ገዛና ስፔሻሊቲ ክሊኒክ ማህፀንን ጥንስን Gezana OBGYN specialty Clinic

  • Home
  • Ethiopia
  • Mekelle
  • ገዛና ስፔሻሊቲ ክሊኒክ ማህፀንን ጥንስን Gezana OBGYN specialty Clinic

ገዛና ስፔሻሊቲ ክሊኒክ ማህፀንን ጥንስን Gezana OBGYN specialty Clinic 24/7 services

12/09/2025

Gezana Clinic
Adihawsi traffic light
Phone #0920254651/0714353435

እንቋዕ ኣብፀሐክን ንኩልኽን ተጋሩ
21/08/2025

እንቋዕ ኣብፀሐክን ንኩልኽን ተጋሩ

ቀስታ ኣንሽቲ ወይ መንታ ርእሲ (amniotic fluid) እንታይ እዩ?ቀስታ ኣንሽቲ ወይ መንታ ርእሲ ታይ ጥቅሚ ኣለዎ?ብዶ/ር ሃብቶም ታደሰስፔሻሊስት ሓኪም ማህፀንን ጥንስንቀስታ ኣንሽቲ ወ...
27/07/2025

ቀስታ ኣንሽቲ ወይ መንታ ርእሲ (amniotic fluid) እንታይ እዩ?

ቀስታ ኣንሽቲ ወይ መንታ ርእሲ ታይ ጥቅሚ ኣለዎ?
ብዶ/ር ሃብቶም ታደሰ
ስፔሻሊስት ሓኪም ማህፀንን ጥንስን

ቀስታ ኣንሽቲ ወይ መንታ ርእሲ በዚሑ ወይ ዊሑዱ ማለት ታይ ፀገም ኣለዎ?

✳️ዕሸል ኣብ ውሽጢ ማህፀን ዝንቀሳቀሰሉ ፈሳሲ ብተለምዶ መሐንበሲ ፈሳሲ እናተበሃለ ዝፍለጥ ቀስታ ኣንሽቲ ወይ መንታ ርእሲ ይበሃል።

✳️እዚ ፈሳሲ ኣብ ማህፀን ውሽጢ ንዕሸል ከቢቡ ንመንቀሳቀሲ ዝኸውን እኹል ቦታ ዝፈጥር ኮይኑ:ብዙሓት ጥቅምታት ዝሓዘ እዩ::
 ንዕሸል ካብ ደጋዊ ሓደጋ ይከላኸል:: ኣብነት ዝኾነ መውቃዕቲ ወይ ብኸብዲ ምውዳቅ እንተጋጥም ልዑል ማህሰይቲ ኣብ ዕሸል ከይበፅሕ ይከላኸል።
 ዕትብቲ ኣብ መንጎ ዕሸልን ግድግዳ ማህፀንን ከይፅቀጥን ምዕፋን ዕሸል ከየጋጥምን ይከላኸል።
 ቀስታ ኣንሽቲ ንዕሸል ካብ ረኽሲ ይከላኸል።
 ስሩዕ ዕብየት ኣካላት ዕሸል ከም ሳምባ ፣ መዓናጡን ፣ መሓውርን ክህሉ ይሕግዝ ።
 ምዕሩይ መጠን ሙቀት ጥንሲ ክህሉ ይሕግዝ።

ልዑል መጠን ቀስታ ኣንሽቲ (polyhydraminos )
ምኽንያታት ብዛሕ ቀስታ ኣንሽቲ …
1. ፀገም አካላዊ አፈጣጥራ ዕሸል ( ርእሲ : ዓንዲ ሑቀ ፣መዓናጡ ወዘተ)
2. ሕማም ሽኮር ኣብ ኣደ፣
3. ጎናዊ ሳዕቤን መንታ ጥንሲ፣
4. ሕማም ሽቶላይ፣
5. ኢንፌክሽን
6. ምኽንያት ኣልቦ
ምልክታት ምብዛሕ ቀስታ ኣንሽቲ
🔹ፀገም ኣተነፋፍሳ ኣደ፣
🔹ልዑል ውጥረት ከብድን: ግዝፈት ከብድን
🔹ዘይስሩዕ ኣቀማምጣ ዕሸል፣
🔹ዝሕቱል ምንቅስቃስ ዕሸል ፣

ዋሕዲ ቀስታ ኣንሽቲ (oligohydraminos)

✳️ምኽንያታት ዋሕዲ ቀስታ ኣንሽቲ
1. ፀገም ኣፈጣጥራ ኩላሊት፣ ሽንቲ ቱቦ ዕሸል
2. ምፍሳስ ቀስታ ኣንሽቲ
3. የእንግዴ፣ ልጅ መታመም፣
4. ልዑል መጠን ፀቅጢ ደም ኣብ ኣደ፣
5. ሕዱር ሕማም ኣደ፣
6. ምሕላፍ መዓልቲ ዕድመ ጥንሲ

ክትትል መጠን ቀስታ ኣንሽቲ ወሳኒ ኮይኑ: መጠኑ ዝልካዕ ድማ ብኣልትራሳውንድ ብዝግበር ምርመራ እዩ::

ኣብ ግዜ ጥንሲ ዝግበር ፆታዊ ርክብ ኣብ ግዜ ጥንሲ ዝግበር ፆታዊ ርክብ መዓዘ ከም ዝኽልከል ኩለን ጥኑሳትን መፃምደንን ክፈልጥዎ ዝግባእ ? ሰላም ኩቡርት ቤተሰብ FB ሎሚ ብፍሉይ ኩነታት መ...
24/07/2025

ኣብ ግዜ ጥንሲ ዝግበር ፆታዊ ርክብ

ኣብ ግዜ ጥንሲ ዝግበር ፆታዊ ርክብ መዓዘ ከም ዝኽልከል ኩለን ጥኑሳትን መፃምደንን ክፈልጥዎ ዝግባእ ?

ሰላም ኩቡርት ቤተሰብ FB ሎሚ ብፍሉይ ኩነታት መብራህርሂ ብዛዕባ ፆታዊ ርክብ ኣብ ግዜ ጥንሲ ኣቅሪበልኩም ኣለኹ:: ናብ ብዙሓት ክበፅሕ follow and share ተሓባበሩ

በኣብ ልሙድ ግዜ ጥንሲ ዝተፈለየ ሓደጋ ኣብ ዘይብሉ ምቾት ጥንስቲ ክሳብ ዝሓለወን ፆቲዊ ርክብ ፍቁድ እዩ።

ኮይኑ ግን፤ ፆታዊ ርክብ ዝኽልከለሉ ወይ ኣቀዲምካ ምስ በዓል ሞያ ምምኻር ዘድልዮም:-

✅🛑 ኣብ ግዜ ጥንሲ ፆታዊ ርክብ ዝኽልክሉ? 🛑

1️⃣ ካብ ማህፀን ደም ምፍሳስ እንተሃልዩ (Vaginal Bleeding)!
�መጠኑ ብዘየገድስ ካብ ማህፀን ምፍሳስ ደም ተሃልዩ ፆታዊ ርክብ ፈፂሙ ኣይፍቀድን:: ደም ምፍሳስ ኣብ ዘጋጥመሉ ግዜ ተሎ ናብ ሑክምና ምኻድ።

2️⃣ ምፍሳስ ቀስታኣንሽቲ እንተጋጢሙ ወይ ጥርጣረ ተሃልዩ ("Water Breaking")!
�ንረኽሲ ማህፀን ስለ ዘቃልዕ ምፍሳስ ቀስታ-ኣንሽቲ እንተጋጢሙ ፆታዊ ርክብ ፈፂሙ ዝተኸሏከለ እዩ።

3️⃣ መዳሕንቲ ኣብ ዘይስሩዕ ቦታ ኣብ ከባቢ በሪ ማህፀን ወይ ናይ ቅድሚት ምርሒት (Placenta Previa) ተኾይኑ!
�ኣብ ጌዜ ፆታዊ ርክብ ንኣደን ዕሸልን ኣብ ሓደጋ ከብፅሕ ዝኽእል መድመይቲ ደም ስለ ዘቃልዕ ፆታዊ ርክብ ፈፂሙ ክልክል እዩ።

4️⃣ ምልሕላሕ በሪ ማህፀን (Cervical Incompetence)!
�ምልሕላሕ በሪ ማህፀን ምህዉ ብበዓል ሞያ ተተረጋጊፁ ወይ ድማ ኣብ ከባቢ 5_8 ወርሒ ቃንዛ ኣልቦ ተደጋጋሚ ምንፃል ጥንሲ እንተሃልዩ ፆታዊ ርክብ ኣይምከርን።

5️⃣ ከሕሉፍ ታሪኽ መዓልቱ ዘይበፅሐ ሕርሲ ወይ ተደጋጋሚ ምንፃል ጥንሲ ተነይሩ ምስ ሓኪም ብምምኻር ዕቃበ ፆታዊ ርክብ ክምከር ይኽእ እዩ።

6️⃣ ልዑል ሕማም ወይ ምቾት ኣደ ዘጓድል ተኾይኑ!

✅ ንሓፈሻዊ ጥዕና ✅

❤️ ኣብ መንጎ መፃምዲ ግልፂ ምርድዳ ክህሉ ይግባእ:- ኣብ ግዜ ጥንሲ ስምዒት ወይ ድሌት ፆታዊ ርክብ ክፈላለ ይኽእል እዩ።

🛌 ካሊእ ምቹዊ ስልቲ (Positions) ምጥቃም:- ኣብፀከባቢ ከብዲ ተፅዕኖ ዘይፈጥርን ጥንቅልዒት ዘይምድቃስን።

✅ መጠቃለሊ

�ኣብ ግዜ ጥንሲ ምስጸፆታዊ ርክብ ዝተሓሓዝ ዝኾነይኹን ስግኣት እንትህሉ ብዘይሕፍረት ምስ ሓኪም ምምኻር የድሊ።

ሓደገኛ ምልክታት ጥንሲ danger signs of pregnancy!1. ዘቀቋርፅ ሕማም ርእሲ Persistent headache2. ቭዥታ ርእየት ዓይኒ Blurred vision or double vi...
23/07/2025

ሓደገኛ ምልክታት ጥንሲ danger signs of pregnancy!
1. ዘቀቋርፅ ሕማም ርእሲ Persistent headache
2. ቭዥታ ርእየት ዓይኒ Blurred vision or double vision
3. ውነ ምስሓት ወይ ዘይስሩዕ ምንቅጥቃጥ ሰውነት Loss of consciousness or abnormal body movement
4. ዘይስሩዕ ሓፈሻዊ ምፍኳስ ሰውነት ብፍላይ ምዕዝዓዝ ገፅን ምሕባጥ ኢድን Generalized swelling of the body especially face and hands
5. ዘይስሩዕ ኣተነፋፍሳ Shortness of breath or difficulty of breathing
6. ቃንዛ ላዕለዋይ ክፋል ከብዲ ወይ ከባቢ ኣፍ ልቢ Right upper quadrant or epigastric pain
7. ትሑት ወይ ልዕሊ ዓቀን ወሰኽ ክብደት Less or excess weight gain
8. ምንቅስቃስ ዕሸል ምቅናስ ወይ ዘይምህላው Decreased fetal movement
9. መድመይቲ ብማህፀን Bleeding per va**nally
10. ዘይስሩዕ ፈሳሲ ብማህፀን Passage/gush of fluid per va**na
11. ሽንቲ ምቅፃል Burning sensation during urination
12. ልዑል መጠን ምዕውልዋልን ተምላስን Excessive nausea and vomiting
ልቢ ይበሉ: ካብዞም ዝተጠቀሱ ሓደ እኳ እንተተኸሲቱ ምስ ሓኪም ምምኻር ወሳኒ እዩ::

ጥንስቲ ድኺ? እንብኣር ከስ ሓንቲ ነብሰ ፆር ወይ ጥንስቲ እዞም ዝስዕቡ ክትፈልጥን ክተተግብርን ይግባእ።1. ዝተመጣጠነ ምግቢ ምምጋብ ይግባእ:ዝተመጣጠነ ምግቢ ንዝተማልአ ጥዕና ንኣደን ንዕሸ...
22/07/2025

ጥንስቲ ድኺ? እንብኣር ከስ ሓንቲ ነብሰ ፆር ወይ ጥንስቲ እዞም ዝስዕቡ ክትፈልጥን ክተተግብርን ይግባእ።

1. ዝተመጣጠነ ምግቢ ምምጋብ ይግባእ:
ዝተመጣጠነ ምግቢ ንዝተማልአ ጥዕና ንኣደን ንዕሸልን ከምኡ እውን ንስሩዕ ኣካላዊ ዕብየት ዕሸል ወሳኒ እዩ::

ስለዚ ዓቅሚ ብዝፈቀዶ ኣብ ዕለታዊ ምግቢ ውሽጢ ዝበሰሉ አትኽልትን ፍራምረን፣ ፀባን ውፅኢት ፀባን፣ ሓይሊ ወሃብትን ሃነፅቲ ምግብታትን ኸማልኡ ይግባእ።

2. እኹል ድቃስን ዕረፍትን ክህልው ይግባእ:: በዚ ሰዓት ሰውነት ንኽሕደስ ይገብር።

3. ተመጣጣኒ ኣካላዊ ምንቅስቃስ ምክያድ ኣብ ግዜ ጥንሲ ስሩዕ ዝውውር ደም ክህሉ ይሕግዝ:: ከምኡ እውን ምርጋ ደም ይቅንስ: ምግቢ ክሓቅቅ ይሕግዝ።

4. ዝተማልአን ስሩዕን ክትትል ጥንሲ ምግባር።

5. እኹል ፈሳሲ ከም ማይ:ፀባ:ፅሟቕ ምውሳድ

6. ካብ 5ይ ወርሒ ጀሚሩ ብጎኒ ምህራስ

7. ተመጣጣኒ ወሰኽ ክብደት ምህላው

8. በኣብ ግዜ ጥንሲ ክኽሰቱ ዝኽእሉ ሓደገኛ ምሏክታት ነፂርካ ምፍላጥን ምስ ዝረኣዩ ምስ በዓል ሞያ ምምኻር

9. ክትባት ምውሳድን ብስሩዕ ምውዳእን

10. ምንቅስቃስ ዕሸል ምክትታልን እዮም

Address

Mekelle

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ገዛና ስፔሻሊቲ ክሊኒክ ማህፀንን ጥንስን Gezana OBGYN specialty Clinic posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share

Share on Facebook Share on Twitter Share on LinkedIn
Share on Pinterest Share on Reddit Share via Email
Share on WhatsApp Share on Instagram Share on Telegram