስ ብቐስ ፋይበር ምውሳኽ
🔹 ምንቅስቃስ ኣካላት ምግባር
🔹 ጭንቀት ምውጋድ

⚠️ መዓስ ናብ ሓኪም ክንውከስ ይግባእ?
❗️ ክብደት ሰብነት እንትቅንስ
❗️ ተምላስ
❗️ ደማዊ ሰገራ
❗️ ከቢድ ቃንዛ ከብዲ እንትህልው ብቁልጡፍ ናብ ህክምናዊ ትካል ምኻድ ይግባእ።

ሆስፒታል ግዕዝ / Geez Hospital

ቖፀሮ ንምሓዝ፥
📞+251920008338 / +251962333388 ይደውሉ።

📍ኣድራሻና፥ ፊትንፊት ቴሌ,ድሕሪ ሴንተራል ካፌ፣ ኣክሱም

👉ይምፅኡ ካብ ሕማም ይፈወሱ።

 📌ሆስፒታል ግዕዝ ኣብ ዘለዎ ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታ ሰራሕተኛ ኣወዳዲሩ ክቆፅር ይደሊ።✍️ መመዝገቢ ቦታ :  ኣብ ሆስፒታል ቢሮ ቁፅሪ 24⏰ናይ ምዝገባ ዕለት፡ ዕለት 07/04/2018 ክሳብ ...
15/12/2025



📌ሆስፒታል ግዕዝ ኣብ ዘለዎ ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታ ሰራሕተኛ ኣወዳዲሩ ክቆፅር ይደሊ።

✍️ መመዝገቢ ቦታ : ኣብ ሆስፒታል ቢሮ ቁፅሪ 24
⏰ናይ ምዝገባ ዕለት፡ ዕለት 07/04/2018 ክሳብ 09/04/2018 ዓ።ም
⏰ናይ ፈተና ግዜ ፡ ዕለት 10/04/2018 ድሕሪ ሰዓት 8፡00

📍ኣድራሻና፥ ከተማ ኣክሱም ፊት ንፊት ቴሌ ድሕሪ ሰንትራል ካፌ ይረኽቡና

🔖ንተውሳኺ ሓበሬታ ብቁ.ስልኪ፦ 📞+251920008338 ወይ ድማ 📞+251962333388 ይደውሉ።

ሆስፒታል ግዕዝ / Geez Hospital
🎯ሆስፒታል ግእዝ ብሓልዮትና ንምረፅ ብሞያዊ ብቕዓትና ንእመን!

🎯ምዕቡል ምስሊ / Advanced imaging✅ብሓገዝ ዘመናዊ ቴክኖሎጅን ብስፔሻሊት ሓካይም ራድዮሎጂን ኣብ ሰሙን 7 መዓልታት ኣብ መዓልቲ 24 ሰዓታት ምዕቡልን ልዑል ፅሬት ዘለዎ ምስሊ  ኣ...
13/12/2025

🎯ምዕቡል ምስሊ / Advanced imaging

✅ብሓገዝ ዘመናዊ ቴክኖሎጅን ብስፔሻሊት ሓካይም ራድዮሎጂን ኣብ ሰሙን 7 መዓልታት ኣብ መዓልቲ 24 ሰዓታት ምዕቡልን ልዑል ፅሬት ዘለዎ ምስሊ ኣገልግሎት እናሃብና ንርከብ!!

👉ይምፅኡ ካብ ሕማም ይፈወሱ።
ሆስፒታል ግዕዝ / Geez Hospital

ቖፀሮ ንምሓዝ፥
📞+251920008338 / +251962333388 ይደውሉ።
📍ኣድራሻና፥ ፊትንፊት ቴሌ,ድሕሪ ሴንተራል ካፌ፣ ኣክሱም

🩺ሆስፒታል ግዕዝ
ብሓልዮትና ንምረፅ : ብሞያዊ ብቅዓትና ንእመን

📌 ሕክማና ሕማማት ልቢ አብ ሆስፒታል ግዕዝ ከም ዝረኽቡ ይፈልጡ ዶ?🎯ምስ ፀገማት ህርመት ልቢ ዝተኣሳሰር     🔴ድኻም      🔴ፀገም ምስትንፋስ      🔴ቃንዛ ኣፍልቢ      🔴ኣብ እግሪ...
10/12/2025

📌 ሕክማና ሕማማት ልቢ አብ ሆስፒታል ግዕዝ ከም ዝረኽቡ ይፈልጡ ዶ?

🎯ምስ ፀገማት ህርመት ልቢ ዝተኣሳሰር
🔴ድኻም
🔴ፀገም ምስትንፋስ
🔴ቃንዛ ኣፍልቢ
🔴ኣብ እግሪ ሕበጥ
🔴 ከም ናይ ቅድሚ ሕዚ ምንቅስቃስ ተዘይኪእልካ ብቕልጡፍ ናብ ሆስፒታል ኬድካ ምርመራ ክትገብር ኣለካ።

✅እዋናዊ ቴክኖሎጂ ተጠቒምና ብስፔሻሊስትን ፍሉይ ስፔሻሊስት ሓኻይም ልቢ ኩለመዳያዊ ምርመራን ሕክምናን እናሃብና ንርከብ።

ይምፅኡ ካብ ሕማም ይፈወሱ።
ሆስፒታል ግዕዝ / Geez Hospital

ቖፀሮ ንምሓዝ፥
📞+251920008338 / +251962333388 ይደውሉ።
📍ኣድራሻና፥ ፊትንፊት ቴሌ,ድሕሪ ሴንተራል ካፌ፣ ኣክሱም

🩺ሆስፒታል ግዕዝ
ብሓልዮትና ንምረፅ : ብሞያዊ ብቅዓትና ንእመን

ሰናይ ናይ ስራሕ ሰሙን! 👔🖥️    🌟 Happy Workdays!!📝 ሆስፒታል ግዕዝ ኣብ ኩሎም ግልጋሎታት ሕክምና ዝለዓለ ዓቕምን ልምድን ዝወነኑ ሓካይም ዝሓዘ እንትኸውን ናይ ዘበኑ ዝጠልቦም...
08/12/2025

ሰናይ ናይ ስራሕ ሰሙን! 👔🖥️
🌟 Happy Workdays!!

📝 ሆስፒታል ግዕዝ ኣብ ኩሎም ግልጋሎታት ሕክምና ዝለዓለ ዓቕምን ልምድን ዝወነኑ ሓካይም ዝሓዘ እንትኸውን ናይ ዘበኑ ዝጠልቦም መሳርሕታት ሕክምና ተሓጊዙ ጠለብ ጥዕና ሕብረተሰብ ንምዕጋብ ኣበርቲዑ ዝሰርሕ ዘሎ ሆስፒታል እዩ።

✅ይምፅኡ ካብ ሕማም ይፈወሱ!

👉 ጥዕናኹም ቐዳምነትና!
Your health,Our priority!

=========================================

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ ፦
👇👇👇👇👇👇👇👇👇👇👇
➤telegram (https://t.me/Geezhospital)
➤facebook (https://www.facebook.com/profile.php?id=61572930304902)
➤Instagram ( https://www.instagram.com/geez_hospital1?igsh=YzljYTk1ODg3Zg==)
➤WhatsApp ( https://chat.whatsapp.com/Cw65rKZmeKE6bblIMWbqlD) ይከታተሉና።

➸ንተውሳኺ ሓበሬታ ብቁ.ስልኪ፦
⏩+251920008338 ወይ ድማ ⏩+251962333388 ይደውሉ።
➸ኣድራሻና፥ ከተማ ኣክሱም ፊት ንፊት ቴሌ ድሕሪ ሰንትራል

🌿ሆስፒታል ግእዝ ብሓልዮትና ንምረፅ ብሞያዊ ብቕዓትና ንእመን!

Address

Axum , Tigray
Axum

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ሆስፒታል ግዕዝ / Geez Hospital posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share

Share on Facebook Share on Twitter Share on LinkedIn
Share on Pinterest Share on Reddit Share via Email
Share on WhatsApp Share on Instagram Share on Telegram

Category