Geez Hospital / ሆስፒታል ግዕዝ

Geez Hospital / ሆስፒታል ግዕዝ Welcome to Ge'ez primary hospital,
💊We provide expert care, advanced treatments & 24/7 emergency services.

Compassion, innovation & excellence in healthcare.📍 Axum , infront of telecom
📞 +251920008338 / +251962333388

 ✅👁️ ሆስፒታል ግዕዝ ካብ ዝህቦ ዝነበረ ሕክምና ዓይኒ ግልጋሎታት ብምስፋሕ ውሕሉል ተሞክሮን ብሉፅ ሞያዊ ብቕዓትን ብዝወነኑ ስፔሻሊስት ሓካይም ዓይኒን ዘመኑ ብዝጠልቦ ዝተፋላለዩ ናይ ቴክኖ...
05/03/2026



✅👁️ ሆስፒታል ግዕዝ ካብ ዝህቦ ዝነበረ ሕክምና ዓይኒ ግልጋሎታት ብምስፋሕ ውሕሉል ተሞክሮን ብሉፅ ሞያዊ ብቕዓትን ብዝወነኑ ስፔሻሊስት ሓካይም ዓይኒን ዘመኑ ብዝጠልቦ ዝተፋላለዩ ናይ ቴክኖሎጂ መሳርሕታት ሕክምና ብምውናን ብተመጣጣኒ ዋጋ ሙሉእ ግልጋሎት ሕክምና ዓይኒ ኣብ ምሃብ ንርከብ።

👇ግልጋሎታትና፡-
👁 ዝተማልአ ምርመራን ሕክምናን ዓይኒ
👁 ሕክምና ሃንደበታዊ ሕማማት ዓይኒ
👁 መጥባሕቲ ዓፅሚ ዓይኒ
👁 ሕክምናን መጥባሕትን ግላኮማ
👁 ምክፋት ዝተዓፀወ ትቦ ንብዓት ዓይኒ
👁 ቀለልትን ከበድትን መጥባሕቲ ዝተፈላለዩ ሕማማት ዓይኒ
👁 መጥባሕቲ ስብሒ ዓይኒ (ሞራ ዓይኒ)
👁 ምርመራን ሕክምናን ትራኮማ
👁 ሕክምናን ክትትልን ናይ ዓይኒ ኣለርጂ(ቁጠዐ)
👁 መጥባሕትን ምስትኽኻልን ዝተዛብዐ ቆቢዕ ዓይኒ
👁 ምስትኽኻል "ምሕውላል" ወይ ከዓ "ምሽውራር" ዓይኒ
👁 ምውጋድ ዝተፈላለዩ ሕበጣትን ባዕዳዊ ነገራትን ካብ ኩዕሶ ዓይኒ፤ ቆቢዕ ዓይንን፤ ዙርያ ዓይንን
👁 ሕክምናን ክትትልን ሳዕቤናት ሕዱር ሕማማት ዓይኒ ማለት ‘ውን ከም በዓል ሽኮርያን ፀቕጢ ደምን
👁 ናይ መግንሒ መኪና ምርመራን ምስክር ወረቐትን

👉ከምኡ 'ውን
👓ብፍሉይ ናይ መነፅር በዓል ሞያ ዝግበር ናይ መነፀር ምልካዕን ስራሕትን
🤓 ናይ ንባብ መነፀር
🤓 ናይ ርሕቀት መነፅር
🤓 ናይ ፀሓይን ኮምፒዩተርን መነፀር
🤓 ናይ ንባብን ርሕቐትን መነፀር ብሓደ
🤓 ብዝተፈላለዩ ዘመናዊ ፍሬማት ንዓበይትን፤ ትሕቲ ዕደመ ህፃናትን ብምስራሕ ሙሉእ ግልጋሎታት እናሃብና ንርከብ።

ቖፀሮ ንምሓዝ፥
📞+251920008338 / +251962333388 ይደውሉ።
📍ኣድራሻና፥ ፊትንፊት ቴሌ, ድሕሪ ሴንተራል ካፌ፣ ኣክሱም

🩺ሆስፒታል ግዕዝ
ብሓልዮትና ንምረፅ : ብሞያዊ ብቅዓትና ንእመን

🚑 ዝተማልአ ግልጋሎት ሃንደበታዊ ሕክምና አብ ሆስፒታል ግዕዝ 🏥 ሆስፒታል ግዕዝ ምስ 24 ሰዓት ዘየቋርፅ ኩሉ ግዜ ቅልጡፉን ፅፉፍን ግልጋሎት ብስፔሻሊስት ሓካይም እናሃበ ይርከብ።-------...
03/03/2026

🚑 ዝተማልአ ግልጋሎት ሃንደበታዊ ሕክምና አብ ሆስፒታል ግዕዝ

🏥 ሆስፒታል ግዕዝ ምስ 24 ሰዓት ዘየቋርፅ ኩሉ ግዜ ቅልጡፉን ፅፉፍን ግልጋሎት ብስፔሻሊስት ሓካይም እናሃበ ይርከብ።
-----------------------------------------------------------------------
ንዝኮነ ይኹን ሃንደበታዊ ሕማም ብስልኪ ቁፅሪ
📞+251920008338 / +251962333388 ይደውሉ።
📍ኣድራሻና፥ ፊትንፊት ቴሌ,ድሕሪ ሴንተራል ካፌ፣ ኣክሱም

🩺ሆስፒታል ግዕዝ
ብሓልዮትና ንምረፅ : ብሞያዊ ብቅዓትና ንእመን

🌟 እንኳዕ ንመበል 130 ዓመት በዓል ዓድዋ ብሰላም አብፀሓኩም! አብፀሐና!👉ሰናይ ቅንያት ሰሙን! እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ ፦👇👇👇👇👇👇👇👇👇👇👇➤telegram (https://t.me/Geezho...
02/03/2026

🌟 እንኳዕ ንመበል 130 ዓመት በዓል ዓድዋ ብሰላም አብፀሓኩም! አብፀሐና!

👉ሰናይ ቅንያት ሰሙን!


እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ ፦
👇👇👇👇👇👇👇👇👇👇👇
➤telegram (https://t.me/Geezhospital)
➤facebook (https://www.facebook.com/profile.php?id=61572930304902)
➤Instagram ( https://www.instagram.com/geez_hospital1?igsh=YzljYTk1ODg3Zg==)
➤WhatsApp ( https://chat.whatsapp.com/Cw65rKZmeKE6bblIMWbqlD) ይከታተሉና።

➸ንተውሳኺ ሓበሬታ ብቁ.ስልኪ፦
⏩+251920008338 ወይ ድማ ⏩+251962333388 ይደውሉ።
➸ኣድራሻና፥ ከተማ ኣክሱም ፊት ንፊት ቴሌ ድሕሪ ሰንትራል

🌿ሆስፒታል ግእዝ ብሓልዮትና ንምረፅ ብሞያዊ ብቕዓትና ንእመን!

🎯 ዕውት መጥባሕቲ ዲስክ ኣብ ሆስፒታል ግዕዝ 🏥🩺 ብቀዳምነት ግዕዝ ሆስፒታል ሙሉእ ግልጋሎት መጥባሕቲ ሓንጎል ፣ ዓንዲ ሕቆን ነርቭን ብዝለዓለ ፅሬትን ልምድን ብዝወነኑ ሓካይም ከምዝወሃብ ክ...
28/02/2026

🎯 ዕውት መጥባሕቲ ዲስክ ኣብ ሆስፒታል ግዕዝ

🏥🩺 ብቀዳምነት ግዕዝ ሆስፒታል ሙሉእ ግልጋሎት መጥባሕቲ ሓንጎል ፣ ዓንዲ ሕቆን ነርቭን ብዝለዓለ ፅሬትን ልምድን ብዝወነኑ ሓካይም ከምዝወሃብ ክንገልፅ ንፈቱ።

🩻🦴 ካብዞም ግልጋሎታትና ሓደ ዝኮነ መጥባሕታዊ ግልጋሎት ንሕማም ዲስክ እንትኮን ሎሚ ኣብ ግዕዝ ሆስፒታል መጥባሕቲ ናይዝገበረ ታሪክ ክነካፍል።

🧑‍🦽 40 ዝዕድሚኦም ተሓካሚና ልዕሊ ዓመት ክሳቀዮ ዝፀንሐ ቃንዛ ሑቀ ካብ ዝሓለፈ ክረምቲ ጀሚሩ ናይ የማናይ እግሪ ዕረፍቲ ዘይብሉ ቃንዛን ብተወሳኪ እውን ሑቀ ጎቢጡ ምካድን ዘስዓበሉ እንትኮን፣ ኣብ ግዕዝ ብዝተገበረሉ ምርመራ ከቢድ ናይ ዲስክ ምንሽርታት ምዕፃው ነርቭን ተረኪብዎም።

💊 ተሓካሚ ድሕሪ ቡዙሕ ፈተነ መድሓኒት ፣ ፊዝዮቴራፕን ካብ ክሊኒክ ናብ ክሊኒክ ምንግልታዕን ኣብ ግዕዝ ዝተነፀረሉ መጉዳእቲ መጥባሕቲ ከምዘድልዮ ብምርድዳእ ናይ ዲስክ መጥባሕቲ ተገይርሉ።

✨ ተሓካሚና ካብቲ ዝነበሮ ቃንዛን ጎቢጥካ ምካድን ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ኣዝዩ ልዑል ለውጢ ኣምፂኡ ኣብ ራብዓይ መዓልቲ ብዘይ ድጋፍ ፣ ቃንዛን ምጉባጥን ንገዝኡ ተሰንዩ።

🚨 ልቢ ይበሉ፥- ሕማም ዲስክ ስለዘሎን ቃንዛ ሕቖ ስለዘሃለየን ጥራሕ መጥባሕቲ ኣየድልን። ብሓፈሻ 85-90% ሕማማት ዲስክ መጥባሕቲ ኣየድልዮምን። ብፍላይ ከዓ ናይ ግሊ ትካላት ናይ ዲስክ መጥባሕቲ የድልይ እዩ ኣብ ዝበሃል ግዘ ካሊእ ተመሳሳሊ በዓል ሞያ ምምካር ኣድላዪ እዩ።

ቖፀሮ ንምሓዝ፥
📞+251920008338 / +251962333388 ይደውሉ።
📍ኣድራሻና፥ ፊትንፊት ቴሌ, ድሕሪ ሴንተራል ካፌ፣ ኣክሱም

🩺ሆስፒታል ግዕዝ
👉ብሓልዮትና ንምረፅ : ብሞያዊ ብቅዓትና ንእመን

🫀ሕማም ልቢ(Heart Failure)እንታይ እዩ?👨‍⚕️ብ ዶ/ር ተስፋይ ኣፅባሃ ስፔሻልስት ውሽጣዊ ሕማማት ፍሉይ ስፔሻልስት ሕማማት ልቢ📌 ሕማም ልቢ ማለት ንሰውነትና እኩል ዝኮነ  ደም ዘይም...
26/02/2026

🫀ሕማም ልቢ(Heart Failure)እንታይ እዩ?

👨‍⚕️ብ ዶ/ር ተስፋይ ኣፅባሃ ስፔሻልስት ውሽጣዊ ሕማማት ፍሉይ ስፔሻልስት ሕማማት ልቢ

📌 ሕማም ልቢ ማለት
ንሰውነትና እኩል ዝኮነ ደም ዘይምስርጫው እዩ:: ካብቶም ቀንዲ መንቀሊታት ሕማም ልቢ ኣብ ቀዳማይ ጀረጃ ዝስራዕ ወቅዒ ልቢ(myocardial infarction ) እዪ።

❤️ወቅዒ ልቢ(myocardial infarction ) እንታይ እዪ?

📌ወቅዒ ልቢ ማለት ናብ ልቢ ዝከድ ናይ ደም ሱር(coronary artery )ሙሉእ ንሙሉ ወይ ብክፋል ክዕፆ እንተሎ ይመፅእ::

❗️መንቀሊታት ወቅዒ ልቢ(myocardial infarction )

➣ሽገራ ምትካክ

➣ክብደት ምውሳክ

➣ልዑል መጠን ሽኮርን ፀቅጢ ደምን

➣ልዑል መጥን ስብሒ(high cholesterol )

➣ስፖርታዊ ምንቅስቃስ ዘይምግባር

⚠️ምልክታት ወቅዒ ልቢ

➩ኣፍ ደረት ቃንዛ

➩ፀጋማይ ኢዲን ካሳዲን ቃንዛ

➩ዕውልውል ን ንዓቀብ ምውቃዕን

➩ምርሃፅን ኣየር ምሕፃርን ዝኣምሰሉ

💡መከላከልታት ወቅዒ ልቢ

➣መጠን ክብደት ምቅናስ

➣ኣብ መዓልቲ ን 30 ደቂቃ ኣካላዊ ምንቅስቃስ ምግባር

➣ሽገራ ዘይምትካክ

➣በዝሒ ሽኮር እና ፀቅጢ ደም ምቁፅፃር

🚨ወቅዒ ልቢ ካብ 50-80%ቀታሊ ሰለ ዝኮነ እዞም ኣብ ላዕሊ ዘለዉ ምልክታት እንተሃልይዎም ብቁልጡፍ ናብ
ሕክምና ትካል እንተከይዶም ናይ ምዲሓን ዕድል ዝለዓለ ይከውን::

ቖፀሮ ንምሓዝ፥
📞+251920008338 / +251962333388 ይደውሉ።
📍ኣድራሻና፥ ፊትንፊት ቴሌ, ድሕሪ ሴንተራል ካፌ፣ ኣክሱም

🩺ሆስፒታል ግዕዝ
👉ብሓልዮትና ንምረፅ : ብሞያዊ ብቅዓትና ንእመን

🌟 ሰናይ ናይ ስራሕ ሰሙን!እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ ፦👇👇👇👇👇👇👇👇👇👇👇➤telegram (https://t.me/Geezhospital)➤facebook (https://www.facebook.com/pr...
23/02/2026

🌟 ሰናይ ናይ ስራሕ ሰሙን!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ ፦
👇👇👇👇👇👇👇👇👇👇👇
➤telegram (https://t.me/Geezhospital)
➤facebook (https://www.facebook.com/profile.php?id=61572930304902)
➤Instagram ( https://www.instagram.com/geez_hospital1?igsh=YzljYTk1ODg3Zg==)
➤WhatsApp ( https://chat.whatsapp.com/Cw65rKZmeKE6bblIMWbqlD) ይከታተሉና።

➸ንተውሳኺ ሓበሬታ ብቁ.ስልኪ፦
⏩+251920008338 ወይ ድማ ⏩+251962333388 ይደውሉ።
➸ኣድራሻና፥ ከተማ ኣክሱም ፊት ንፊት ቴሌ ድሕሪ ሰንትራል

🌿ሆስፒታል ግእዝ ብሓልዮትና ንምረፅ ብሞያዊ ብቕዓትና ንእመን!

🔬 ዕውት መጥባሕቲ መስበርቲ ዓፅሚ ርእሲ👨‍⚕️ ብ ዶክተር በርሀ አማረ ( Neurosurgeon )🧠 ሓንጎል ደቂሰባት ካብ ንሓስቦ ንላዕሊ ጠንካራ እዮ። ወላ ፋስ ኮነ ጥይት በሲዕዎ እዉን ዓር...
20/02/2026

🔬 ዕውት መጥባሕቲ መስበርቲ ዓፅሚ ርእሲ
👨‍⚕️ ብ ዶክተር በርሀ አማረ ( Neurosurgeon )

🧠 ሓንጎል ደቂሰባት ካብ ንሓስቦ ንላዕሊ ጠንካራ እዮ። ወላ ፋስ ኮነ ጥይት በሲዕዎ እዉን ዓርሱ ክሕክም ይኽእል እዩ። እዚ ኣብ ዝኮነሉ እዋን ከዓ ሓገዝ ሕክምና ምስዝገበርናሉ ተኣምራዊ ለውጢ የምፅእ።

📌ተሓካሚና ቕድሚ ወርሒ ብዘጋጠሞም መጉዳእቲ የማናይ ቕድሚት ርእሶም ኣብ ከባቢኦም እናታሓከሙ ፀኒሖም ።

👉ኣብ ቐረባ መዓልቲ ዝጀመረ ከቢድ ሕማም ርእሲ፣ ተምላስን ቀልቢ ምቕናስን ተሓካማይ ናብ ሆስፒታልና ሆስፒታል ግዕዝ መፂኦም ብዘመነውቲ መሳርሕታት ሕክምና ድሕሪ ዝተገበረሎም ምርመራን ዉፅኢት CT Scan መስበርቲ የማናይ ቕድሚት ዓፅሚ፣ ሓንጎል ካብ ቦትኡ ወፃኢ ምኻን፣ ዝፀነሐ ዝረገአ ደም ከምዘለዎም ተነፂርሎም።

👉ብመሰረት እዙይ ብ ዶክተር በርሀ ኣማረ ስፔሻሊስት መጥባሕቲ ሓንጎል ዓንዲሑቐን መትንን ( Neurosurgeon ) ዝተመረሐ ዕዉት መጥባሕቲ ተገይርሎም።

💡ተሓካሚና ድሕሪ መጥባሕቲ ናብ ንቡር ቀልቦም ተመሊሶም ሕማም ርእሲ እዉን ኣዝዩ ኣመሓይሾም ንገዝኦም ተሰንዮም።

🎯ሓፈሻዊ መልእክቲ፦
🧠ናይ ርእሲ ጉድኣት ኣብ ዝበፅሓሉ እዋን፣ ብፍላይ ከዓ ኣብ ዕድመ ድፍእ ዘበሉ ሰባት ዝፀንሕ ምቁፃር ደም ክህልው ስለዝክእል ከቢድ ሕማም ርእሲ መልመስቲ መሓውር ወይ ቀልቢ ምቕናስን/ ምስሓትን ኣብ ዝህልው ተሎ ሕክምናዊ ሓገዝ ክረኽቡ ይግባእ።

📌 ሆስፒታል ግዕዝ ግልጋሎት ሓፈሻዊ መጥባሕቲ ብዝለዓለ ዓቕምን ልምድን ዝወነኑ ስፔሻሊስት ሓካይም ግልጋሎት እናሃበ ይርከብ።

✅ይምፅኡ ካብ ሕማም ይፈወሱ! Geez Hospital / ሆስፒታል ግዕዝ
=====================================

ይርከቡና
➸ኣድራሻና፥ ከተማ ኣክሱም ፊት ንፊት ቴሌ ድሕሪ ሰንትራል ካፌ ይረኽቡና

➸ንተውሳኺ ሓበሬታ ብቁ.ስልኪ፦
🌿⏩+251920008338 ወይ ድማ ⏩+251962333388 ይደውሉ።

🌿ሆስፒታል ግእዝ ብሓልዮትና ንምረፅ ብሞያዊ ብቕዓትና ንእመን!

⚕️ግልጋሎት ምርመራ ሕበጥን ካንሰርን (pathology)📌 ሆስፒታል ግዕዝ  ናይ ዝተፈላለዩ ሕበጣትን;ሰውነት ፈሳሲን ካንሰርን ምርመራ ብስፔሻሊስት ሓካይም ፅፉፍ ግልጋሎት እናሃበ ይርከብ:: ...
18/02/2026

⚕️ግልጋሎት ምርመራ ሕበጥን ካንሰርን (pathology)

📌 ሆስፒታል ግዕዝ ናይ ዝተፈላለዩ ሕበጣትን;ሰውነት ፈሳሲን ካንሰርን ምርመራ ብስፔሻሊስት ሓካይም ፅፉፍ ግልጋሎት እናሃበ ይርከብ::

📌 ብተወሳኪ ናይ ጫፍ ማህፀን ቅድመ ካንሰርን ድሕረ ካንሰር ምርመራ ግልጋሎት እንሃበ ይርከብ::

✓እንህቦም ምርመራታት:-

✅ Cytopathology(ሳይቶፓቶሎጂ):
➤ FNAC
(ዝተፈላለዩ ሕበጣት ብመርፍእ ናሙን ብምዉሳድ ዝግበር ምርመራ)
➤ Exfoliative cytology
(ናይ ኣካላት ፈሳሲ ምርመራ)
➤ Abrasive cytology
( Pap smear)

✅ Histopathology(ሂስቶፓቶሎጂ):
➤ Punch biopsy(ፓንች ባዮፕሲ)
➤ Curetages(ኪዩሬታጅስ)
➤ Surgcal resection specimens
(ብመጥባሕቲ ሕበጥ ብምውፃእ ዝግበር ምርመራ)
➤ Core needle biopsy(ብመርፍእ ባዮፕሲ)
➤ Bone marrow Biopsy
(ናይ ዓፅሚ ባዮፕሲ)

✅ Hematopatholoy(ሄማቶፓቶሎጂ):
➤ Peripheral morphology
(ህዋሳት ደም ምርመራ)
➤ Bone marrow aspiration cytology
(ናይ ኣንጉዕ ህዋሳት ምርመራ)

=================================================መባእታዊ ሆስፒታል ግዕዝ / Ge'ez Primary Hospitalitalital

➸ንተውሳኺ ሓበሬታ ብቁ.ስልኪ፦
⏩+251920008338 ወይ ድማ ⏩+251962333388 ይደውሉ።
➸ኣድራሻና፥ ከተማ ኣክሱም ፊት ንፊት ቴሌ ድሕሪ ሰንትራል

🌿ሆስፒታል ግእዝ ብሓልዮትና ንምረፅ ብሞያዊ ብቕዓትና ንእመን!

📌 ሸለል ክበሃሉ ዘይብሎም ናይ መጠንቀቕታ ምልክታት ሕማም ሽኮር✅ ተደጋጋሚ ሽንቲ - ኣካላትካ ብሽንቲ ኣቢሉ ነቲ ልዕሊ ዓቐን ሽኮር ክገላገል ይፅዕር።✅ ካብ መጠን ንላዕሊ ፅምኢ ማይ - ኩሉ...
14/02/2026

📌 ሸለል ክበሃሉ ዘይብሎም ናይ መጠንቀቕታ ምልክታት ሕማም ሽኮር

✅ ተደጋጋሚ ሽንቲ - ኣካላትካ ብሽንቲ ኣቢሉ ነቲ ልዕሊ ዓቐን ሽኮር ክገላገል ይፅዕር።
✅ ካብ መጠን ንላዕሊ ፅምኢ ማይ - ኩሉ ግዜ ፅምኢ ዝስምዓካ ሽኮር ኣብ ደምካ ልዑል ምዃኑ ምልክት ክኸውን ይኽእል።
✅ ዘይምክንያታዊ ክብደት ሰብነት ምጉዳል - ሓይሊ ንምርካብ ኣካላትካ ኣብ ክንዲ ሽኮር ስብሒ ዘቃጽል እንተኾይኑ ክብደት ምጉዳል ከጋጥም ይኽእል።
✅ ምውሳኽ ጥሜት - ድሕሪ ምግቢ ምብላዕ እውን እንተኾነ ኣካላትካ ዘድልዮ ሓይሊ ኣይረክብን እዩ።
✅ ድኻም – ልዑል መጠን ሽኮር ደም ብዘይሙቁራፅ ከዳኽም ይኽእል።
✅ ምድብዛዝ ክእለት ምርኣይ – ምትእኽኻብ ሽኮር ኣብ ዓይንኻ ንዘሎዉ ሌንሳት ክጎድኦ ይኽእል።
✅ ቁስሊ ቀልጢፉ ዘይምሕዋይ - ልዑል መጠን ሽኮር ደም ንሰራውር ደም ክጎድእን ንሕውየት ከተዓናቅፍን ይኽእል።
✅ ምድንዛዝ ኢድ/እግሪ - ብምኽንያት ልዑል ሽኮር ነርቭታት ክጉድኡ ይኽእሉ።

🚨 ስሩዕ ምርመራን ናይ ሽኮር ደም ክትትልን ብምግባር ካብ ከቢድ ችግር ንከላከል።

Geez Hospital / ሆስፒታል ግዕዝ

ቖፀሮ ንምሓዝ፥
📞+251920008338 / +251962333388 ይደውሉ።
📍ኣድራሻና፥ ፊትንፊት ቴሌ, ድሕሪ ሴንተራል ካፌ፣ ኣክሱም

🩺ሆስፒታል ግዕዝ
👉ብሓልዮትና ንምረፅ : ብሞያዊ ብቅዓትና ንእመን

🩻ግልጋሎት ሲቲ-ስካንኣብ ሆስፒታል ግዕዝ ብ ስፔሻሊስት ሓካይም!➸ ቆፆሮ ንመሓዝ ብቁ.ስልኪ፦ ⏩+251920008338  ወይ ድማ  ⏩+251962333388 ይደውሉ።➸ኣድራሻና፥ ከተማ ኣክሱም ፊ...
12/02/2026

🩻ግልጋሎት ሲቲ-ስካን
ኣብ ሆስፒታል ግዕዝ ብ ስፔሻሊስት ሓካይም!

➸ ቆፆሮ ንመሓዝ ብቁ.ስልኪ፦
⏩+251920008338 ወይ ድማ ⏩+251962333388 ይደውሉ።
➸ኣድራሻና፥ ከተማ ኣክሱም ፊት ንፊት ቴሌ ድሕሪ ሰንትራል

🌿ሆስፒታል ግእዝ ብሓልዮትና ንምረፅ ብሞያዊ ብቕዓትና ንእመን!

✅ ምሕርናኽ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ናይ መጠንቀቕታ ምልክት ክኸውን ይኽእል ኢዩ።📌 ምሕርናኽ ናይ ድምፂ ፀገም ጥራይ ዘይኰነስ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እዋን ድቃስ ናይ መተንፈሲ ቱቦ ከም እተዓፀ...
07/02/2026

✅ ምሕርናኽ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ናይ መጠንቀቕታ ምልክት ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

📌 ምሕርናኽ ናይ ድምፂ ፀገም ጥራይ ዘይኰነስ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እዋን ድቃስ ናይ መተንፈሲ ቱቦ ከም እተዓፀወ የመልክት እዚ ድማ ብሓፈሻ ንጥዕናና ኽፀልዎ ይኽእል እዩ።

📝ምሕርናኽ ምስ ብዙሕ ጸገማት ጥዕና ኽተሓሓዝ ይኽእል እዩ
👉🏽 bstructive sleep apnea (OSA)
👉🏽 ናይ ድቃስ ፀገም እና ድኻም
👉🏽 ልዑል ጸቕጢ ደምን ሕማም ልብን
👉🏽 ንወቕዒ እተቓልዐ ምዃን
👉🏽 ጕድለት ኣቅልቦን ናይ ምዝካር ፀገማትን

🚨 ዕሽሽ ክንብሎ ዘይብልና ምልክታት
✅ ልዑል፣ ሕዱር(ስር ልሰደደ) ምሕርናኽ
✅ ኣብ ድቃስ ከሎኻ ምስትንፋስ ምቍራፅ
✅ ብለይቲ ናይ ምሕናቅ ስምዒት እንትስመዐካ
✅ ንግሆ ሕማም ርእሲ
✅ ካብ መጠን ንላዕሊ ናይ ቀትሪ ድቃስ እንትህልውን።

🩺 ኣቐዲምካ ምርመራ ምግባር ድቃስ ክመሓየሽን ጥዕናኻ ክዕቀብን ይኽእል እዩ።

👉ይርከቡና
➸ኣድራሻና፥ ከተማ ኣክሱም ፊት ንፊት ቴሌ ድሕሪ ሰንትራል ካፌ ይረኽቡና

➸ንተውሳኺ ሓበሬታ ብቁ.ስልኪ፦
🌿⏩+251920008338 ወይ ድማ ⏩+251962333388 ይደውሉ።

🌿ሆስፒታል ግእዝ ብሓልዮትና ንምረፅ ብሞያዊ ብቕዓትና ንእመን!

Address

Axum , Tigray
Axum

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Geez Hospital / ሆስፒታል ግዕዝ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share

Share on Facebook Share on Twitter Share on LinkedIn
Share on Pinterest Share on Reddit Share via Email
Share on WhatsApp Share on Instagram Share on Telegram

Category