05/02/2026
⭕ ባህላዊ ምቑራፅ ዓንቀር (Traditional Uvulectomy) ⭕
=================================
🕹 ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተገበረ ሓፈሻዊ ናይ ፅንዓት ትንተና (meta-analysis) ካብ 10 ትሕቲ 5 ዓመት ህፃናት እቶም ከባቢ 4 ዝኾኑ(~44%) ሰለባ ባህላዊ ምቑራፅ ዓንቀር ይኾኑ።
📌 ወለዲ ንደቆም ዓንቀር ዘቑርፅሉ ምኽንያት፦
✅ ሕማም ጎሮሮን ስዓልን ንምክልኻልን ንምሕካምን
✅ ተምላስ ወይ ምስኣን ድልየት ምግቢ ንምሕካም(ጠጠው ንምባል)
✅ ምስ ዝተወሰኑ ሃይማኖታዊ ወይ ባህላዊ እምነታት ብዝተትሓሓዘ
- ✅ ፅዕንቶ ባህላዊ ሓካይም ወይ ድማ ናይ ከባቢ ማሕበረሰብ
👆እዞም ልዕል ኢሎም ዝተጠቐሱ ምኽንያታት ካብ ሳይንሳዊ ሓቂ ዝርሓቑን ኣብ ህፃናት ጉድኣት ዘስዕቡን እዮም።
⭕ ምቑራፅ ዓንቀር ከስዕቦ ዝኽእል ጉድኣት እንታይ እዩ ?
✍ ፅርየቱ ብዘይሓለወ መንገዲ ዝግበር ተግባር ምቑራፅ ዓንቀር ንህይወት ኣስጋእቲ ዝኾኑ ናይ ሓፂርን ነዊሕን ጎናዊ ሳዕቤናት ኣለውዎ። ካብዚኣቶም ገሊኦም ዝስዕቡ እዮም ፡-
🩸 ልዑል ደም ምፍሳስን ብሰንኩ ዝፍጠር ዋሕዲ ደምን ሞትን
🦠 ረኽሲ(Infection)
💉 ብደም ዝመሓላለፉ ሕማማት (ኤች.አይ.ቪ፣ ሕማም ወይቦ[ሄፓታይተስ]
🔒 ሕማም መንጋጋ ምቑላፍ (Tetanus)
🤕 ሕማም ምጥማም ክሳድ (Torticollis)
🗣️ ፀገማት ምትንፋስ
💔 ሞት
💥💥💥💥💥💥💥💥💥💥💥💥💥💥💥💥
📲 መልእኽቲ ንወለዲ፦
🕹 እዚ ጎዳኢ ልምዲ እዙይ ምንም ዓይነት ናይ ጥዕና ጥቕሚ ዘይብሉ ፤ ንህፃናት ከቢድ ናይ ኣካል ጉድኣት እስካብ ሞት ዘሳጥሕ ምዃኑ ብውነ ምፍላጥ የድሊ።
🕹 ስለዚ ኣብ ደቅና ዝኾነ ይኹን ናይ ጥዕና ፀገም እንተጋጥም ግዜ ተይወሰድናን ተይዘንጋዕናን ሽዑ ንሽዑ ናብ ዝምልከቶ ብዓል ሞያ ምኻድ የድሊ።
" ደቅና ካብ ጎዳእቲ ባህልታት ንሓልው !"
✍ፅሓፊ፦ ዶ/ር መላኩ ሞገስ (ስፔሻሊስት ህፃናትን ኣባፅሕን)
✍ተርጓሚ፦ ዶ/ር ወልዳይ ኣባዲ
(ስፔሻሊስት ክትትል ጥንስን ሕማማት ማህፀንን)
👩💻👩💻👩💻👩💻👩💻👩💻👩💻👩💻👩💻👩💻👩💻
👌ንዝበለፀ ናይ ጥዕና ሓፈሻዊ መልእኽትታት ብፍላይ ድማ ሓበሬታ ጥዕና ሕማማት ማህፀንን ጥንስን ናይ ፌስቡክ ፣ ቴሌግራም ፣ ቲክቶክን ዩቱብን ገፃትና ላይክ፣ ሼርን ፎሎውን ይግበሩ/ራ!
📷 ኣባላት ዝስዕቡ ገፃት ይኹኑ (Follow, Like & Share)
👉Subscribe👉AdoTube;https://www.youtube.com/.WeldayAbadi
👉https://www.tiktok.com/Welday Abadi Abayk.com/abadi.welday
👉https://www.facebook.com/profile.php?id=100063482869241
👉https://t.me/weldeabe
❇️ብ ዶ/ር ወልዳይ ኣባዲ
| ስፔሻሊስት ሕማማት ማህፀንን ክንክን ጥንስን |
゚viralシviralシfypシ゚viralシalシ