ጥዕና ይሃበለይ

ጥዕና ይሃበለይ Concerned about health issues and shares articles on healthy living. Every one invited to share , like and read. Health for all!

ቖልዑ እኹል ጡብ ምጡባቦም ብኸመይ ንፈልጥዶ/ር ኣቤል ጊደይ1. ምልክታት ምፅጋብ ሓደ ህፃን ልክዕ ድሕሪ እኹል ምጥባው ጡብ ይደፍኦ ፀባ  ክፈስስ ይገብሮ። መብዛሕቲኡ ግዜ ልፀግቡ ብውሑድ እታ...
30/10/2025

ቖልዑ እኹል ጡብ ምጡባቦም ብኸመይ ንፈልጥ

ዶ/ር ኣቤል ጊደይ

1. ምልክታት ምፅጋብ

ሓደ ህፃን ልክዕ ድሕሪ እኹል ምጥባው ጡብ ይደፍኦ ፀባ ክፈስስ ይገብሮ። መብዛሕቲኡ ግዜ ልፀግቡ ብውሑድ እታ ሓንቲ ጡብ ወዲኦም ተጠቢዎም እዮም።

2. ምዝንናይ

ድሕሪ ምጥባቅ ምዝንናይ ወይ ምጭዋት ሓደ ቖልዓ እኹል ልኾነ ጡብ ከም ልጠበወ የርኢ። ኢዱይ እግሩይ ክዝርግሕ ይዓፅፍ ።

3. ምጉሳዕ

እኹል ፀባ ተጠቢው ኣብ ኸስዐ ለሎ ኣየር የውፅኦ።በዚ ድማ ምጉሳዕ ይህሊ።

4. እኹል ሽንቲ

ሓደ ቖልዓ ድሕሪ ምጥባው እኩል ልኮነ መጠንን ተደጋጋሚ ክሸን ንሪኦ። ኣብ መዓልቲ ምንም ዘይምሽናው ናይ ዘይምጥባው/ ጥምየት ምልክት እዩ።

5. ንቕሓት

ኣእምሮና ብኣብ ደም ለሎ መጠን ሽኮር ኣቐዲሙ ልጉዳእ ኣካል እዩ።ጥምየት ተሃልዩ ድማ ንቕሓቶም ይቕንስ።

6. ክብደት ምውሳኽ

ናይ መጀመርታ 10-14 መዓልቲ ሓደ ህፃን ኽብደቱ ይቕንስ። ብድሕሪኡ ግን ኽብደቱ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናዋሰኸ ይኸድ። ናይ መጀመርያ 3ወርሒ 30 ግራም ብመዓልቲ ክውስኹ ይረኣይ።

7. ተኸኽ እልካ ዘይምብካይ

ምብኻይ ቋንቋ ቖልዑ ኾይኑ ክሳብ 3 ሰዓት ኣብ መዓልቲ ክበኽዩ ይረኣይ። እዚለ ቑርፅ ቑርፅ ኢሉ ይህሊ። ተደጋጋሚ ምብኻይ ካብ ለስዕቡ ነገራት ሓደ ጥምየት እዩ።

8. ጡብ ምልስላስ

ቖልዓ እኹል ልኾነ ፀባ ተጠቢው ጡብ ጥርሑ ይኾን ። ጡብ ምልስላስ ድማ ይህሊ።

9. ተደጋጋሚ ስገራ ምውፃእ

ሰገራ ምውፃእ እኩል ዝኾነ ምግቢ ምህላው የርኢ። መብዛሕቲኡ ግዜ ብውሑድ 2-3 ብመዓልቲ ምውፃእ ይህሊ።

10.ሕብሪ ቖርበት ኣብ ንቡር ምዃን

ዝጠውለገ ሕብሪ ቖርበት ወይም ምብጫው ናይ ምጥማይ ምልክት እዩ። ልስሉስን ቐንጪውካዮ ዝምለስ ቖርበት እኩል ሰውነት ጠሊ ሃምለለዎ የርኢ።

 #7  #ምልክታት  #ሕማም  #ልቢዶ/ር ኣቤል ግደይ ✴️ምልክታት ሕማም ልቢ እንታይ እዮም?📌ሕማም ልቢ ን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዘጥቅዕ ኾይኑ ቆልዓ ኣይብል ዓብይ ፡ ብ ዘይ ፆታን ...
29/10/2025

#7 #ምልክታት #ሕማም #ልቢ

ዶ/ር ኣቤል ግደይ

✴️ምልክታት ሕማም ልቢ እንታይ እዮም?

📌ሕማም ልቢ ን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዘጥቅዕ ኾይኑ ቆልዓ ኣይብል ዓብይ ፡ ብ ዘይ ፆታን ዘርኢን ኣብ ኩሉ ይረኣይ።

1. ውቅዒት /ህርመት ልቢ ምውሳኽ

📍ቕልጡፍን ዝተዛብዐን ውቅዒት ልቢ ይህሉ። እዚ ድማ ኣብ ንቡር እዋን እንትንጎይ ወይድማ ከቢድ ስራሕ እንትንሰርሕ ዝህልይ ህርመት ኣብ ዘዕረፍናሉ እዋን ክንርእዮ ይስትውዐል።

2. ምሕፃርን ምቁርራፅ ትንፋስ

❤️ምሕፃርን ምቁርራፅን ምትንፋስ ናይ ካልኦት ሕማማት ምልክት እውን ክኸውን ዋላኳ እንተኽኣለ። ምስናይ ልቢ ውቅዒት ምውሳኽ ምስዝርኣይ ግና ናይ ሕማም ልቢ ምልክት እዩ።

3. ምልላይ ውቅዒት ልቢ

♥️ኣብ ንቡር እዋን ልቢና እንትወቅዕ ኣይፍለጠናን ነገር ግን ነብስና ውቅዒት ልቢ ምልላይ ተጀሚሩ ንጠንቀቕ።

4. ምሕባጥ

✴️ምሕባጥ ኢድን እግሪን ካብኡ ብተውሳኺ ድማ ገፅ ይህሉ። ኸብዲ ምቑዛርን ምምላእን እውን ኣብ ሕማም ልቢ ዘለዎም ሰባት ይረኣይ ብፍላይ ድማ ምስ ውድቐት ልቢ ይተሓሓዝ።

5.ኽስመት ምኽዳን

✴️ምፅላም ከንፈርን ገፅን ብፍላይ ድማ ኣብ ምንቕስቓስ ን ጉልበት ዝጠልቡ ንጥፈታትን ይብእስ

6. ድኻም

👉🏼ብቕልጡፍ ምድኻም ይህልው። ን ኣብነት ብንቡር እንሰርሖም ዕዮ ገዛታት ምስራሕ ይኣብዩና።

ህፃውንቲ፡ ምጥባው ምድኻም፡ ረሃፅ፡ ዕብየቶም ምድሓር /ምዝሕታል ይረኣይ።

ቖልዑ ፡ ምስ መሰተኦም ምጉያይ ምፅዋት ይኸብዶም
ዓበይቲ፡ ኣብ መንገዲ ምዕራፍን ኣዝዩ ናይ ድኻም ስምዒት ምርኣይ የብዝሑ።

7. ውግኣት ደረትን ኣፍ ልብን

❤️እዚ ብ ዝተፈላለዩ ምኽንያት ይመፅእ። ብፍላይ ኣብ ሃንደበታዊ ውድቀት ልቢ፡ ምዝባዕ ህርመት ልቢን ረክሲ ሳምባ እንትህሉን ይረኣይ።

🥳መልእኽቲ፡ ልቢ ይበሉ እዞም ኩሎም ምልክታት ብሓባር ንከይመፁ ይኽእሉ። ስለዚ ገለ ምልክታት እንተሪኢና ሓኪም ንወከስ።

ጥዕና ይሃበለይ👨‍👩‍👧‍👦

ዕሸላት ምስ ተወለዱ ንምንታይ ቢጫ ይኾኑ?ህፃናት ልክዕ ምስተወለዱ ቢጫ ክኾንሉ ዝኽእሉ ምኽንያታት  #ልሙድ ኩነታት፥ ምስ ምእካብ ደም፥ ምጥባው #ረኽሲ ሰውነት #ዘይምቅድዳው ደም ኣደን ህፃን...
29/10/2025

ዕሸላት ምስ ተወለዱ ንምንታይ ቢጫ ይኾኑ?

ህፃናት ልክዕ ምስተወለዱ ቢጫ ክኾንሉ ዝኽእሉ ምኽንያታት
#ልሙድ ኩነታት፥ ምስ ምእካብ ደም፥ ምጥባው
#ረኽሲ ሰውነት
#ዘይምቅድዳው ደም ኣደን ህፃንን(ሾተላይ)
#ምዝባዕ ሆርሞን ታይሮይድ
#ጸገም ሓሞት ከረፂት

ምብጫው ን ኣእምሮ ከቢድ ፀገም ክፈጥር ስለዝኽእል ብቕልጡፍ ኣሐክምዎም።

ካብ ድሓር ምጥዓስ ብቅልጡፍ ምሕካምን ሓኪም ደሓን ክሳብ ዝብል ዕሽሽ ዘይምባል።

ነፃሕክምና ዓይኒ!
29/10/2025

ነፃሕክምና ዓይኒ!

🍻ሳዕቤናት ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ዓቕሚ ምርባሕ ደቂ ተባዕትዮ፦🥃ኣብ ካልአዋይ ብርኪ ፆታዊ ለውጥታት ደቂ ተባዕትዮ ፅልዋ የምፅእ።ማለት'ውን     🕹 ምቕናስ መግለፂ ወዲ ተባዕታይ ዝኾኑ ፀጉርታ...
29/10/2025

🍻ሳዕቤናት ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ዓቕሚ ምርባሕ ደቂ ተባዕትዮ፦

🥃ኣብ ካልአዋይ ብርኪ ፆታዊ ለውጥታት ደቂ ተባዕትዮ ፅልዋ የምፅእ።ማለት'ውን

🕹 ምቕናስ መግለፂ ወዲ ተባዕታይ ዝኾኑ ፀጉርታት

🕹ምዕባይ ጡብ

🕹ምእካብ ስብሒ ከብዲ ኣብ ጭዋዳታት ጎሎ

🥃ኣብ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ (S***m) ዝተፈላለዩ ፀገማት የምፅእ። ንኣብነት፦

🕹መጠን ምምራት ዘርኢ ይቕንስ

🕹ፅርየትን ስራሕን ዘርኢ ይቕንስ

🕹ምንቅስቓስ (Motility) የዳኽም

🕹ዘይስሩዕ ቅርፂ(Morphology) ዘርኢ ክህሉ ይገብር

🕹ምዝባዕ ሆርሞናት ወዲ ተባዕታይ የምፀእ

🥃ካልኦት ሳዕቤናት ድማ፦

🕹ኣብ ናይ ዘርኢ DNA ጉድኣት ብምምፃእ ኣፈጣጥራ ፀገም ዘለዎ ቆልዓ(Birth defect) ክፍጠር ይገብር።

🕹ፀገም ስምዒት ምልዓል ፆታዊ ርክብ

🕹ድኽመተ ፆታዊ ርክብ

🕹ምቕናስ ድልየት ፆታዊ ርክብ

🕹ፀገም ጠጠው ምባል ብልዕቲ

🖲ኣስተውዕሉ፦ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ሳዕቤናት ኣልኮላዊ መስተ ብምቁራፅ ክስተኻኸሉ ይኽእሉ እዮም።

❇️ብ ዶ/ር ወልዳይ ኣባዲ
| ስፔሻሊስት ማህፀንን ጥንስን |

📷ንዝበለፀ ሓበሬታ፦ ኣባላት ዝስዕቡ ገፃት ይኹኑ (Follow, Like & Share)

👉https://www.tiktok.com/.weldayabadi
👉https://www.facebook.com/abadi.welday
👉https://www.facebook.com/profile.php?id=100063482869241
👉https://t.me/weldeabe

ፀባ ጡብ ብኸመይ ይብርክት/ ይውስኽ?             ብ ዶ/ር  ኣቤል ጊደይ✅ሓንቲ ኣዶ ምስ ወለደት ፀባ ጡባ ክወፅእ ንሪኦ። ነገር ግን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክቕንስን ክጠፍእን/ክነፅፍ...
29/10/2025

ፀባ ጡብ ብኸመይ ይብርክት/ ይውስኽ?

ብ ዶ/ር ኣቤል ጊደይ

✅ሓንቲ ኣዶ ምስ ወለደት ፀባ ጡባ ክወፅእ ንሪኦ። ነገር ግን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክቕንስን ክጠፍእን/ክነፅፍን ድማ ይረኣይ።

ምውሳኽ ፀባ ጡብ

1 እኹል ዕረፍቲ
📌ኣዶ እኹል ዕረፍቲ ምውሳድ ፀባጡብ ብበዝሒ ክወፀላ ይሕግዝ።

2 እኩል ፈሳሲን ምግቢን

📌ኣዶታት ቕድሚ ምውላደን ዝነበረ መጠን ምግቢን ፈሳሲን ብበዝሒ ክውስዱ ምግባር።

3 ምጥባው

📌ጡብ ምጥባው ምምራት ፀባ ኣዝዩ ክውስኽ ይገብር።ተተጠቢው ፀባ ምህርቱ ይውስኽ። ቖልዓ ተዘይጠቢብዎ ግን ይነፅፍ።

4 ብምውቕ ማይ ጡብ ምድራዝ
📌ጡብ ብምውቕ ማይ ምድራዝ ፀባ ክውስኽ ይገብር።

5 ፀረቓንዛ ምውሳድ
📌እተጡቢ ኣዶ ክትቕንዘው የብላይ። ቓንዛ መጠን ፀባ ኣዝዩ ክቕንስ ይገብር።

6 ናይ ታኒካ ፀባ ምውጋድ
✅ፀባ ታኒካ ምስታይ ኣዶ ክትነፅፍ ክገብራ ይኽእል። ምክንያቱ ብቐሊሉ ስለዝረኽቦን ጣዕሙ ፍልይ ስለዝብል እቱ ህፃን ናብ ታንካ ፃባ ከድህብ ይገብሮ። ስለዚ '' ጡብ ጥራይ ክሳብ 6ይ ወርሒ!''

7 ጡጦ ምውጋድ
✅ጡጦ ክውገድ ዝግበኦ ተግባር እዩ። ተወሳኺ ምግቢ/ፀባ ብ ፍንጃል/ ብኩባያ ምሃብ።

8 እኹል ሓገዝ ስነኣእምሮ ምሃብ

✅ ሓንቲ ኣዶ ምስወለደት ናይ ድብርትን ጭንቀትን ስምዒት ክረኣያ ይረኣይ። እዚ ብሓገዝ ስድራን በዓል ቤትን ይቕንስ/ይጠፍእ። ካብ ገዛ ወፂአን ክንቀሳቐሳ ምግባር፡ ምስኣ ግዘ ምሕላፍ ቃንዛ ከይህልዋ ምሕጋዝ....

ፀባ ጡብ ክነፅፍ ዝገብሩ

#ዘይምጥባው
#ምጭንናቕ
#ምህላው ቓንዛ
#ፈሳሲ ዘይምውሳድ
#እኹል ዕረፍቲ ዘይምውሳድ
#ታኒካ ፀባ ምጥቃም
#ናይ ላስቲክ ጡብ ምሃብ/ ጡጦ ምሃብ
#ሓንቲ ጡብ ጥራይ ምሃብ
#ደቃሲ ቖልዓ
#ዘይምጭናቕ

ጥዕና ይሃበለይ!

 #መንሽሮ ጡብ ንምሕዋይ 8  ወሰንቲ ምኽርታት                         ብ ዶር ኣቤል ግደይ🌸 ኣብ እዋን ሕክምና መንሽሮ ጡብ ንምሕዋይን ንምጥንኻርን ዝሕግዙ 8  ወሰንቲ ምኽርታ...
28/10/2025

#መንሽሮ ጡብ ንምሕዋይ 8 ወሰንቲ ምኽርታት
ብ ዶር ኣቤል ግደይ

🌸 ኣብ እዋን ሕክምና መንሽሮ ጡብ ንምሕዋይን ንምጥንኻርን ዝሕግዙ 8 ወሰንቲ ምኽርታት

1. ሕክምና ብቕልጡፍ ምፂ

🔴ሕበጣት ጡብ ብቕልጡፍ ድኣ ናብ ሕክምና ከይድኪ ብቕልጡፍ እንተዘይተስፋሕፈሐ ይሕከም።

📌ን ኣብነት፥ ሓንቲ ዝፈልጣ መቕርበይ ሕክምና መንሽሮ ጡብ ገይራ ። ሓንቲ ጡባ ተቖሪፃ። ፈለማ ሕንቲ ነይራታ ብድሕሪኡ 4 ቖልዑ ወሊዳ ብሰላም ትነብር ኣላ።

2.ኣይተቋርፂ/ ናይ ሕኪም ትእዛዝ ስምዒ

🔴ብፍላይ ድማ ኣብ ሕክምና ዓብይ ፀገም ሓካይም ዝበሉኻ ዘይምስማዕን ሕክምና ምቁራፅን እዩ።

📌ምስ ውጥን ሕክምናኻ ቅኑዕ ኩኒ— መጥባሕቲ ይኹን፡ ኬሞቴራፒ፡ ጨረርታ፡ ፍወሳ ሆርሞን፡ ወይ’ውን ዕላማ ዝገበረ ፍወሳ።

👉 ዋላ ድኻም ወይ ተስፋ ምቑራጽ ኣብ ዝስምዓካ እዋን እውን ቀጽሎ። ሕክምና ምጥፋእ ወይ ምድንጓይ ውጽኢታዊ ከምዘይኮነ ክገብሮ ይኽእል።

🔴ጎናዊ ሳዕቤናት እንተ ኣጋጢሙኪን፡ ኩሉ ግዜ ምስ ጉጅለ ክንክን ጥዕናኻ ተዘራረባ— ንሳቶም ብዘይ ስግኣት ንምምሕዳር ክሕግዙ ይኽእሉ።

ንቡር ኣብነት
ይዝክር ኣብ ማእኸላይ ምርባሕ ዕድሚኣ እትርከብ ተሓካሚት ሓንቲ ጡባ መጥባሕቲ ክግበረላ ተሓቲታ ኣይፋል ኢላ። ብብዙሕ መረድኢታት ኣብያ። ድሕሪ ዓመት ናብ መላእ ሰውነታ ተሰራጭዩ ኣይፀንሐትን። ሓንቲ ኣካል ክይትቕነስ ባዕልካ ምስኣን የሕዝን።

3. ሽጋራ ምትካኽ ምውጋድን ኣልኮላዊ መስተ ምድራትን።

እዚኦም ኣብ ምሕዋይ ዕንቅፋት ክኾኑን ንመንሽሮ ናይ ምምላስ ሓደጋ ክውስኹን ይኽእሉ።

👉 ሽጋራ ትትክኽ ወይ ከተቋርጽ እንተተጸጊሙ፡ ንወሃቢ ክንክን ጥዕናኻ ሓገዝ ሕተት — ንደገፍ ውሑስን ውጽኢታውን መደባት ኣሎ።



4. ኩሉ ናይ ምክትታልን ሕክምናን ቆጸራታት ምሕላው

📌ስሩዕ መርመራታት ምዕባለ ክትከታተሊ ንጎናዊ ሳዕቤናት ከተመሓድርን ኣድላዪ እንተኾይኑ ሕክምና ከተመዓራርዮን የኽእላ።

👉 ነፍሲ ወከፍ ቆጸራ ከም ስጉምቲ ናብ ምድሓን ሕሰብዮ።



5. መኣዛ ዘለዎን ዝተመጣጠነን ኣመጋግባ ምምጋብ

📌ኣካላት ንኽሓዊ ተወሳኺ ሓይሊ የድልዮ።

👉 ብብዝሒ ሕብራዊ ፍረታትን ኣሕምልትን፡ ሙሉእ እኽሊ፡ ፋጁል፡ ፍረታት፡ ከምኡ’ውን ቅብኣት ዘይብሉ ፕሮቲን (ከም ዓሳ ወይ ደርሆ) ምብላዕ።


6. ንጡፈታት

🔴ልኡም ኣካላዊ ምንቅስቓስ ድኻምን ጭንቀትን ከጉድልን ንሕውየት ከማሓይሽን ይኽእል።

👉 ቀሊል ናይ እግሪ ምጉዓዝ፡ ዮጋ፡ ወይ ምዝርጋሕ ምውስዋስ ኣካላት ፈትኒ— ዋላ ውሑዳት ደቓይቕ መዓልታዊ ይሕግዝ።

🔴ብዛዕባ ንደረጃ ሕክምና ውሑስ ዝኾነ ውጥን ምንቅስቓስ ኣካላት ንሓኪምኪ ሕተትዮ።



7. ስምዒታውን ኣእምሮኣውን ጽቡቕ ምህላውኪ ተኸናኸኒ።

ፍርሒ፡ ሓዘን ወይ ርግጸኛ ዘይምዃን ክስምዓንኪ ንቡር’ዩ።

👉 ምስ ጉጅለ ክንክን ጥዕና፡ ኣማኻሪ፡ ወይ ድማ ናብ ናይ ጡብ መንሽሮ ደገፍ ጉጅለ ተጸንበሪ — ምክፋል ብስምዒት ክትሓዊ ይሕግዘኪ።

❗በይንኺ ኣይኮንኪን❗



8. ኣብ ምሕዋይካ ኣሚንኪ ደገፍ ተቐበሊ

በይንኻ ኣይኮንካን። 💕
👉 ስድራቤትን ፈተውትን ክሕግዙ ፍቐደሎም — እዚ ምስ መግቢ ይኹን፡ ናብ ሕክምና ምዝዋር፡ ወይ’ውን ምስማዕ ጥራይ።

ተስፋ ዘለዎ ኣተሓሳስባ ምሓዝ — ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ካብ መንሽሮ ጡብ ምሉእ ብምሉእ ይሓውያ እሞ ነዊሕን ጥዑይን ህይወት ይነብራ።



🌷 ዘክሪ

ፈውሲ ነቲ ሕማም ምፍዋስ ጥራይ ኣይኮነን — ኣብ’ቲ ጉዕዞ ንኣካላትካን ኣእምሮኻን መንፈስካን ምሕብሓብ’ዩ።

ንኹለን እትፈትውወን ኣሓትኩም፥ መፃምድኹምን ኣደታኩም ክፈልጣ ሼር ግበሩለን!

28/10/2025

ጡብ ካንሰር ከምዝድሕን ትፈልጢ ዶ?

💡 ንመብዛሕትኡ መንሽሮታት (cancers) ንምክልኻል ዘኽእል ጥዑይ ኣነባብራ (life style)።  1. ብብዝሒ ፍረታትን ኣሕምልትን 🍎🥦 ብላዕ  2. ሲጋራ 🚭 ኣይተትክኽኽ 3. ኣልኮላዊ መ...
28/10/2025

💡

ንመብዛሕትኡ መንሽሮታት (cancers) ንምክልኻል ዘኽእል ጥዑይ ኣነባብራ (life style)።

1. ብብዝሒ ፍረታትን ኣሕምልትን 🍎🥦 ብላዕ

2. ሲጋራ 🚭 ኣይተትክኽኽ

3. ኣልኮላዊ መስተ 🍷 ገደብ ግበር

4. ኣካላዊ ምንቅስቓስ ብስሩዕ 🏃 ♂️ (ብውሑዱ 30 ደቂቃ 5 መዓልታት ኣብ ሰሙን) - ፈጣን walk ምግባርውን ኣካላዊ ምንቅስቃስ እዩ።

5. ጥዑይ ክብደት ሰብነትና ምሕላው ⚖️

6. ምኽታብ 💉 (ንኣብነት፡ ሄፓታይተስ ቢ, HPV)

ዶክተር ፋሲካ ዓምደስላሰ!

28/10/2025
 #ጡብ  #ካንሰር ኮምፕርሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ክፍሊ ሕክምና መንሽሮ/ካንሰር ወርሒ ጡብ ካንሰር ምኽንያት ብምግባር ካብ ጥቅምቲ 19-21/2018 ዓ/ም ኣብ ውሽጢ እቲ ሆስፒታ...
28/10/2025

#ጡብ #ካንሰር

ኮምፕርሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ክፍሊ ሕክምና መንሽሮ/ካንሰር ወርሒ ጡብ ካንሰር ምኽንያት ብምግባር ካብ ጥቅምቲ 19-21/2018 ዓ/ም ኣብ ውሽጢ እቲ ሆስፒታል ዕድሚአን 20ን ልዕሊኡን ንዝኾነ ደቂ ኣንስትዮ ነፃ ወፍሪ ሕክምናን መዕበዪ ግንዛበ ትምህርቲን ክህብ እዩ። በዚ ድማ ተጠቀምቲ እቲ ዕድል ክትኮና ንዕድም።


ዓይደር ኮምፕርሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል የካንሰር ህክምና ክፍል የዘንድሮ የጡት ካንሰር ወርን ምክንያት በማድረግ ከጥቅምት 19-21/2018 ዓ/ም በሆስፒታሉ ውስጥ እድሜያቸው 20 ዓመት እና ከዛ በላይ የሆነ ሴቶች ነፃ የህክምና ዘመቻ እና የግንዛቤ ትምህርት ይሰጣል። ስለሆነም የእድሉ ተጠቃሚ እንድትሆኑ ይጋብዛል።

---
🌐 Website: https://ayderhospital.org
📘 Facebook: CHS, Ayder Specialized Hospital-MU
🐦 X/Twitter:
📢 Telegram: t.me/ayderhospitalchs
📮 P.O. Box: 1871
✉️ Institutional Email:
• College: ced.chs@mu.edu.et
• Hospital: ccd.chs@mu.edu.et
We really care!

" #ሰላሕታዊ  #ብርሰት  #ወሎዶና  #ሓቢርና  #ንኸላኸል?✍️  #ኤች  #ኣይቪ / #ኤድስ  #እንታይ  #ማለት እዩ?🎗ኤች ኣይቪ ፦ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕምና ብድኻም ኤድስ ዘኸትል ቫይረስ...
27/10/2025

" #ሰላሕታዊ #ብርሰት #ወሎዶና #ሓቢርና #ንኸላኸል?

✍️ #ኤች #ኣይቪ / #ኤድስ #እንታይ #ማለት እዩ?
🎗ኤች ኣይቪ ፦ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕምና ብድኻም ኤድስ ዘኸትል ቫይረስ እንትኸዉን ኤድስ ድማ ብምኽንያት ኤች ኣይቪ ሰዉነትና ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ብምድኻሙ ዝኽሰት ሕማም እዩ።
🎗ኤች ኣይቪ ዘለዎ ሰብ ምንም ዓይነት ምልክት ከየርኣየ ንብዙሕ ዓመታት ክፀንሕ ዝኽእል ኮይኑ ናብ ካልኦት ሰባት ዘመሓላልፍ እንትኾን ንኤች ኣይቪ ሙሉእ ንሙሉእ ካብ ሰዉነት ወድስብ ዘጥፍእ መድሓነት እዉን የብሉን።
🎗መተሓላለፊ መንገድታት ኤች ኣይቪ፦
*ኤች ኣይቪ ምስ ዘለዎ ሰብ ብዝግበር ጥንቃቐ ዝጎደሎ ፆታዊ ርክብ(ፍንዉ ፆታዊ ርክብ )ብዘይኮንዶም።
*ቫይረስ ኤች ኣይቪ ኣብ እዋን ጥንስን ሕርስን /ኣብ ወሊድ ካብ ኣዶ ናብ ሽዕል ክመሓላለፍ ይኽእል።
*ቫይረስ ዘለዎ ሰብ ዝጥቀመሎም በላሕቲ ነገራት ሓቢርካ ብምጥቃም/ላማ ፣መርፍእ...ወዘተ/
*ዘይተመርመረ ደም ብምቕባልን ብንኽክእ ደምን ካልኦትን ናይ ሰዉነት ፈሳስን።
🎗ንኤች ኣይቢ ዘቃልዑን ዘጋዱዱን ባህርያት
*ብዙሕ ወሲባዊ መሓዙት ምስ ዘለዎ/ዋ ሰብ ፆታዊ ርክብ ምፍፃም
*መፃምዲ በብእዋኑ ምቅይያር
*ጥንቃቐ ዝጎደሎ ፆታዊ ርክብ ምፍፃም/ብዘይ ኮንዶም/
*ኣልኮልን መዕወንቲ ሓሽሽን ምጥቃም
*ንገንዘብን ካልኦት ዉህብቶታትን ኢልካ ዝፍፀም ፆታዊ ርክብ
*ኩናት ዝወለዶ ስደትን ምፍንቓልን
*ፆታዊ ጥቕዓት ደቂ ኣንስትዮ
*ስእነት ሰራሕን ምቁርራፅ ተጠቀምቲ መድሓኒት ኤች ኣይቪን
🎗ኤች ኣይቪ ብኸመይ ንከላኸሎ?
*ቅድሚ መርዓ ካብ ወሲብ ምዕቃብ
*ድሕሪ መርዓ ሓደ ብሓንቲ/ሓንቲ ብሓደ ምዉሳን
*ኮንዶም ብኣግባቡን ኩሉሻብን ምጥቃም
*ኩነታት ዓርስኻ ንምፍላጥ ምምርማር
*ምስ መፃምድኻ ብግልፂ ምዝርራብን እቲ ቫይረስ እንተተረኺቡኳ መድሓነት ብኣግባቡ ምጥቃምን ...

#ምልክታት ኤች ኣይቪ /ኤድስ



ምልክታት ኤችኣይቪ ከከም ደረጃ ረኽሲ ይፈላለዩ።

እቲ ሕማም ኣብተን ቀዳሞት ሒደት ኣዋርሕ ሓደ ሰብ ድሕሪ ምልካፉ ብቐሊሉ ዝላባዕ ኮይኑ፡ ብዙሓት ግን ክሳብ ዳሕረዋይ ደረጃታት ኩነታቶም ኣይፈልጡን እዮም።

🛑 ሰባት ድሕሪ ምልካፎም ኣብተን ቀዳሞት ሰሙናት ምልክታት ከየጋጥሞም ይኽእል። ካልኦት ድማ ኢንፍሉዌንዛ ሰዓል ዝመስል ሕማም ክህልዎም ይኽእል እዩ ንኣብነት፤

⭐️ረስኒ
👆ሕማም ርእሲ
👆ታህዋኽ
👆ቓንዛ ጎሮሮ.

እቲ ረኽሲ ንስርዓተ ምክልኻል ሕማም በብቑሩብ የዳኽሞ። እዚ ድማ ካልኦት ምልክታትን ከስዕብ ይኽእል፤

📌 ዝሓበጠ ጽክታት

📌ሽሑርን ምጥውላግ ቆርበትን

📌 ክብደት ሰብነት ምጉዳል

📌 ቀፃልነት ዘለዎ ረስኒ

📌 ዘየቋርፅ ውፅኣት

📌 ሕዱር ን ፀናሓይ ሰዓል

📌ሓያል ድኻም

📌 ምዕሳው ኣፍ

📌ቀልቢ ምዝባዕ

📌ቁስልታት

ሕማም ኤች ኣይ ቪ ሕዝውን ተላባዕቲ ካብ ዝኾኑ ሕማማት ብመሪሕ ይርከብ!
☝️☝️☝️☝️☝️☝️☝️☝️
ንጥዕናና ነቐድም🙏
🙏🙏🙏🙏🙏🙏
🙏ሰናይ መዓልቲ🙏
✍️✍️✍️ ትሻል ነጋ Tishal Nega ዝተወከስክዎ
11-02-2018 ሽረ እ.ስላሴ

Address

Witten Street
Mekelle

Telephone

+251914000292

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ጥዕና ይሃበለይ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share

Share on Facebook Share on Twitter Share on LinkedIn
Share on Pinterest Share on Reddit Share via Email
Share on WhatsApp Share on Instagram Share on Telegram