05/01/2026
✅👁️ ሆስፒታል ግዕዝ ካብ ዝህቦ ዝነበረ ሕክምና ዓይኒ ግልጋሎታት ብምስፋሕ ውሕሉል ተሞክሮን ብሉፅ ሞያዊ ብቕዓትን ብዝወነኑ ስፔሻሊስት ሓካይም ዓይኒን ዘመኑ ብዝጠልቦ ዝተፋላለዩ ናይ ቴክኖሎጂ መሳርሕታት ሕክምና ተሓጊዞም ብተመጣጣኒ ዋጋ ሙሉእ ግልጋሎት ሕክምና ዓይኒ ኣብ ምሃብ ይርከቡ።
👇ግልጋሎታትና፡-
👁 ዝተማልአ ምርመራን ሕክምናን ዓይኒ
👁 ሕክምና ሃንደበታዊ ሕማማት ዓይኒ
👁 መጥባሕቲ ዓፅሚ ዓይኒ
👁 ሕክምናን መጥባሕትን ግላኮማ
👁 ምክፋት ዝተዓፀወ ትቦ ንብዓት ዓይኒ
👁 ቀለልትን ከበድትን መጥባሕቲ ዝተፈላለዩ ሕማማት ዓይኒ
👁 መጥባሕቲ ስብሒ ዓይኒ (ሞራ ዓይኒ)
👁 ምርመራን ሕክምናን ትራኮማ
👁 ሕክምናን ክትትልን ናይ ዓይኒ ኣለርጂ(ቁጠዐ)
👁 መጥባሕትን ምስትኽኻልን ዝተዛብዐ ቆቢዕ ዓይኒ
👁 ምስትኽኻል "ምሕውላል" ወይ ከዓ "ምሽውራር" ዓይኒ
👁 ምውጋድ ዝተፈላለዩ ሕበጣትን ባዕዳዊ ነገራትን ካብ ኩዕሶ ዓይኒ፤ ቆቢዕ ዓይንን፤ ዙርያ ዓይንን
👁 ሕክምናን ክትትልን ሳዕቤናት ሕዱር ሕማማት ዓይኒ ማለት ‘ውን ከም በዓል ሽኮርያን ፀቕጢ ደምን
👁 ናይ መግንሒ መኪና ምርመራን ምስክር ወረቐትን
👉ከምኡ 'ውን
👓ብፍሉይ ናይ መነፅር በዓል ሞያ ዝግበር ናይ መነፀር ምልካዕን ስራሕትን
🤓 ናይ ንባብ መነፀር
🤓 ናይ ርሕቀት መነፅር
🤓 ናይ ፀሓይን ኮምፒዩተርን መነፀር
🤓 ናይ ንባብን ርሕቐትን መነፀር ብሓደ
🤓 ብዝተፈላለዩ ዘመናዊ ፍሬማት ንዓበይትን፤ ትሕቲ ዕደመ ህፃናትን ብምስራሕ ሙሉእ ግልጋሎታት እናሃብና ንርከብ።
ሆስፒታል ግዕዝ / Geez Hospital
ቖፀሮ ንምሓዝ፥
📞+251920008338 / +251962333388 ይደውሉ።
📍ኣድራሻና፥ ፊትንፊት ቴሌ, ድሕሪ ሴንተራል ካፌ፣ ኣክሱም
🩺ሆስፒታል ግዕዝ
ብሓልዮትና ንምረፅ : ብሞያዊ ብቅዓትና ንእመን