Binyam ZeChristos's Page

Binyam ZeChristos's Page ኦ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ከማየ ንዓኻ ዝበደለ፣ ከማኻ ድማ ንዓየ ዝተሸከመ የለንሞ ንዓኻ ጥራሕ የምልኽ!

08/07/2024

«ኢየሱስ አማላዲ ድዩ?»
1ይ ክፍል « ሓዳር አብርሃምን ሣራን ናይ ዕግርግር ሓዳር እዩ»
(ናይ ፕሮቴስታንት ነቢይ)

ሙሉእ ቪድይ:- https://youtu.be/WABzhTb3sI0?si=_s3JI0puwnqxC5lI

‼️   ...   ‼️ቅድሚ ቁሩብ ዓመታት እዩ። ኣብ ግብፂ ይነብር ዝነበረ ሓደ መንእሰይ ዋላኳ ብትምህርቱ፣ ብሃፍቱን ሓዳሩን "ዝተሳኽዐሉ" ዝበሃል ሰብ እንተነበረ፣ ድሕሪ ቁሩብ ጊዜያት ግና ...
06/08/2023

‼️ ... ‼️
ቅድሚ ቁሩብ ዓመታት እዩ። ኣብ ግብፂ ይነብር ዝነበረ ሓደ መንእሰይ ዋላኳ ብትምህርቱ፣ ብሃፍቱን ሓዳሩን "ዝተሳኽዐሉ" ዝበሃል ሰብ እንተነበረ፣ ድሕሪ ቁሩብ ጊዜያት ግና እቲ ዝኾርዐሉ ዝነበረ ሓዳሩ ኣብ ሕቶ ምልክት አተወ። ብዘይፈልጦ ምኽንያት እታ ዝፈትዋ በዓልቲ ገዝኡ ትሕቲ ሽምጣ ኣእጋራ ለማስ (ፓራላያዝ) ኾነት። በዚ ተደናጊፁ ዋላኳ ናብ ዘይኸዶ ሆስፒታል እንተዘየለ፣ ተስፋ ከምዘይብሉ ተነገሮ። "እቲ ዝሓዛ ሕማም ኣይድሕንን" ዝብል መሪር ቃል ካብ ሓካይም ሰሚዑ ልቡ ተሰብረ። ብዙሕ ዝሓሰበሉ ፍቕሪ ልቡ እንትደርቕ፣ ናይ ቕድሚት ሕልሙ እንትፅልምት፣ ናይ ውላድ ድልየቱ ከምዘይርኢ ኣቐዲሙ ፈሊጡ ሓዘነ። ሰበይቱ ኣብ ኣልጋኣ ትበልዕ ኣብ ኣልጋኣ ድማ ትፍትንን ትሸይንን! ንቁሩብ ሰሙናትን ኣዋርሕን ኣብ ኣልጋ ኾይኑ ብትዕግስቲ ዋላኳ እንተሓብሐባ፣ ካብዚ ንላዕሊ ምፅናሕ ግና ብአካል ሲኦል ከም ምእታው ኾይኑ ተርኣዮ። ስለዙይ ድማ ብፍትሕ ካብኣ ንክፈላለ መረፀ። ነገር ግን ቕድሚ ናብ ፍርድ ቤት ምኻዱ ኣቐዲሙ ንንስሓ ኣቡኡ ንከማኽሮም ብምሕሳብ ኸይዱ ይነግሮም። ንሶም ግና ፍፁም ከምዘይኸውን፣ ጎይታ እውን "ምፍታሕ ይፀልእ እየ" ከምዝበለ፣ ኣምላኽ ዘጣመሮ እውን ንሱ ክፈትሖ ከምዘይግባእ ካብ መጽሐፍ ቅዱስ እናጠቐሱ ኣረድእዎ። ኣብ መወዳእታ ግን ኽልቲኦም ንክጽልዩሉን ናብ እምበይትና ማርያም ድማ ንከመልክቱን ተስማዕሚዖም ተፈላለዩ። እቶም ካህን ድማ ናይቲ መንእሰይን ሰበይቱን ስመ ክርስትና ፅሒፎም ኣብ መቕደስ ኣቐሚጦም ን3 መዓልቲ ብጽኑዕ ጾምን ጸሎትን ፀንሑ።

ድሕሪ 3 መዓልቲ እቲ መንእሰይ ብሕልሙ፣ ካብ ሓደ ነዊሕ ፎቕ ወዲቑ እንትሰባበር፣ ሰባት መፂኦም እንትበኽዩሉ፣ እታ ሰበይቱ መፂኣ ግን "ዋላኳ ወዲቑ እንተተሰባበረ ኣነ ግን ካብ ልበይ የፍቅሮ እየሞ ኣይፍለዮን፤ በዓል ገዛይ እዩሞ ኣይገድፎን፤ ክሳብ ዝሞት ክሕብሕቦ እየ" እንትትብሎም ብሕልሙ ረኣየ። እቲ መንእሰይ ድማ "እዚ'ኳ መልእኽቲ ኣምላኽ እዩ" ብምባል እቲ ዝረኣዮ ሕልሚ ንንስሃ ኣቡኡ ይነግሮም። ንሶም ድማ ኢድ እግዚኣብሔር ብድንግል ማርያም ኣማላድነት ከምዝሰርሕ፣ ዋላኳ ሰበይቱ ኣብ ኣፍ ሞት ተኾነት ክርስቶስ ግና ክፍውሳ ከምዝኽእል፣ ንሱ ድማ ክፈትሓ ከምዘይግብኦ ዝናገር ሕልሚ ምኻኑ ተርጎሙሉ። ንሱ እውን ብእምነት "ዝሓሰብክዎ እንተይኮነስ ጎይታ ዝሓሰበለይ ይኹን" ብምባል፣ ንከይፈትሓ ወሲኑ፣ ብጸሎት ንሰበይቱ ፈውሲ ክልምን ጀመረ።

ድሕሪ ቁሩብ ሰሙናት እቲ ዝተፈተወ ኣተወሞ፣ ንሱ እውን ን14 መዓልቲ ብተመስጦ፣ ብጾምን ጸሎትን ምስፀንሐ፣ ነሐሰ 16 ናይ እምበይትና ትንሳኤን ዕርገትን ንከኽብር ናብ ቤ/ክ እንትኸይድ፣ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ ዕሸላት እውን ምስ ወለዶም ጧፍ ኣብሪሆም እንትዝምሩ ሪኡ ልቡ ብሓዘን ተሰብረ። ሰበይትን ውላድን ብምስኣኑ እናበኸየ ኣብቲ ቤ.ክ ኣብ እግሪ ሥዕሊ ድንግል ኣዴና ምስለ ፍቁር ወልዳ አድኅኖ ወዲቑ "ኣደይ ማርያም ዕድመ ንእስነተይ ብሓጎስ ዘየሕለፍኹሉ፣ ፍቕሪ ልበይ ብሕማቕ ሕማም ዝሰኣንኹሉ መዓልቲ ከመይ ዝተረገመ እዩ?! ንሳ ምስ ዓራት ተጣቢቓ፣ ኣነውን ብስቓያ ዝሳቐ ክሳብ መዓዘ እዩ? ፅንሲ ዘዝለለ ድምፅኺ ኣስምዕንዶ ኣነውን ንኽብሪ ክዘልል! ንቶማስ ዝሃብክዮ መግነዝኪ እንዶ ኣብ ልዕሊ ሰበይቲ ደርብዪ" እናበለ ምርር ኢሉ በኸየ‼️

ካብ ቤ.ክ መልሲ ናብ ገዝኡ እንትኣቱ ግን እታ ሰበይቱ ኣብ ዓራታ የላን። ውሽጡ ፍርሓት ወረሮ! "ዋይ ኣነ! ገዲድዋዶ ናብ ሕክምና ወሲዶማ? ዓሪፋዶ ክቐብርዎ ኸይዶም?" እናበለ ሓሰበ። ፅንሕ ኢሉ ድማ "ኣይይ ኣይኸውንን! ብፍፁም ድንግል ማርያም ኣሕሊፋ ኣይትህበንን" በለ። ናብ ጓዳ እንትኣቱ ግና ፍፁም ክእመን ብዘይኽእል መልክዑ ብ2 እግራ ቆይማ እንትሰርሕ ረኣያ! ኣንደበቱ ክናገር ኣይከኣለን! ኣዕይንቱ ግና ዘለላ ንብዓት የርግፋ ጀመራ! ሰበይቱ እውን ምስረኣየቶ ብታሕጓስ ዘሊላ ተጠምጠመቶ። ኢላ ንሰብኣያ ነገረቶ።ንሱ ግና ካብቲ ዝሰምዖ ነገር ዝተልዓለ በሃም ኾነ። ደሓር ግና ኣብ እግራ ተንበርኪኹ ተስፋ ብምቑራፅ ንክፈትሓ ሓሲቡ ከምዝነበረ ተናጊሩ ይቕሬታ ሓተታ። ንሳ እውን ይቕሬታ ገበረትሉሞ ተሓቋቊፎም ንጎይታ ኣመስግኑ። ተተሓሒዞም እውን በዓለ ትንሳኤኣን ዕርገታን ንምኽባር ብሓባር ናብ ቤተክርስቲያን ኸዱ።

ንግስትና እምበይትና ማርያም፣ ፍቕራ ኣብ ልቡናና ጣዕማ እውን ኣብ ኣንደበትና የሕድረልና! ጸግኡን ኽብሩን ከይወስደልና ትለምነልና! ኣዕምርኡ ምስትውዓሉ ትስኣለልና ተሕድረልና! ጾምና ሱባኤና ትባርኸልና! ናብ ዕርገታ የብቅዐና!!
#ፍልፍል፦ Miracles of Saint Mery in Coptic orthodox church (Pop shinoda 3rd)
ZeChristos ሓምለ 30 - 2015

‼️   (ፍልሰታ) ‼️ - 10 Points1.ብቀኖና (ሥርዓት) ቅድስቲ ኦርቶዶክስ ቤ.ክ መሰረት 3 ዓይነት ጾም አሎ! ናይ ኣዋጅ፣ ናይ ቀኔና/ንስሃ/ ናይ ፈቃድን! 7 ናይ ኣዋጅ፣ 2 ናይ ፈ...
04/08/2023

‼️ (ፍልሰታ) ‼️ - 10 Points
1.ብቀኖና (ሥርዓት) ቅድስቲ ኦርቶዶክስ ቤ.ክ መሰረት 3 ዓይነት ጾም አሎ! ናይ ኣዋጅ፣ ናይ ቀኔና/ንስሃ/ ናይ ፈቃድን! 7 ናይ ኣዋጅ፣ 2 ናይ ፈቃድ ኣጽዋማት ድማ አለዋና።

2.ናይ ፈቃድ ዝበሃላ 1)ጾመ ጽጌ (መስከረም 26 - ሕዳር5) ፣ 2) ጾመ ዮዲት (ጳጉሜን1-5) እንትኾና ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ዝበሃላ ድማ፦ 1)ጾመ ነቢያት/ኅዳር16 - ታሕሳስ29/ ፣ 2)ጾመ ነነዌ 3)ጾመ እግዚእ ፣ 4)ጾመ ሐዋርያት /ሰነ-ሐምለ 5/ ፣ 5)ጾመ ማርያም /ፍልሰታ/ ፣ 6)ጾመ ድኅነት /ረቡዕን ዓርብን/ ፣ 7)ጾመ ገሀድ (ናይ ልደትን ጥምቀትን ዋዜማ)

3.ፍልሰታ ማለት "ፈለሰ" ካብ ዝብል ናይ ግዕዝ ዝመፀ እንትኸውን ዞረ፣ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካሊእ ኸደ ማላት እዩ! እዚ ድማ ናይ እምበይትና ማርያም ስጋ ካብ ዝተቀበረትሉ ገነት ናብ ምድሪ መፂኡ ዝተቀበረሉ እዋን፣ ካብ ምድሪ እውን ንሰማያት ምዕራጉ ንምዝካር እዩ።

4.ቤ.ክ ጾመ ፍልሰታ ለይቲ ካብ 7 ሰዓት ናይ ለይቲ ጀሚሩ ጸሎተ ሰዓታት እናተዜመ እናተጸለየ ይሓድር። ንጉሆ ጸሎተ ኪዳን ይበፅሕ። ብድሕሪኡ ድማ ውዳሴ ማርያምን ቅዳሴ ማርያምን "አንድምታ" ንምዕመናን ይትርጎም። ካብ ቀትሪ 6-9 ሰዓት ድማ "ጸሎተ ቅዳሴ" ይቅደስ። ምሸት ድማ ካብ 11 ሰዓት ጀሚሩ ናይ ሰርኪ ጉባኤ ይበፅሕ። ሙሉእ መዓልቲ እግዚአብሔር ዝሕሰበሉ፣ ምስ እምበይትና እንውዕለሉ ጥዑም ቅነ‼️

5.ጾመ ፍልሰታ፦ ሐዋርያት ዝጾምዎ ጾም እዩ። እምበይትና ማርያም ጥሪ 21 ዓሪፋ ስጋኣ ናብ ገነት ተነጢቁ ኣብ እግሪ ዕፀ ሕይወት ብዮሐንስ ተቀቢራ ነይራ። ሐዋርያት ግና "ዮሐንስ ከምዝቀበረኪ ንሕና እውን ክንቀብረኪ" ኢሎም ካብ ነሐሰ 1-14 ሱባኤ ኣተዉ! ነሐሰ 14 ስጋኣ ካብ ሰማይ ተውሃቦም! ኣብ ጌቴሴማኒ ድማ ቀበርዋ! ኣዴና ከም ወዳ ኣብ 3ይ መዓልቲ ነሐሰ 16 ብሓይሊ ጎይታ ተሲኣ ዓረገት! ኽብሪ ይኹና ኣዴና‼️

6.ንቐብራ ንምብፃሕ ብደመና ሰማይ ተፅዒኑ እንትመፅእ ንሐዋርያ ቶማስ ተገለፀትሉ። "ኣብ ወድኺ ትንሳኤ ዘይነበርኹ ኣብ ናይኺ እውን ዘይተዓደልኹ" ኢሉ ብሓዘን ካብ ደመንኡ ክወድቅ ደለየ። "ሐዋርያት ዘይረአይዎ ዕረገት ሪኢኻ'ለኻ። ንምስክር ክኾነካ መግነዘይ እንካ" በለቶ።

7.ቶማስ ዝረኣዮን ዝተውሃቦን ንሓዋርያት ነገሮም! ነቲ መግነዛ እውን ንበረኸት ተኻፊልዎ! ካህናት ኣቦታትና ነዚ ምኽንያት ኣብ መስቀሎም ጨርቂ ይኣስሩ!

8.ሐዋርያት ድማ "ዕርገትኺ ንቶማስ ከምዝገለፅኪ ንዓና ግለፅልና" ብምባል ንኻልኣይ ጊዜ ብተመሳሳይ ወርሒ ካብ ነሐሰ 1-14 ሱባኤ ኣተዉ! ጎይታ ድማ ስጋኣ ከም ታቦት ገይሩ፣ ከም ካህን ቀዲሱ አቁረቦም! እንሆ ስጋኣ እንትዓርግ ድማ ረኣዩ!

9.ጾመ ፍልሰታ ብናይ እምበይትና ማርያም ትንሳኤን ዕርገትን ዝዛዘም ጾም እንትኸውን ካብ ኢትዮጵያ ብተወሳኺ፣ ኣብ ኲለን ኦርቶዶክሳውያት ኣብያተ ክርስቲያናት፣ ብምብራቅ ኦርቶዶክስ ይኹን ብካቶሊካውያን ቤ.ክ ዝኽበር ዓብይ ጾም እዩ!

10.ብዙሓት ምዕመናን ንጾመ ፍልሰታ ብዝተፈላለየ መንፈሳዊ መልክዑ የኽብርዎ! ብዙሓት ነዚ ጾም ኣብ ገዳማት ሱባኤ ብምእታው የሕልፍዎ! ገሊኦም ምስ ካህናት ለይትን ቀትርን ኣብ ቤ.ክ ብጸሎትን ምስጋናን ይቅንዩ! ዘይተዓደልና ድማ ብሽም ኣሸንዳ ብደርፍን ጓይላን፣ ብሓጢአትን ስኽራንን ነሕልፎ ንኸውን! ምሕረቱ ይሃበና‼️
📌 እዚ ጽሑፍ እንተጠቒሙኩም ግበሩዎ
©Binyam ZeChristos ሓምለ 28 - 2015

‼️  ‼️1⃣  :- ሓደ ሓደ "ምሁራን" አሸንዳ ሃይማኖታዊ ኣይኮነን ንምባል ካብ ዘቕርብዎም ነጥብታት  ከም መርትዖ የቕርቡ:: ግን አሸንዳ፣ ማርያ፣ ዓይኒዋሪ፣ ሶለል፣ ሻደይ ... ዝብል ስ...
04/08/2023

‼️ ‼️
1⃣ :- ሓደ ሓደ "ምሁራን" አሸንዳ ሃይማኖታዊ ኣይኮነን ንምባል ካብ ዘቕርብዎም ነጥብታት ከም መርትዖ የቕርቡ:: ግን አሸንዳ፣ ማርያ፣ ዓይኒዋሪ፣ ሶለል፣ ሻደይ ... ዝብል ስም ምህላዉ ንኣሸንዳ ባህላዊ ይገብሮ ዶ? ኣይገብሮን! ንኣብነት ኣብ ትግራይ ደብረታቦር ዝበሃል በዓል፤ ኣብ ኣምሓራ "ቡሄ" ስለዝበልዎ ነቲ በዓል ባህላዊ ይገብሮ ዶ? ኣይገብሮን! እኳ ድኣስ #ማርያ (ማርያም)፣ #ዓይኒዋሪ ዝብሉ አስማት ምስ እምበይትና ማርያም እናተራኸበ ንቲ በዓል ዝበለፀ ሃይማኖታዊ ምኳኑ ዝገልፅ ደኣምበር::

2⃣ :- ካልኦት ድማ ነቲ በዓል ሃይማኖታዊ ከምዘይኮነ ንምርዳእ ይጥቀሙሉ:: ነገር ግን ናይ ሓደ በዓል ኣከባብራ መዓልቲ ምፍልላዩ፣ ኣብቲ ሕዝቢ ዝተውሃቦ ኽብርን ምውርራስን እዩ ዘረድእ:: ንኣብነት በዓል መስቀል፣ ኣብ አምሓራ መስከረም 16 ምኽባሮም፣ ኣብ ትግራይ ብበዝሒ መስከረም 17 ምኽባርና፣ ኣብ ጉራጌ ድማ ካብ መስከረም 12-24 ን2 ሰሙን ምኽባሮም ንበዓል መስቀል "ሃይማኖታዊ ኣይኮነን" የብሎዶ? ኣየብሎን! ልክዕ ከምኡ ብቤ/ክ ደረጃ በዓል አሸንዳ ዝጅምረሉ መዓልቲ (ነሓሰ 16) እምበር ዝውደአሉ አይተቐመጠን:: ኹሉ ከምፈቓዱን ክንዲ ዝኽእሎን ከኽብሮ ስለዝኽእል እዩ::

3⃣ :- ዝተወሰኑ አካላት ድማ ኢሎም ይሓቱ:: ብሱሩ ግን ኣባና ዘሎ ነገር እንድሕር ኣብ ካልኦት ዘየለስ ባህላዊ እዩ ማለት ድዩ? ኢትዮጵያኮ ኣብ ብሉይ ካብ እስራኤል ቐጺላ፣ ኣብ ሐዲስ ድማ ቕድሚ ኹሉ ክርስትና ዝተቐበለት ቐዳመይቲ ሀገር እያ:: ስለዚ ድማ ንኻልኦት ዘይተውሃቡ ጸጋታት አለውዋ! ንኣብነት ናይ ቅዱስ ያሬድ ሰማያዊ ዝማሬታት (ድጓ፣ ጾመ ድጓ፣ ዝማሬ፣ መዋስዕት፣ ምዕራፍ) ኣብ ግብፂ፣ ሶርያ፣ ሕንድን ኣርመንን የለን! ጸሎተ ሰዓታት፣ ኪዳንን ማኅሌትን እውን ከምኡ:: እሞ ኣብ ካልኦት ስለዘየለዉስ እዞም ጸሎታት "ሃይማኖታዊ ኣይኮኑን" ክንብሎም ማለት ድዩ? ሃመቢልና?! ኣብ ውሽጢ ሀገርና እውን እንተኾነ፣ ንኣብነት ኣብ ሓምለ 5 "ሓርያ" እናበልና ጭጉራፍ ምስራሕና፣ ኣብ ሕማማት ድማ አዋልድ "ሸውላሎ" ምጽዋተን፣ ኣብ ትግራይን ኣምሓራን ጥራይ እውን መስቀል ዘለዎ ጥልፊ ምግባርናን፣ እዚ ንሓርያን ንሸውላሎን "ባህላዊ" የብሎም ዶ? ኣየብሎምን! ከምኡ እውን ኣሸንዳ ኣብ ትግራይን ኣምሓራን ምህላዉ ዝበለጸ ነቲ ትውፊት ንሕና ምዕቃብና ደኣ የረድእ እምበር ባህላዊ እዩ ዘበል ነጥቢ የብሉን::

4⃣ :- ገሊኦም ድማ ይብሉ:: እዚ ሕቶ ኳ ናይ ቤ/ክ ታሪኽ ካብ ዘይምፍላጥ ዝመጸ ይመስል:: ኦርቶዶክስ ቤ/ክ ናይ 40 ዓመታት ናይ ዮዲት ጥፍኣት ኽኢላ፣ ናይ 15 ዓመታት ናይ ግራኝ ኣሕመድ ማሕረድቲ ተፀሚማ፣ ናይ ሱስንዮስ ክሕደት ተሸኪማ፣ ናይ ድርቡሽን ጣልያንን ወራር ተፃዊራ፣ ናይ ደርጊ ዓምፃፅነት ሸጊራ ክሳብ ሐዚ ዝጸንሐት እኳ እንተኾነ ገለገለ ዝጠፍኡዋ ኾኑ ዝተረስዑ እሴታታ ከምዘለዉ ግን ፍሉጥ እዩ:: ኣብ መስቀልን ጥምቀትን ወለድና ዝምህሮም ስለዝሰኣኑ ዶ ኣይኮነን ንታቦት ብተልሂትን ብሁራ ሰለስተን ዘኽብሩ ዝነበሩ? ብመዝሙር ምኽባር ዝተጀመረ እውን አብያተ

✝   ✝ስሞም ፍሬምናጦስ እዩ! ግሪካዊ ኮይኖም ኣቦኦም ሜሮጵዮስ (መረጵዮን) ፍሉጥ ነጋዳይ ኮይኑ ኣብ ከባቢ 303 ዓ.ም ብሥራሕ ንግዲ ናብ ከባቢና ምስ ክልተ ደቁ (ፍሬምናጦስን ኤዴስዮስን)...
02/08/2023

✝ ✝
ስሞም ፍሬምናጦስ እዩ! ግሪካዊ ኮይኖም ኣቦኦም ሜሮጵዮስ (መረጵዮን) ፍሉጥ ነጋዳይ ኮይኑ ኣብ ከባቢ 303 ዓ.ም ብሥራሕ ንግዲ ናብ ከባቢና ምስ ክልተ ደቁ (ፍሬምናጦስን ኤዴስዮስን) ብመርከብ ኣቢሉ ኣብ ዝተንቀሳቐሰሉ ኣብ ወደብ ኣዱሊስ የብፅሑሉም'ሞ ይመውት። ነቶም 2 ደቁ ግና ሓለፍቲ መንገዲ ኣርኪቦም ብምድሓን ናብ ንጉሠ አክሱም #አልዓሜዳ (ታዜር) 1ይ ወሰድዎም። እንበረም ካብ ዝበሃል ሊቀ ካህናት፣ ኦሪት ንባብን መጻሕፍትን ይመሃሩ ምስ ዝነበሩ ክልተ ደቂ ንጉሥ (ኢዛናን ሲዛናን) ገዲፉዎም ሞተ። ኣዴኦም #አሕየዋ (ሶፍያ) ድማ ደቃ ክሳብ ዝዓብዩ፣ #ንኤደስዮስ ናይ ኣዛዝነትን ሓላፊ ምስላፍን ሥራሕ፣ #ንፍሬምናጦስ ኸኣ ሓላፊ ቤተ መጻሕፍትን መምህር ደቃን ገበረቶ። ፍሬመናጦስ ግና ብርሃን ወንጌል ዝተረደኦ ስለዝነበረ፣ ነቶም ካህናተ ኦሪት በብቝሩብ ብርሃነ ወንጌል የብርሃሎም ነበረ። ዋላኳ ብትምህርቱ ኵሎም ሕጉሳት ተነበሩ፤ ጥምቀት፣ ቍርባንን ክህነትን ስለዘይነበሮም ግና ሓጐሶም ምሉእነት ኣይነበሮን‼️

✅ ድሕሪ ዝተወሰነ ዓመታት ግና ኢዛና ዘውዲ ኣቡኡ ምስ ደፈአ፤ #ኤዴስዮስ ናብ ሃገሩ ጢሮስ ተመልሰ። ፍሬምናጦስ ግና ናይ ክርስትና ጥምቀትን ቁርባንን ከምኡ 'ውን ክህነት ዝህብ ጳጳስ ካብ ግብፂ ንክለኣኸ ናብ እስክንድርያ ተላእኸ። ኣብ ግብፂ ሊቀጳጳስ ዝነበረ ድማ፣ "ካባኻ ንላዕሊ ቋንቊኦምን ባህሎምን ዝፈለጥ ስለዘየለ ንስኻ ጳጳስ ክትኾኖም ይግባእ" ኢሉ ንፍሬመናጦስ 5 ዓመት ኣምሂሩን ስልጣነ ክህነት ሂቡን ኢሉ ሸይሙ ለኣኾ! ሕዝቢ ኢትዮጵያ (ኣኽሱም) ድማ ብዓብይ ደስታን ሓጎስን ምስ ተቀበልዎ "አባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን" ኢሎም ስም አውፅእሉ! ብርሃን ዝኾነ ወንጌል ዘብርህ፣ ሰላማዊ አቦ ንምባል እዩ‼️ ድሕሪ ቁሩብ ጊዜ ድማ ንኢዛናን ሳይዛናን ብምምሃርን ንክጥመቁ ብምግባርን አብርሃ ወ አጽብሐ ኢሉ ስም ሃቦም! ብድሕሪኡ ካብ ትግራይ ሓሊፎም ማእኸል ሸዋን ክሳብ ደቡብ ኢትዮጵያን ብምኻድ አምሂሮምን ሰቢኾምን እዮም! (ኣብ ሸዋ ኣብ ጥቃ ደብረ ሊባኖስ ገዳም ዘሎ #ዘጋመል ቤ/ክ ንሶም ከምዝሰርሕዎ ይንገር።)

✅ አቡነ ሰላማ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ትምህርተ ሃይማኖት ብምስትምሃር፣ ስብከተ ወንጌል ብምስፍሕፋሕ፣ ካህናትን ዲያቆናት ብምሻም፣ አብያተ ክርስቲያናት ብምህናፅ፣ ምንኲስና ብምስፍሕፋሕ፣ መጻሕፍቲ ናብ ግዕዝ ብምትርጓም፣ ኣበ ነፍስን ኣበ ልገን ብምጅማር፣ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ ንወንጌል ዝጓየ ዝበሃል ማሕበር ብምምስራትን ቋንቋ ግዕዝ ንክዓቢ ብምግባርን ዓብዪ ግደ ዝነበሮም ቅዱስ ኣቦ እዮም‼️ 26 ሓምለ ዕረፍቶም ኣብ ኦርቶዶክስ ቤ.ክ እንትኽበር፣ #ብሮማውያን 27 ጥቅምቲ፣ #ብግሪኻውያን ድማ 30 ሕዳር በዓሎም የኽብሩሎምን ይዝክርዎምን እዮም‼️ ብዋናነት ኣብ ተምቤን ኣብ ዘሎ ዝዓረፉሉ ገዳሞ፣ ኣብ መቐለ ደብረ ሰላም ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ኬልኦት እውን በዓለ ዕረፍቶም ፅባሕ ሓምለ 26 ብድሙቅ መልክዑ ክኽበር እዩ‼️በረኸቶም ይሓልወና‼️
©Binyam ZeChristos ሓምለ 25 - 2015

‼️   ‼️ድሕሪ ወርሒ ናይ እምበይትና ማርያም ናይ ትንሳኤኣን ዕርገታን በዓል እዩ።  ! ብልምዲ ድማ ማርያ፣ ዓይኒዋሪ፣ አሸንዳ! እዚ በዓል ፍፁም መንፈሳዊን ሃይማኖታውን ስለዝኾነ፣ ግን ድ...
27/07/2023

‼️ ‼️
ድሕሪ ወርሒ ናይ እምበይትና ማርያም ናይ ትንሳኤኣን ዕርገታን በዓል እዩ። ! ብልምዲ ድማ ማርያ፣ ዓይኒዋሪ፣ አሸንዳ! እዚ በዓል ፍፁም መንፈሳዊን ሃይማኖታውን ስለዝኾነ፣ ግን ድማ ንብዙሕ ጊዜ ብስም ባህልን ልማድን ተታሑዙ፣ ኣከባብርኡ ብድርፍን ጓይላን ኾይኑ፣ ናብ ኮንሰርትነት ተለዊጡ፣ ናይ ስኽራንን ዝሙትን ዕለት ኾይኑ ይርከብ። ነዚ በዓለ ዕርገት ኣዴና ድማ ናብቲ ዝነበሮ መንፈሳዊ ኽብሪ ንኽንምልሶ ብዝማሬ ንክነኽብሮን ሓላፍነቱ ኣባና፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣዋልድ ደቂ እመብርሃን እዩ ዘሎ። ስለዚ እንታይ ንግበር?

📌 ኣብ መላእ ትግራይ (ብፍላይ ኣብ መቐለ) ዘለኽን ተምሃሮ ኣብያተ ሰንበትን ካልኦት መንፈሳውያን ኣሓትን ካብ ፅባሕ ጀሚርኽን ነዚ ሓሳብ ኣብ ማእኸልኽን ብምንግጋር፣ ንእመብርሃን ንምዝማር ተዳለዋ።

📌 በቢደብርኽን ተወዲብኽን፣ ምስ ወረዳን ምስ ዞባን ሕብረት ቤት ት/ሰንበት ብቃልን ብደብዳቤን ብምንግጋር ኣብ ካልኦት ኣብያተ ት/ሰንበት ምስ ዘለዋ ኣዋልድ ብምሕባር ተወደባ። ኣብ ሓደ ኦርቶዶክሳዊ ዕላማ ዕመማ!

📌 ኣብቲ መዓልቲ ዝዝመሩ መዝሙራት ተመሪፆም ተፃሒፎም ይዳለው። ናብ ካልኦት ኣድባራት እውን ብወረቐት ተላኢኾም ብኹልኽን ይፈለጡ፣ ይፀንዑ። ኣብ በዓለ ዕርገታ (አሸንዳ) ዝግበሩ መንፈሳዊ ትርጉም ዘለዎም ኣልባሳትን (ጥልፊ)፣ ቖፅሊ አሸንዳን ንከዳልዋ ንኹለን ኣፍልጦ ምሃብ።

📌 እንተተኻኢሉ ቕድሚ እቲ በዓል ኣቐዲምኻ ብዛዕባ በዓል አሸንዳ መንፈሳዊነትን ንዝለዓሉ ናይ ተቓውሞ ሕቶታት ድማ መልስታቶም ከም ስልጠና/ትምህርቲ ንክወሃበን ምግባር። ብተወሳሳሲ ድማ ኣብቲ በዓል ንኽንደይ መዓልትታት ብዝማሬ ከምተኽብራ፣ ክንደይ ሰዓት ከምዝጅመር፣ ኣበይ ከምዝጅመር፣ በየናይ መንገዲ እናዘመራ ከምዝኸዳን ኣበይ ከምዝጠናቐቕን ይዛተያ።

📌ናይ መቐለ ኣባላት ኣብያተ ት/ሰንበት ኣብ 2011 ዓ/ም አሸንዳ ብዝማሬ ብምኽባር ዝሀበርኦ ተኣምራዊን መንፈሳውን አከባብራ ክድገም ይግባእ‼️


©Binyam ZeChristos ሓምለ 20 - 2016

✝ « ....   .... » ✝1⃣  :- እግዚአብሔር ኣምላኽ ፍጥረታት እንትፈጥር ካብ እሁድ ሰንበት ጀሚሩ ክሳብ ዓርቢ ኣብ ዘለዋ 6 መዓልቲታት 22 ፍጥረታት ብምፍጣር ዕለተ ቀዳም (ቀዳሚት...
25/07/2023

✝ « .... .... » ✝
1⃣ :- እግዚአብሔር ኣምላኽ ፍጥረታት እንትፈጥር ካብ እሁድ ሰንበት ጀሚሩ ክሳብ ዓርቢ ኣብ ዘለዋ 6 መዓልቲታት 22 ፍጥረታት ብምፍጣር ዕለተ ቀዳም (ቀዳሚት ሰንበት) አዕረፈ። መላእኽቲ ዝተፈጠሩ ኣብታ ናይ መጀመርያ ናይ ፍጥረት መዓልቲ ዝኾነት ኣብ ዕለተ ሰንበት እንትኸውን፣ ንሰማይን ምድርን ምስ ፈጠረ ጸኒሑ ንመላእኽቲ ዝፈጠረሉ ምኽንያት እውን ሊቃውንቲ እንተብራህርሁ ይብሉ:: (አክሲማሮስ ገጽ 24)
📌ዘፍ1:1:- "እግዚአብሔር ብመጀመርታ ሰማይን ምድር ፈጠረ:: ምድሪ ድማ በረኻን ጥራያን ነበረት"
📌ዘጸ 20:11:- "እግዚአብሔር ብሽዱሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣታቶም ዘሎ ኹሉን ገይሩ እዩሞ ብሻብዐይቲ መዓልቲ ከኣ ኣዕረፈ"
📌መዝ 33:6:- "ሰማያት ብቃል እግዚአብሔር ሰራዊቶም እውን በእስትንፋስ ኣፉ ተገብሩ"

2⃣ :- እግዚአብሔር ንመላእክቲ ዝፈጠረሉ ምኽንያት ስሙ ንክጽውዑን መንግስቱ ንኽወርሱን፣ ከምኡ እውን ንዓና ንደቂ ኣዳም ናብቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ንክራድኡን ንክሕግዙን እዩ:: እዚ ድማ ንዕኡ ንክጠቕምዎን ዝውስኹሉ ነገር ስለዘሎን እንተይኮነስ ስሙ ጸዊዖም ንከኸብሩን፣ ንዕኡ ተገዚኦም ምስኡ ንክነብሩን እዩ:: ስለዘድልዮም እምበር ስለዘድልይዎ ኣይፈጠሮምን!
📌ዕብ 1:14:- "ኩላቶም (መላእኽቲ) ንኣገለግሎት እቶም ምድሓን ክወርሱ ዘለዎም፣ ዝለኣኹ መናፍስቲ ኣገልግሎት ዶ ኣይኮኑን?"

3⃣ :- እግዚአብሔር ነቶም 22 ፍጥረቱ ብሰለስተ መንገዲ ዝፈጠሮም እንትኸውን ንሳቶም ድማ #ብኣርምሞ(ብሐልዮ-ብምሕሳብ)፣ #ብነቢብ (ብምንጋር)፣ #ብገቢር (ብስራሕ) እዮም:: መላእኽቲ ልክዕ ከም ምድርን ሰማያትን፣ ቃል እንተየውጽአ ብኃልዮ/ሐሳቡ/ ጥራይ ዝፈጠሮም ፍጡራን እዮም:: ሊቃውንቲ ነዚ እንትገልፁ «እምኃበ አልቦ ኀበ ቦ ፣ እምኃበ ኢምንት ኃበ ምንት - ካብ ምንም ነገር ናብ ሓደ ነገር» ይብሉ። ካልኦት ዝተረፉ ፍጥረታት ድማ ብነቢብ (ብቃሉ) ዝተፈጠሩ እንትኾኑ፣ ብገቢር ዝተፈጠረ ብሕታዊ ፍጥረት ድማ አዳም እዩ::

4⃣ :- መላእኽቲ ልክዕ ከም ሰማይን ምድርን ካብ ምንም (እም ኀበ አልቦ) ዝተፈጠሩ እዮም:: ናይ መላእኽቲ ባሕርይ ግና ልክዕ ከም ነፋሳት ፈጣናትን ረቂቓትን ስለዝኾኑ፣ ከም ሓዊ ድማ ሓየልትን ከምዝኾኑ ንምግላፅ ኣብ መጽሓፍቲ ነፋሳትን ሓውታትን ከምዝኾኑ ተጠቒሶም እዮም::
📌መዝ 104:4:- "ልኡኻትካ ነፋሳት፣ ኣገልገልትኻ እውን ሃልሃልታ ሓዊ ገበርካዮም"
📌3ይ መቃቢያን 2:10:- "ረቂቕ እትኸውን ካብ ነፋስን ሓውን ዝተፈጠርካ ንስኻ ብምባል ትዓቢካ"
✅ነዚ ቃል ሊቃንውቲ እንትትርጉምዎ ድማ «እመሰ ተፈጥሩ እምነፋስ ወነድ እሞቱ ወእማሰኑ ከማነ - ካብ ነፋስን ሓውን ምተፈጠሩስ ከማና ምሞቱን ምበስበሱን» ይብሉና:: (አክሲማሮስ)

5⃣ :- መላእኽቲ ዋላኳ አካል ዘለዎም እንተኾነ ኣካሎም ግና ከም ካልኦት ፍጥረታት እንተይኮነስ ረቂቕ፣ ብዓይኒ ዘይረአን ብኢድ እውን ዘይድህሰስን አካል እዩ:: ስለዝኾነ ድማ መላእኽቲ ኣይደኽሙን፣ ኣይጠምዩን ኣይፀምኡን፣ ኣይሓሙን፣ ኣይልወጡን፣ ኣይኣርጉን፣ ኣይሞቱን::

✅ #ክንፉ:- መላእኽቲ ዋላኳ ረቀቕቲ እንተኾኑ፣ ኣክናፍ ዘለዎም ከምዝኾኑ መጽሐፍ ቅዱስ ይነግረና:: እዚ ክንፊ ግና ከም ናይ ደርሆን ኣዕዋፍን ዝበለ ኽንቲት ዘለዎ እንተይኮነስ ረቂቕ ዝኾነ መንፈሳዊ ክንፊ እዩ::
📌ኢሳ 6:2 :- "ሱራፌል ቆይሞም ነበሩ:: ነፍሲ ወከፎም ሽዱሽተ ክንፊ አለዎ:: በቲ ኽልተ ንገጹ ይኸድኖ፣ በቲ ኽልተ ድማ ንኣእጋሩ ይኸድኖ፣ በቲ ኽልተ እውን ይነፍር ነበረ"
📌ሕዝ 10:5:- "ድምፂ ኣክናፍ ኪርቤል ድማ ከም ድምፂ እቲ ኹሉ ዝኽእል ኣምላኽ ክዛረብ ከሎ ኾይኑ ክሳብ እቲ ግዳማዊ ዓጸድ ተሰምዐ::"

6⃣ :- እግዚአብሄር ንመላእኽቲ እንትፈጥሮም ብናትና ዓቕሚ ክቑፀሩ ዘይኽእሉ ብዙሓት ገይሩ እዩ ፈጢርዎም:: ብ100 ነገድ ዝፈጠሮም እንትኾን፣ ነዞም ነገዳት ድማ ኣብ 10 ማዕረጋት ኸፊሉ ኣብ 3 ዓለማት ኣቐመጦም። ሊቃውንት ቤ/ክ እውን ነዚ ንምርዳእ ሓደ ምሳሌ የቕርቡ:: «መላእኽቲ ቑፅሮም ዓለም ካብ ትፍጠር ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ ካብ ዝዘነበ ጠብታ ዝናብ ቑፅሪ ኣዝዩ ዝበዝሕ እዩ» ይብሉ:: መጽሐፍ ቅዱስ እውን ነዚ ዘይቑፀር በዝሖም "ሽሕ ጊዜ ሽሕ" እናበለ ይገልፆ::
📌ዳን 7:10:- "ሽሕ ጊዜ ሽሕ የገልግልዎ፣ እልፊ ጊዜ እልፊ ድማ አብ ቕድሚኡ ቖይሞም ነበሩ"
📌ራእይ 5:11 "ድምፂ ብዙሓት መላእኽቲ ሰማዕኹ::ቑፅሮም ድማ ኣእላፍ ጊዜ ኣእላፍ፣ ኣሽሓት ጊዜ ኣሽሓትዩ"

7⃣ :- ቅዱስ ገብርኤል ካብቶም 10 ማዕርጋት ናይቶም #አርባብ ዝበሃሉ ሓለቓ እንትኸውን፣ ኣብታ 2ይቲ ዓለም ኣብ #ራማ ዝነብር ቅዱስ መልአክ እዩ።
📌ጠቓሚ ፅሑፍ እንተኾይኑ Share ግበሩዎ
©BinyamZeChristos ሓምለ 19 - 2015

‼️  ?‼️P-2ኣብ ዝሓለፈ ክፋል፣ ጾታዊ-ዕርክነት ዝጅመር ንሓዳር ንምድላው ከምዝኾነ ገሊፅና ነይርና። "ቕድሚ ሓዳር፣ ፍቕሪ እንተሒዙኒ ኸ?" ዝብል ሕቶ ድማ ሐዚ ክንሪኦ።2⃣  :- ገለ ገ...
25/07/2023

‼️ ?‼️P-2
ኣብ ዝሓለፈ ክፋል፣ ጾታዊ-ዕርክነት ዝጅመር ንሓዳር ንምድላው ከምዝኾነ ገሊፅና ነይርና። "ቕድሚ ሓዳር፣ ፍቕሪ እንተሒዙኒ ኸ?" ዝብል ሕቶ ድማ ሐዚ ክንሪኦ።
2⃣ :- ገለ ገለ ድማ «ስለ ሓዳር ቅድሚ ምሕሳበይ ፍቕሪ እንተሒዙኒኸ? Relationship ክጅምር የብለይን ማለት ድዩ?» ይብሉ። ብመሠረቱ ሰብ ኣብ ህይወቱ ሚእቲ ጊዜ ፍቕሪ ክሕዞ ይኽእል እዩ፣ ፍቕሪ ስለዝተሰምዖ ግን ዕርክነት-ፍቕሪ ክጅምር ይግቦኦ ማለት ኣይኾነይ። ገለገሌና ድማ ብሱረ ታይ እዩ ዝተሰመዐና? ናይ ናማን ፍቕሪ ድዩ? ዝብል ኣይንምልሶይ። ስለዚ ፍቕሪ ተሰሚዑካ ማለት ዕርክነት-ፍቕሪ ክትጅምር ኣለካ ማለት ስለዘይኾነ፣ ናብ ዝሙትን ካልኦት ፀገማትን ዝመርሕ ከይኸውን ክንጥንቀቕ ይግባእ። ነዚ እዩ ድማ ዕድመ ምስበሰለ ክግበር ይግባእ እንብሎ። ግን ንምንታይ?

አዋልድን አወዳትን ካብ ዘለና ኣፈላላይ እቲ ሓደ፤ ኣወዳት እንትዓብዩ ዝበለፀ አካላዊ ጥንካረን ብቕዓትን እናሓዙ እንትኸዱ፣ ኣዋልድ ድማ ሥነ-ልቦናዊን አዕምሮአዊን ብስለት እናሓዛ ይኸዳ። እዚ ድማ ኣብ ህይወት-ፍቕሪ ዓብዪ እጃም እንትህልዎ፣ እዚ ብዘይምምዝዛን ብተመሳሳሊ ዕድመ፣ እሞ ድማ ብዕድመ እንተይበሰሉ ኾይኖም ዝጀመሩዎ ዕርክነት ብዙሕ ዋጋ እንተኽፍሎም ንርኢ ኢና። አዳም እንፍጠር ወዲ 30 ዓመት፣ ሔዋን ድማ ጓል 15 ዓመት ምንባሮም፣ አብርሃም እውን ንሣራ ብ10 ዓመት ይዓብያ ምንባሩ (ዘፍ 17:17)፣ ኣብ ሓዳር ናይ ዕድመ ኣፈላላይ ክህሉ ዝሐሸ ምዃኑ የረድእ።

ከም ሕጊ ዝተቐመጠ ናይ ዕድመ ኣፈላላይ ዋላኳ ኣይሃሉ፣ ነገር ግን ብዝተወሰነ ዕድመ (ካብ 5-10 ዓመት ዝብሉ ኣለው) እቲ ወዲ ነታ ጓል ክዓብያ ከምዝግባእ ይፍለጥ። ብዓይኒ ሕክምና ጓል ኣነስተይቲ ካብ 20-25 ዘሎ ዕድመኣ ሓዳር ምግባር ኣዝዩ ምችው እንትኾን፣ ወዲ ግን ብ20 ዓመቱ ብዛዕባ ‹ብዪ ፀዋታ›፣ «ሕልኮ ቕልስ›ን ካልኦትን እምበር ስለ ሓዳር ክሓብ ኣይኽእልይ። ንዕኡ እዩ ድማ ወዲ ተባዕታይ ካብ 27-35 ኣብ ዘሎ ዕድመ ሓዳር ንክገብር ዝምከር።

ተመሳሳሊ ዕድመ ኾይኖም ዕርክነት-ፍቕሪ ዝጅምሩ ሰባት፣ እናፀንሑ እንትኸዱ ንሳ ብአዕምሮ ቐዲማ እናበሰለት ስለትኸይድ፣ እቲ ዓርካ ከም ህፃን እናኾና፣ ቆልዓ ተዕቢ ዘላ እናመሰላ ይኸይድ። ንሱ እውን ዓርኩ እንተይኾነስ ኣዲኡ፣ ዓባይ ሓፍቱን እናመሰለቶ ስለትኸይድ እቲ ርክብ ጥዕና ዘይብሉ (Toxic Relationship) እናኾነ ይኸይድ። ስለዚ ሰብ ጾታዊ-ዕርክነት ንምጅማር ኣብ ዝተዳለወ ሥነ-ልቦና፣ ኣብ ዝበሰለ ዕድመ ክኸውን ይግባእ።
©Binyam ZeChristos ሓምለ 17 - 2015

‼️  ?‼️ሓዳር ቕድሚ ምግባርኻ ክልቲአኻ ክትፋለጥን ክተወሃሃድን ስለዝግባእ፣ ከም አስተምህሮ ቤ/ክ ጾታዊ ዕርክነት (Relationship) ኣድላዪ እዩ። እዚ ጾታዊ ዕርክነት ድማ «ዘመነ ሕ...
23/07/2023

‼️ ?‼️
ሓዳር ቕድሚ ምግባርኻ ክልቲአኻ ክትፋለጥን ክተወሃሃድን ስለዝግባእ፣ ከም አስተምህሮ ቤ/ክ ጾታዊ ዕርክነት (Relationship) ኣድላዪ እዩ። እዚ ጾታዊ ዕርክነት ድማ «ዘመነ ሕፀ» ኢላ ትፅውዖ። ሕፀ ማለት ንዓኻ እትኾነኻ/ዝኾነኪ እትመርፀሉን ንሓዳር እትዳለወሉን ጊዜ እዩ። "ክልቲኦም ተፈቓቒዶም ክመራዓዉ ይግባእ" ስለዝብል (ፍትሕ መንፈሳዊ አን 24) ኩሉ ሻብ ዘይተርፍ ሕቶ ግን ኣሎ። «መዓዘ እየ Boy Friend/Girl Friend ክሕዝ ዘለኒ? መዓዘ እየ ጾታዊ-ዕርክነት /RelationShip/ ዝጅምር ዝግባእ?» ዝብል!

1⃣ :- ከም ትምህርቲ ቤ/ክ፣ ሕፀ (ጾታዊ-ዕርክነት) ዘድሊ እዩ። ሓዳር ንምግባር ዕላማን ሓሳብን ዘይብሉ ዕርክነት ክጅምር ኣይግባእን። ሉላዊነት (Globalization) ካብ ዘስዐቦም ፀገማት ግና እቲ ሓደ ‹ትሕቲ ዕድመ ዝጅመር ጾታዊ-ዕርክነት› ምልምማድ እዩ። ስለ ሓዳር ኾነ ስለ ፍቕሪ ምንም ኣፍልጦ ዘይብሎም ቆልዑ ዕርክነት ንክጅምሩ፣ እቲ ዕርክነት ድማ ጊዜ መሕለፊ ንክገብሩዎ ዝደፍእ ማሕበረሰብ እናተፈጠረ እዩ ዘሎ። ናይዚ ፀገም ድማ ብስም ስልጣነ (Modernization) ዝግበር ናይ ምዕራባዊነት (Westernisation) ምስፍሕፋሕ ሕማም እዩ። እዚ ድማ መናእሰይ ናብ ዝሙት ሓጢኣትን ድንግልና ናብ ምርካስን ዝወስድ ሰይጣናዊ መንገዲ እዩ። ሐዚማ ሓደ ሰብ ‹ዓርኪ ኣለኒ/ኣላትኒ› እንተይሉስ ‹ድንግል ኣይኮነት ወይ ድማ ሩካቤ (Sexual Intercorse) ይገብሩ እዮም ተባሂሉ ዝውሰደሉ ጊዜ ኢና በፂሕና።

ስለዚ ቅድሚ Relationship ምጅማርኻ ንባዕልኻ/ኺ ሕተት/ቲ። ንምንታይ ኢኻ Relationship ክትሕዝ ደሊኻ/ኺ? ሰብ ስለዝገበሮ? ኣብ ፊልሚ ስለዝረኣኻዮ? ወይስ ኣዕርኽትኻ/ኺ ስለዝደፋፍኡኻ/ኺ? ምስሓዝካ ኸ? ዕርክነትኹም እንተሰሚሩ ኸ ናብ ሓዳር ክትቕፅል ዲኻ ወይስ ዕድመኣ ክተቃፅለላ ኢኻ? ጊዜኡ ክተቃፅልሉ ዲኺ? ነዞም ሕቶታት ምስ መለስኻ ክእቶ ዝግባእ ነገር እዩ። ንሓዳር እንድሕር ዘይትሓስብ ኾይንኻ ደኣ ምስታ ዓርክኻ ታይ ትገብርለኻ? ጊዜ መሕለፊት ዲኻ ትጥቀመላ ዘለኻ? ንስኺኸ ሓዳር ናይ ምግባር ሓሳብ ተዘይብልኺ ብናይ ሰብ ህይወትን ጊዜን ምቕላድ ሓጢኣት ዶ ኣይኮነን?

ብዙሓት ሰባት ብውሽጦም ‹ነዚኣ ዝምርዖ ዓቢደ ድየ? ፣ ምስዙይ ዝነብር ሓሚመ ድየ› እናበሉ ግን ዕርክነቶም ዝቕፅሉ ሰባት ኣለው እዮም። መብዛሕትኦም ‹Single› ምዃን ማለት ከምቲ ‹ደላዪ ከምዘይብልኻ› ወይ ከም ‹ፋራ ምዃን› ገይሮም ስለዝቖፅሩዎ ዓርኪ ክሕዙ ይደልዩ። ስማዕማ ሓወይ! ጥይት ኣልዒሉን አቀባቢሉን ዘነፃፅር ሰብ ክትኩስ ዝደለየ ሰብ ጥራሕ እዩ። ዘይትኩስ ሰብ ኣይተነፃፅርን ኣይቀባብልን፣ ንጨዋታ ተዘይኾይኑ። ልክዕ ከምኡ ጓል ሓሪኻ ዕርክነት-ፍቕሪ ምኽማርኻ ሓዳር ንምግባር ምሕሳብኻ እዩ ዝናገር። ሓዳር ተዘይደሊኺ ንሓዳር ዝኸውን ምቅብባልን ምንፅፃርን ኣየድልየክን። ሓደ ሓደ ሰባት ‹ንሓዳር ዋላ ተዘይሓሰብኹ፣ ፍቕሪ እንተሒዙኒኸ ዕርክነት ምጃማር ይፍቀድ ዶ?› ዝብልዎ ሕቶ ኣብ ቐፃሊ ክምለሶ።
©Binyam ZeChristos ሓምለ 14 - 2015

‼️  ?‼️ሓደ ሻብማ ጨዋታ ንቐይር። ኣብ ሓደ ቤት ት/ሰንበት ናይ ሥነ ጾታ ትምህርቲ ስልጠና እናሃብኹ «ሓደ ወዲ ሕቶ ፍቅረኪ እንተሓቲቱክስ እንታይ ምበልኺ ?» ዝብል ሕቶ እንተቕርብ ሓንቲ...
19/07/2023

‼️ ?‼️
ሓደ ሻብማ ጨዋታ ንቐይር። ኣብ ሓደ ቤት ት/ሰንበት ናይ ሥነ ጾታ ትምህርቲ ስልጠና እናሃብኹ «ሓደ ወዲ ሕቶ ፍቅረኪ እንተሓቲቱክስ እንታይ ምበልኺ ?» ዝብል ሕቶ እንተቕርብ ሓንቲ ሓፍተይ ኢድ ኣውፂኣ «በስመ አብ! ኢለ አማዕቲበ ይኸድ» ዝበለትኒ መልሲ ንብዙሓት ኣስሒቑ ኣነ እውን ነዚ ንክፅሕፍ ምክንያት ኾይኑኒ። ምፍቃር ካብ እግዚአብሔር ዝወሃብ ፀጋ ምኻኑኳ መጽሓፍ እንተተናገረ፣ ንሕና ግና ዘፍቀረ ዝሹቕረረሉ፣ ዝተፈቐረን ዝተጠየቐን ድማ ዝኾርዐሉ ማሕብረሰብ ኢና ዘለና።

ሓደ ወዲ ንዓኺ ዘለዎ ናይ ፍቕሪ ሓሳብ እንተካፍለኪ፣ ኣብ ልቡ ዓብዪ ቦታ ከምዝሃበኪ እንትነግረኪ፣ ንምንታይ እዩ ፀባይኺ ዝቀያየር? ንምንታይ ትኹርዪ? ንስኻኸ "ኣፍቂረካ" ስለዝበለትካ፣ እሞ ድማ ኣፍቂረዮ ምባል ኣብ ዘሕፍረሉ ዓዲ እናነበረት፣ ንኻልእ ሰብ "ጠይቓትኒ እያኮ" እናበልኻ ዝገደደ ንምንታይ ርእሳ ተድንና? ክሓፍር ዝግቦኦ እቲ ፍቕሪ ዘይፈልጥ ደረቕ ልቢ እምበር እቲ ፍቕሪ ዝተሰመዖ ኣይኮነን‼️ ብሱሩ ግን ሕቶ ፍቕሪ እንትቐርበልና ኣብ ዓለም ካብ ዝፈትውና ሰባት 1 ከምዝወሰኽና ይፍለጠና ዶ? ክፁልኡና ካብ ዝኽእሉ ሰባት 1 ሰብ ከምዝቐነስና ይርድአና ዶ ኣሎ? እሞ ደኣ ሕቶ ፍቕሪ ዘቕረበ ክምስገን እምበር ክነዓቕ፣ ክነኣድ እምበር Ignore ክግበር ዶ ይግባእ? ብሰንኪ እዚ ብዙሓት ን‹ንፍቕሪ› ንክፈርሑን ንክፀልኡ፣ ልባቶም ንክስበር፣ «ወዲኮ ኣይእመንይ» ናብ ምባል፣ «ጓልን ኸልብን ብርሑቑ እዩ ፅቡቅ» ንኽብሉ እንግበሮም ንፍቕሪ ብዘለና ግጉይ መልሲ እዩ።

ሓፍተይ ኣብ ልቡ ዙፋን ብፍቕሪ ንዘቕመጠኪ ሰብ ኣቐዲምኺ «ስለዝፈቶኻኒ ብጣዕሚ የቐንየለይ፣ ሰብ ልቡ ብቂምን ብፅልእን ኣብ ዝሓመመሉ ጊዜ ልብኻ ብፍቕሪ ንዓይ ምሃብኻ ናይ እግዚአብሔር ፀጋ እዩም ዕድለኛ ኢኻ፣ ሰብ ንሰብ ኣብ ዝርስዐሉን ኣብ ዝጠልመሉን ጊዜ ኣብ ህይወትኻ ዓብዪ ቦታ ስለዝሃብካኒ ኣዝየ የመስግን።» ኢልኺ ጀምሪ‼️

ንስኻ እውን ብሕቶኣ ተዘይተስማዕሚኻ ብግልፅነትን ብኽብርን ኣረድአያ። « ሓፍተይ ፍቕሪ ብኽልተ ገፅ እምበር ብሓደ ገፅ ኣይኾንን። ይቅርታ ግበርለይ እቲ ዝተሰመዐኪ ነገር ንዓይ ክስምዐኒ ኣይከኣለንሞ ክኾነኺ ኣይኽእልን። ኣነ ናትኪ ኣይኾንኹም ማለት ግና ንዓኺ ዝኾን የለን ማለት ኣይኮነን። እኳ ደኣስ እግዚአብሔር አምላክ ካባይ ዝሐሸ ሰብ ስለዘዳለወልኺ እዩሞ ኣይትሰከፊ። ስለዘኽበርክኒ ግና የቐንየለይ፣ ሰላም ኹኒ።» ኢልኻ ብኽብሪ ምስንባት ይከኣል እዩሞ፣ ንሕቶ ፍቕሪ ብፍቕርን ብኽብርን ምምላስ ንልመድ።
©Binyam Zechristos ሓምለ 12 - 2015

 ?ቅዱሳት ሥዕላት ንክሰኣሉ እግዚአብሔር ንሙሴ ኣቐዲሙ ዝኣዘዞ፣ ንሰሎሞን እውን ኣብ ቤተመቅደስ ንክስእል ዝነገሮ ትእዛዝ እዩ። ሰብ እውን ባዕሉ ናይ እግዚአብሔር መልክዕን አርኣያን ከም ምዃ...
18/07/2023

?
ቅዱሳት ሥዕላት ንክሰኣሉ እግዚአብሔር ንሙሴ ኣቐዲሙ ዝኣዘዞ፣ ንሰሎሞን እውን ኣብ ቤተመቅደስ ንክስእል ዝነገሮ ትእዛዝ እዩ። ሰብ እውን ባዕሉ ናይ እግዚአብሔር መልክዕን አርኣያን ከም ምዃኑ መጠን ተንቀሳቓሲ ሥዕሊ እዩ። ቅዱሳት ሥዕላት ኣብ ኦርቶዶክሳዊ ህይወት ብዙሓት ጥቕምታት እንትህልውዎ፣ ካብኣቶም እቶም ዝተወሰኑ ድማ:-
1⃣ :- ቅዱሳት ሥዕላት ትምህርተ ሃይማኖት፣ ሥርዓርን ትውፊትን ኣብ ምምሃርን ኣብ ምምስካርን ዓብዪ ጥቕሚ እንትህልዎ፣ ዝኾነ ይኹን ቋንቋን ባህልን ዘለዎ ሰብ ክርድኦም ዝኽእል ዓለምለኻዊ (Universal) ስብከታት እዩም - ሥዕላት‼️ንኣብነት ናይ ቅድስት ሥላሴ፣ ናይ ክርስቶስ ስነ ስቅለቱ፣ ናይ እመብርሃን ሥዕላት እንትንርኢ ብሓፂሩ ዓብዪ ዶግማውን ታሪካውን ትምህርቲ ዘረድኡ እዮም::

2⃣ :- ቅዱሳት ሥዕላት ስጋዊ እነተይኮነስ መንፈሳዊ መልክዕ ቅዱሳን ዝገልፁ ስለዝኾኑ፣ ናይ ሰብ ሕሊና ድማ ካብ ንቃላት ንላዕሊ ንሥዕሊ ስለዝግዛእ፣ ኣብ ሥርዓተ ኣምልኮን ጽሎትን ናይ ምዕመናን ሕሊን ዝገዝኡን አእምሮና ንከይብተን ናብ ሰማያዊ ሓሳብ ዝስሕቡን እዮም::
3⃣ :- እግዚአብሔር፣ መላእክቱን ኣብ ገነት ዘለው ቅዱሳንን መናፍስቲ እዮም። ግን ድማ ኣብ መጽሐፍ ቅዱስን ኣዋልድ መጻሕፍትን ብዝተገለፅዎ መልክዕ ገይርና ብምስኣል፣ ንዕኦም ዘለና ፍቕርን ኽብርን ንገልፀሉ እዩ:: ሥዕሊ ስቅለት ክርስቶስ ምርኣይ ውዕለታ ክርስቶስ ኣብ ልብኻ ንክሰኣል ዓብዪ ግደ ስለዘለዎ።

4⃣ :- እግዚአብሔር መንገዱ ብዙሕ፣ ብዝደለዮ መንገዲ ድማ በረኸቱን ተኣምራቱን ዝገብር ሓይል ኣምላኽ ብምዃኑ፣ ንብዙሓት ምዕመናን ኣብ ቅዱሳት ሥእሊ እናሓደረ ሕይወቶም እንትቕይረሎም፣ በረኸቱ እንህቦም፣ እንተዘራርቦምን ተምራቱ እንትገብረሎምን ኣብ ናይ ብዙሓት ቅዱሳን ታሪኽ ዝተጽሓፈ እዩ:: ስለዚ ድማ ብሥእላት ነቲ በዓል ሥእሊ ብምዝካር፣ በረኸት እንቕበለሉ እዩ::📌 ስለዚ ቅዱሳን ሥዕላት እዚኣቶምን ካልኦትን መንፈሳዊ ረብሓታት እንተሃልይዎም፣ ኣብ ገዛና ቅዱሳን ሥዕላት ክንልጥ ይግባእ ዶ⁉️ እንተይልና፣ ዝብል ይኸውን። ግን ድማ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ብኸመይ መንገዲ ነቐምጦም? ዝብል እዩ።

❇️ :- ቅዱሳን ሥእላት ንቅዱሳን ዝውክሉ እዩም'ሞ ካብ ኣተሓሓዛ ጀሚሩ ከይቕደዱን ከይረስሑን ፍሉይ ጥንቃቐ ክግበረሎም ይግባእ። ናይ ባዕልናን ናይ ኣዝማድናን ፎቶ ብኸብሪን ፅሬት ከምነቐምጥ፣ ቅዱሳት ሥዕላት እውን ዝያዳ ብፅሬትን ብኽብርም ክነቐምጦም ይግባእ። ስለዚ እንተኾይኑ ብመስተዋት Frame ኣስሪሕና፣ ተዘይኾይኑ ድማ ብመጋረጃ ንሸፍኖም። ርስሓት ኣብ ዘይረኽቦም ልዕል ዝበለ ቦታ ብምቕማጥ እውን ብንጽሕና ክንሕዞም ይግባእ:: ብዙሓት ሥዕላት ካብ ምንጣፍ ድማ፣ ሓደ ወይ ካተ ሥዕሊ ገይርና ብኽብርን ብንፅህናን ምሓዙ ይነኣድ። ዝኣረጉን ዝተቐዳደዱን ሥእላት ድማ «ንሓዊ ሓዊ ይብለዐዮ» ብዝብል ትውፊት ቅድሳን ኣቦታት፣ ብሓዊ ንክጠፍኡ ይግበር ደኣምበር ኣብ ጎሓፍ ኣይድርበዩን።
©Binyam ZeChristos ሓምለ 11 - 2015

Address

Mekelle

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Binyam ZeChristos's Page posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share

Share on Facebook Share on Twitter Share on LinkedIn
Share on Pinterest Share on Reddit Share via Email
Share on WhatsApp Share on Instagram Share on Telegram