ስፔሻሊቲ ክሊኒክ ሕክምና ዓይኒ ብሩህ ተስፋ-Biruh Tesfa Eye Specialty Clinic

  • Home
  • Ethiopia
  • Axum
  • ስፔሻሊቲ ክሊኒክ ሕክምና ዓይኒ ብሩህ ተስፋ-Biruh Tesfa Eye Specialty Clinic

ስፔሻሊቲ ክሊኒክ ሕክምና ዓይኒ ብሩህ ተስፋ-Biruh Tesfa Eye Specialty Clinic ኣድራሻ: ኣኽሱም: ፊት ን ፊት ሓይሊ መብራህቲ

መጥባሕቲ : ምርመራን ሕክምናን: ስራሕቲ መነፀራት...

Mob: +251910789293

19/04/2025

ርሑስ ብዓል ፋሲካ!

Happy Easter!

02/04/2025

Shout out to my newest followers! Excited to have you onboard! Tigray Agazian Civilization, Teklay Tewelde Medhin, Melkea Man, Haile M Asmelash, Aklilu Brhane, Mo Sallah, Kulu Ab Lbey, Kibrom Hadush, Haile Tsegay, Haftom Kahsay, Ablelom Muruts, Fanual Agete, Afewerki Beyene, Dawit Fisha, ኣሹ ወልዋሎ, Ãłĕx Äł, Alemseged Gebregeworgs, Solyana Lave, ምንባር ንጉሆ ንግሆ ምጅማር, Hadush Brhane, Tsgab Gebru, Aregawi G-mariam, Amit Tsegabrhan, ስራሕቲ ፅሬት ሶፋ ኣንከረ, Tesfsh Wedi Haleka, Temesgen Hafte, Ashenafi Gebreslassie, Brhane Meskel Geremeskel, Selam Meresa, Gebreamilak Girmay Berhe, Mhret Brhane, Hagos Nguse, Tblets Brhane, Goitom Welay, Hareg Alem, To Gn, ራስ ስዩም ወዲቐሺ ኣረፋይነ, Berihu Tsehaye, Yeshealm Tadele, Hagos Desta, Fitwi Assefa, ወድስኒ ድንግል ልጄበይኝ ወድቅሺ, Hailush Gebrehiwet, Tsegay Abrha, Sosena Menalow, Haftay Hagos, Dani Love, Kflay Brhane, Merhawit Zenebe, Dawit Ft

30/03/2025

ዒድ ሙባረክ !!
Eid Mubarak!!

06/01/2025

ርሑስ በዓል ልደት !!

Merry Christmas !!

ምልክታ ስራሕ
19/12/2024

ምልክታ ስራሕ

ርሑስ ሓዱሽ ዓመት !!Happy New Year !!
10/09/2024

ርሑስ ሓዱሽ ዓመት !!

Happy New Year !!

ስፔሻሊቲ ሕክምና ዓይኒ ብሩህ ተስፋ ዘመናውን ብሕታውን ናይ ዓይኒ ኣልትራሳውንድ(B-scan Ultrasound ) ብምእታው ሙሉእ ናይ ዓይኒ ሕክምና ኣገልግሎት ኣብ ከተማ ኣኽሱም እናህብና ከም...
05/08/2024

ስፔሻሊቲ ሕክምና ዓይኒ ብሩህ ተስፋ ዘመናውን ብሕታውን ናይ ዓይኒ ኣልትራሳውንድ(B-scan Ultrasound ) ብምእታው ሙሉእ ናይ ዓይኒ ሕክምና ኣገልግሎት ኣብ ከተማ ኣኽሱም እናህብና ከምእንርከብ ክነበስር ንፎቱ::

ብዶ/ር ተስፋኣለም ሓጎስስፔሻሊስት ሕክምና ዓይኒሓደጋታት ዓይኒ(Ocular Trauma)*************************************ዓይኒ ብዝተፋላለዩ ምኽንያታት ሓደጋ ክበፅሖ ይ...
10/05/2024

ብዶ/ር ተስፋኣለም ሓጎስ
ስፔሻሊስት ሕክምና ዓይኒ

ሓደጋታት ዓይኒ(Ocular Trauma)
*************************************

ዓይኒ ብዝተፋላለዩ ምኽንያታት ሓደጋ ክበፅሖ ይኽእል።
እዞም ሓደጋታት ድማ ኣብ ዓይንና ዝተፋላለዩ ሽግራት ይፈጥሩ ። ካብዚኦም

ምቕዳድ ግድግዳ ኩዕሶ ዓይኒ (Penetrating/Perforating Globe
Injury)
----------------------------------------------------

እዚ ብሌን ዓይኒ ወይ ድማ ረጒድ ፃዕዳ ግድግዳ ኩዕሶ ዓይኒ ክቅደድ እንከሎ እዩ። እዚ ምስ ዘጋጥም ኣብ ውሽጢ ኩዕሶ ዓይኒ ዝርከቡ ክፍልታት ዓይኒ ድማ በቲ ዝተቐደደ ግድግዳ ንደገ ክወፅኡ ይኽእሉ እዮም።

እዚ ዓይነት ሓደጋ ከም ዝበፀሐና ብኸመይ ንፈልጦ??

# ናይ ምርኣይ ክእለት ምቅናስ
# ቃንዛ ዓይኒ ምህላው
# ኣብ ዓይንና ፀሊም ነገር ብግድግዳ ዓይኒ ናብ ደገ ዝወፀ ነገር ምርኣይ
# ቅርፂ መርዓት ዓይንና ካብ ክቢ ወፃኢ ምኳን.....

ስለዝኾነ ድማ እዚ ሓደጋ ምስ ዘጋጥመና:-

ፍፁም ክንገብሮም ዘይብልና ነገራት


@ ኣብ ዓይንና መጠንን ዓይነትን ጉድኣት ንምርኣይ ኢልና ዓይኒ ብኢድ ብሓይሊ ብምኽፋት ኣብ ኩዕሶ ዓይኒ ፀቅጢ ምግባር ኣየድልን; እቲ ናይ ውሽጢ
ክፍሊ ዓይኒ ንደገ ንኽወፅእ ስለዝገብር(ምንም ዓይነት ምንኽኻእ ኣየድልን)

@ ምንም ነገር ( ናይ ዓይኒ መድሓኒት
ነጣቢታት ሓዊሱ) ናብ ዓይኒ ምግባር
ኣየድልን።

ክንገብሮም ዘሎና ነገራት

@ ካብ ናይ ዓይኒ ሕክምና ዝወሃበሉ ትካል ርሑቕ እንተኾይኖም ናብ ቀረበኦም ናብ ዘሎ ጥዕና ትካል ብምኻድ ደረቅ ናይ ዓይኒ ጋሻ(shield)ምግባርን ናይ ረኽሲ መከላኸሊ ዝዋሓጥ መድሓኒት ምውሳድን

@ ንዓቀብ ዘብሎም እንተኾይኑ ፡ ነዚ ዝቅንስ መድሓኒት ምውሳድ(ዘይተደልየ ፀቅጢ ኣብ ዓይኒ ንዘይምፍጣር)

@ ብቕልጡፍ ናብ ናይ ዓይኒ ሕክምና ዝዋሃበሉ ትካል ብምኻድ(ዋላ ሓንቲ ደቂቃ ምብኻን ኣየድልን) ግቡእ ናይ ዓይኒ ሕክምና ምርካብ

ናይ ኬሚካል(ቤዝ ወይ ድማ ኣሲድ) ሓደጋ ዓይኒ( Chemical Eye Injury)
----------------------------------------------------

እዚ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ(ኢንዳስትርታት: ጋራዣት...): ቆልዑ ክጫወቱ እንከለዉ ዝተፋላለዩ ባትርታት(ናይ መኪና: ናይ ሞባይል...) ኣብ ዝቅጥቕጥሉ ግዜ ወይ ድማ ብዝተፋላለየ ኣጋጣሚታት ኬሚካላት ናብ ዓይኒ ክኣትዉ እንከለዉ ዝፍጠር ናይ ዓይኒ ሓደጋ እዩ።


እዚ ኣብ ዘጋጥመሉ ግዜ ልክዕ ዓይኒ ምስ ነኽኡ ቶሎ ንናይ ዓይኒ ክፍልታት ናይ ምቅፃል ባህሪ ስለዘለዎምን ተሎ ናብ ውሽጢ ኩዕሶ ዓይኒ ብምእታውን ሓያል ቁስለት ብምፍጣርን ብቕልጡፍ ዓይኒ ስለዝጎድኡ:-

ብቕልጡፍ ብኣብ ቀረባና ዘሎ ብኣንፃራዊ ንዓይኒ ዘይጓዳእ እንብሎ ፈሳሲ ሙሉእ ንሙሉእ ውሽጢ ዓይንና ምሕፃብ(ናይ ሕክምና ሳላይን ወይ ድማ ፅሩይ ማይ እንተሃልዩ ዝበለፀ ይኸውን)

ካብዚ ቐፂሉ ብቅልጡፍ ናብ ናይ ዓይኒ ሕክምና ዝዋሃበሉ ትካል ብምኻድ ግቡእ ሕክምና ምግባር( ናብ ካሊእ ብምካድ ብርሃን ዓይኒ ምስኣን ኣየድልን)

ስፔሻሊቲ ክሊኒክ ሕክምና ዓይኒ ብሩህ ተስፋ

ኣድራሻ: ኣኽሱም: ፊት ን ፊት ሓይሊ
መብራህቲ

ሞባይል: 0910789293/0902290029

04/05/2024

ርሑስ በዓል ፋሲካ !!

HAPPY EASTER!!

ብዶ/ር ተስፋኣለም ሓጎስስፔሻሊስት ሕክምና ዓይኒሃንደበታዊ ዓይነት ግላኮማ ዓይኒ(Acute Angle closure  glaucoma):::::::::::::::::::::::::::::::::::::::...
01/05/2024

ብዶ/ር ተስፋኣለም ሓጎስ
ስፔሻሊስት ሕክምና ዓይኒ

ሃንደበታዊ ዓይነት ግላኮማ ዓይኒ(Acute Angle closure glaucoma)
:::::::::::::::::::::::::::::::::::::::::::::::::::::::::::::

እዚ ዓይነት ግላኮማ ብሃንደበት ናይ ዓይንና መጠን ፀቕጢ (ድፍኢት ዓይኒ) ብምውሳኽ ኣብ ዓይኒ ዝተፋላለዩ ጉድኣታትን ምልክታትን የስዕብ።

ምልክታት
""""""""""''''''
@ ሓያል ፍልፀት ርእሲ
@ ምዕውልዋልን ንዓቐብ ምባልን
@ ሓያል ቓንዛ ዓይኒ
@ ናይ ምርኣይ ክእለት ምቕናስ
@ መቐነት- እነይማርያም ዝመስል ሕብሪ ምርኣይ
@ ምቕያሕ ዓይኒ...

እዚ ሕማም ከም ሽሙ ብሃንደበት ዝመጽእን ብቅልጡፍ ዓይንና ዝጎድእን እዩ።

ነዚ ሕማም ዝተቃልዑ መን እዮም?
""""''''"""""''''"""""""""""""""""""""'''''''''''''"""""
@ዕድመኦም ካብ 40 ንላዕሊ ዝኾኑ
@ ደቂ ኣንስትዮ
@ናይ መንፀር ሽግር ዘለዎም ሰባት(Hyperopics)
@ ኣብ ቀረባ ቤተሰቦም እዚ ሕማም ዝነበሮም

ብኸመይ ይሕከም?
"""""""'''''''''''"""""""'"''"""""
@ እዞም ምልክታት ምስዝረአዩና እንተተካኢሉ ብቕልጡፍ ናብ ሕክምና ዓይኒ ዝዋሃበሉ ቦታ ብምኻድ

*** ብነጣቢን ዝዋሓጡ መድሓኒታትን ብምውሳድ እቲ ድፍ ኢት ዓይኒ ብምቕናስ ናብቲ ቕፃላይ መጥባሕታዊ/ናይ ጨረር ሕክምና ብምግባር ብርሃን ዓይንና ምምላስ እዩ።

ኣብዚ ምምላስ ናይ ምርኣይ ክእለት ምስ ቐልጢፍካ ምሕካምን ዘይምሕካምን ይውሰን።

ዒድ ሙባረክ ንመላእ ሰዓብቲ እስልምና !!
09/04/2024

ዒድ ሙባረክ ንመላእ ሰዓብቲ እስልምና !!

11/02/2024

ብዘመናዊ መሳርሕታት ዓይኒን ልምዲ ብዘለዎም ስፔሻሊስት ሕክምና ዓይኒን ተሓጊዝና ሙሉእ ግልጋሎት ሕክምና ዓይኒ ኣብ ከተማ ኣኽሱም እናሃብና ንርከብ::

እንህቦም አገልግሎት

[ ] መጥባሕቲ ስብሒ ዓይኒ
[ ] ሕክምና ግላኮማ
[ ] ምስትኽኻል ምዕፃው ቱቦ ንብዓት
[ ] ምውጋድ ሕበጣት ዓይኒ
[ ] ምውጋድ ዓፅሚ ዓይኒ
[ ] ምስትኽኻል ምንሽውራር ዓይኒ
[ ] ሕክምና ሓደጋ ዓይኒ
[ ] መጥባሕቲ ፀጉሪ ዓይኒ
[ ] ሕክምና ረኽስታት ዓይኒ
[ ] ምልካዕን ስራሕትን መነፀራት
[ ] ብሕማማት ሸኮርያን ልዑል ፀቕጢ ደምን
ዝመፁ ሕማማት ዓይኒ ምርመራን ክትትልን
[ ] ምኽርን ክትትልን ጥዕና ዓይኒ
[ ] ካልኦትን.....

ስፔሻሊቲ ክሊኒክ ሕክምና ዓይኒ ብሩህ ተሰፋ

አድራሻ: ኣኽሱም : ፊት ንፊት ሓይሊ
መብራህቲ
ስልኪ:0910789293/0902290029

Address

Axum

Opening Hours

Monday 08:00 - 22:00
Tuesday 08:00 - 22:00
Wednesday 08:00 - 22:00
Thursday 08:00 - 22:00
Friday 08:00 - 22:00
Saturday 08:00 - 22:00
Sunday 08:00 - 06:00

Telephone

+251910789293

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ስፔሻሊቲ ክሊኒክ ሕክምና ዓይኒ ብሩህ ተስፋ-Biruh Tesfa Eye Specialty Clinic posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Practice

Send a message to ስፔሻሊቲ ክሊኒክ ሕክምና ዓይኒ ብሩህ ተስፋ-Biruh Tesfa Eye Specialty Clinic:

Share

Share on Facebook Share on Twitter Share on LinkedIn
Share on Pinterest Share on Reddit Share via Email
Share on WhatsApp Share on Instagram Share on Telegram