Bana Specialty Eye Clinic/ፍሉይ ሕክምና ዓይኒ ባና

Bana Specialty Eye Clinic/ፍሉይ ሕክምና ዓይኒ ባና Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Bana Specialty Eye Clinic/ፍሉይ ሕክምና ዓይኒ ባና, Medical and health, ሽረ እንዳስላሰ፡ ካብ ሓየሎም ኣደባባይ ናብ ዞባ ምምሕዳር ኣብ ዝወስድ ኣስፋልት፡ፊት ንፊት ቀይሕ መስቀል ፋርማሲ, Shire Inda Silase.

ፍሉይ ሕክምና ዓይኒ ባና:
√ ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ዝርከብ ኮይኑ ኣብ ከተማ ሽረን ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብን ከባቢኡን ብሕታዊ ስፔሻሊቲ ሕክምና ዓይኒ እዩ
√ ምሉእ ምርመራን ሕክምናን ዓይኒ ፣ሕክምና ሃንደበታዊ ሕማማት ዓይኒ፥ መጥባሕቲ ቀለልትን ከበድትን ሕማማት ዓይኒ ይህብ
√ ብ ክልተ ውህሉል ተሞክሮን ብሉፅ ሞያዊ ብቕዓትን ዝወነኑ ስፔሻሊስት ሓካይም ዓይኒ ግልጋሎት ይህብ
√ ግልጋሎት መነፀር ይህብ

10/05/2026
22/04/2026

Shout out to my newest followers! Excited to have you onboard! Mlaw Ftaneges, Gebrehiwet Teklay, Kiflom Gebre, Teklemariam Gebregziabher, Yebrah Tesfay, Mebrahtom Amare, Tigrean Flag Day, Mulat Embaye, Shewit Alemu, Aregawi Wedi Keshi, Desta Girmay, Kiflay Tewelebrhan, Solomon Gidey, Hãìlê Dëstâ, Tewelde Amaha, Gere Aregay, Teklebrhan Asefa Shire, Teadross Gher, ሰብ መክሰብ, Alem Tewelde, Sara Love, Tsge WelKros, Hayelom Gk, Segen Gidena, ዕባይ ገጠር

 #ንጥዕናዓይኒ  #ካብባህላዊ   #ሕክምናንጠንቀቕ ብሰንኪ ዝተጋገየን ጎዳእን ባህላዊ ሕክምና ዓይኒ (Traditional Eye Medicine) ኣብ ልዕሊ ወገናትና ዝበጽሕ ዘሎ ዓይነስውርነትን...
16/04/2026

#ንጥዕናዓይኒ #ካብባህላዊ #ሕክምናንጠንቀቕ
ብሰንኪ ዝተጋገየን ጎዳእን ባህላዊ ሕክምና ዓይኒ (Traditional Eye Medicine) ኣብ ልዕሊ ወገናትና ዝበጽሕ ዘሎ ዓይነስውርነትን ሕዱር ረኽስን ንምንታይ እዩ?
#ዘጋጥምዘሎዓብዪሓደጋ
ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታትን ገጠራትን ትግራይ፡ ካብ ዓይኒ ባዕዲ ነገር (ንኣብነት ሑፃ ፣ ሓፂን መፂን፣ሓሰር ፣ እሾኽ፣ ግራጭ ወዘተ ) ነውጽእ ኢና ዝብሉ ከምኡ እውን ብባህላዊ መንገዲ ንጠብሕ ኢና ዝብሉ ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ማለት እውን በቢከባቢኡ ከምዘለው ንዕዘብ ኣለና ።
እቲ ሓቂ ግን እዚ ዝስዕብ እዩ፦
ሀ) #ምትላል :
እቶም ኣውጺእናዮ ዝብልዎ ኣእማን ወይ ባዕዲ ነገራት፡ ኣቐዲሞም ኣብ ኢዶም ወይ ኣፎም ወይድማ ኣብ ውሽጢ ጡጥ ይሓብኡዎ። እቲ ሓቂ ግን ዓይኒ ብተፈጥሮኣ ከምዚ ዝበለ መንገፍ ክትጻወር ኣይትኽእልን። ኣብ ዓይኒ መንገፍ እንተዝኣቱ እውን ብጣዕሚ ዘቀንዙ ሰለዝኮነ ግዜ ወሲድካ ናብ ሕክምና እትኸዶ ዘይኮነስ ድንገተኛ ሕክምና ከምዘድልዮ በዓሉ እቲ ቃንዛ እኹል እዩ።
ለ) #ከቢድረኽሲ :
ብዘይፀረዩ ናውቲ (ምላጭ፣ ሳዕሪ፣ ስኒ፣ ኣጻብዕቲ ፣ መልሓስ፣ወረጦ፣ቅርቪ ፣መዓር፣ፀባ፣ካልኦት ዘይፍለጡ ካብ ዝተፈላለዩ ቆፅላ መፅሊ ዝስርሑ ብጥብታ መልክዕ ናብ ዓይኒ ዝግበሩን) ስለዝጥቀሙ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ንዓይኒ ዘዕውር ከቢድ ረኽሲ (Keratitis/Endophthalmitis) የስዕብ።

ሐ) #ምቅዳድዓይኒ :
እቶም ሰባት ብዘይፍልጠት ኣብ ዝገብርዎ ባህላዊ መጥባሕቲ ነቲ ተኣፋፊ ክፋል ዓይኒ (መስትዋት) ስለዝጉዳእ ፈጺሙ ክምለስ ዘይኽእል ዓይነስውርነት የስዕብ ወይ ድማ ዝነበረ ሕማም ዓይኒ ብጣዕሚ ንኽጋደድ ይገብሮ።
እዚ ከም ኣብነት ናይ ዓይኒ ፀገም ኣልዒልና ኣብ ዕለታዊ ስራሕትና ብተደጋጋሚ ንረኽቦም ስለዝኮኑ ዳኣምበር ካብ ዓይኒ ወፃኢ ዘለዉ ባህላዊ ሕክምናታት ምግማት ኣይኸብድን።
ስለዚ ዝኮነ ይኩን ሕማም ዓይኒ እንተጋጥም ቀልጢፍና ናብ ዓይኒ ሕክምና ብምኻድ ዓይንና ካብ ምዕዋር ንከላኸል።

#ስፔሻሊቲሕክምናዓይኒባና
ባና መንገዲ ብርሃን ዓይኖም!!

ሰናይ ትምኒት ካብ ስፔሻሊቲ ሕክምና ዓይኒ ባና‎‎💫እንኳዕ ንመድሓኒትናን ጎይታናን እየሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ በዓል ብሰላም ኣብፀሐኩም ኣብፀሐና ።‎‎☀️ባና መንገዲ ብርሃን ዓይኖም
12/04/2026

ሰናይ ትምኒት ካብ ስፔሻሊቲ ሕክምና ዓይኒ ባና

‎💫እንኳዕ ንመድሓኒትናን ጎይታናን እየሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ በዓል ብሰላም ኣብፀሐኩም ኣብፀሐና ።

‎☀️ባና መንገዲ ብርሃን ዓይኖም

 #ተዓወቲ ፍሉይ ውህብቶ እነሆ ውፂኢት  ፃዕርኹም ዝንገረሉ ሰዓት በፂሑ ኣሎ ክቡራት ቤተሰብ ንኹለኹም ኣብዚ ፔጅ ኣቲኺም like, follow,share እና comment ዝሃብኩምና ብሽም ስፔ...
11/04/2026

#ተዓወቲ ፍሉይ ውህብቶ

እነሆ ውፂኢት ፃዕርኹም ዝንገረሉ ሰዓት በፂሑ ኣሎ ክቡራት ቤተሰብ ንኹለኹም ኣብዚ ፔጅ ኣቲኺም like, follow,share እና comment ዝሃብኩምና ብሽም ስፔሻሊቲ ሕክምና ዓይኒ ባና ልባዊ ምስጋና ይብፃሕኩም።
ድሕሪ ብጣዕሚ ንሕንሕ ዝተመልኦ ውድድር ተዓወቲ ዝኮንኩም እንኳዕ ደስ በለኩም እናበልና ምስ በዝሒ like ከምዚ ዝስዕብ ተቑሚጡ ኣሎ።
1) ቀዳማይ ተዓወታይ
ኣብርሃ ፍስሃ 960 likes
2) ካልኣይ ተዓዋቲ
Wedi Belay 945 likes
3) ሳልሳይ ተዓዋቲ
ብርሃነ ፍቅረ 856 likes
ደጊምና ንተዓወቲ እንኳዕ ደስ በለኩም እናበልና
ንኩለኩም ኣመንቲ ክርስትና ርሑስ በዓል ፋሲካ ።

ባና መንገዲ ብርሃን ዓይኖም!!

1 መዓልቲ ቀርይዎ... ሕቶታት ይመልሱ፡ ይሸልሙ። like, share, follow ኣይረስዑ፡ 👓 👓 👓 ይሸልሙ።
10/04/2026

1 መዓልቲ ቀርይዎ... ሕቶታት ይመልሱ፡ ይሸልሙ። like, share, follow ኣይረስዑ፡ 👓 👓 👓 ይሸልሙ።

ፍሉይ ሽልማት 🙏
‎ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ ስፔሻሊቲ ሕክምና ዓይኒ ባና ሽልማት ዘለዎ ቻሌንጅ ኣዳልዩ ኣሎ። ስለዚ ነዚ ናይ ባና ፔጅ ኣብ ኮሜንት ብዛዕባ ስፔሻሊቲ ሕክምና ዓይኒ ባና ዝደለይዎ ፅሑፍ ፅሒፎም÷ በዝሒ ላይክ ዝረኸቡ ን 3 ሰባት ክንሽልም ኢና።

እቲ ቻሌንጅ ክሳብ ቀዳም ዕለት 3/08/2018ዓ.ም ሰዓት 10:00 ድሕሪ ቀትሪ ዝፀንሕ እዩ።

ዝርዝር ሽልማት
‎1ይ በዝሒ ላይክ ንዝረኸበ Blue cut glass
‎2ይ በዝሒ ላይክ ንዝረኸበ photosolar with ARC
‎3ይ በዝሒ ላይክ ንዝረኸበ photosolar glass ሽልማት ክንህብ ኢና.

ተወሰኽቲ ሕግታት
1. ንናይ ባና page like, follow እና share ክብሉ ኣለዎም
2.ተመሳሳሊ ውፅኢት ንዝረኸቡ ቀዲሙ ንዝፀሓፈ ተሸላሚ ይቕውን።

‎❤ርሑስ በዓል ትንሳኤ🙏

ፍሉይ ሽልማት 🙏‎ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ ስፔሻሊቲ ሕክምና ዓይኒ ባና ሽልማት ዘለዎ ቻሌንጅ ኣዳልዩ ኣሎ። ስለዚ ነዚ ናይ ባና ፔጅ  ኣብ ኮሜንት ብዛዕባ ስፔሻሊቲ  ሕክምና ዓይኒ ባና ዝደለ...
08/04/2026

ፍሉይ ሽልማት 🙏
‎ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ ስፔሻሊቲ ሕክምና ዓይኒ ባና ሽልማት ዘለዎ ቻሌንጅ ኣዳልዩ ኣሎ። ስለዚ ነዚ ናይ ባና ፔጅ ኣብ ኮሜንት ብዛዕባ ስፔሻሊቲ ሕክምና ዓይኒ ባና ዝደለይዎ ፅሑፍ ፅሒፎም÷ በዝሒ ላይክ ዝረኸቡ ን 3 ሰባት ክንሽልም ኢና።

እቲ ቻሌንጅ ክሳብ ቀዳም ዕለት 3/08/2018ዓ.ም ሰዓት 10:00 ድሕሪ ቀትሪ ዝፀንሕ እዩ።

ዝርዝር ሽልማት
‎1ይ በዝሒ ላይክ ንዝረኸበ Blue cut glass
‎2ይ በዝሒ ላይክ ንዝረኸበ photosolar with ARC
‎3ይ በዝሒ ላይክ ንዝረኸበ photosolar glass ሽልማት ክንህብ ኢና.

ተወሰኽቲ ሕግታት
1. ንናይ ባና page like, follow እና share ክብሉ ኣለዎም
2.ተመሳሳሊ ውፅኢት ንዝረኸቡ ቀዲሙ ንዝፀሓፈ ተሸላሚ ይቕውን።

‎❤ርሑስ በዓል ትንሳኤ🙏

ሆሳዕና በአርያም፡ ሆሳዕና ለወልደ ዳዊት፡ ብሩክ ለሚመጣ በስመ እግዚአብሔር፡ ሆሳዕና በሰማያት።እንኳዕ ኣብፀሓኩም
05/04/2026

ሆሳዕና በአርያም፡ ሆሳዕና ለወልደ ዳዊት፡ ብሩክ ለሚመጣ በስመ እግዚአብሔር፡ ሆሳዕና በሰማያት።
እንኳዕ ኣብፀሓኩም

Address

ሽረ እንዳስላሰ፡ ካብ ሓየሎም ኣደባባይ ናብ ዞባ ምምሕዳር ኣብ ዝወስድ ኣስፋልት፡ፊት ንፊት ቀይሕ መስቀል ፋርማሲ
Shire Inda Silase

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Bana Specialty Eye Clinic/ፍሉይ ሕክምና ዓይኒ ባና posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share