Bana Hospital Mekelle

Bana Hospital Mekelle Healing Hands ,Caring Hearts !
ንዝሓሸ ግሎጋሎት ጥዕና ፣
ሆስፒታል ባና።

02/03/2026
16/02/2026

ሀርንያ (Hernia) ዝበሃል፡ ሓደ ክፍሊ ውሽጣዊ ኣካል (መብዛሕትኡ ግዜ መዓንጣ ወይ ስብሒ) ብሰንኪ ድኻም ወይ ክፍተት ጭዋዳታት ግድግዳ ኸብዲ ተደፊኡ ናብ ደገ ክወፅእ ከሎ እዩ።

ብዛዕባ ሀርንያ ክትፈልጥዎም ዝግበኡ ቀንዲ ነጥብታት፦

1. ዝተለመዱ ዓይነታት ሀርንያ
📌ኢንጉዊናል (Inguinal hernia): ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ኸብዲ ወይ ጭርንጭራ ዝፍጠር ኮይኑ፡ ኣብ ሰብኡት ብብዝሒ ይርአ።

📌ናይ ሕምብርቲ (Umbilical hernia): ኣብ ከባቢ ሕምብርቲ ዝወፅእ ኮይኑ፡ ኣብ ህፃናትን ነፍሰፁር ኣዴታትን ልሙድ እዩ።
📌ኣብ ኣፍ ልቢ ( epigastric hernia)

📌ናይ ጨጓራ (Hiatal hernia): ላዕለዋይ ክፍሊ ጨጓራ ናብ ክፍሊ ደረት ክድፋእ ከሎ።

📌ድሕሪ መጥባሕቲ ዝፍጠር (Incisional hernia): ቀደም መጥባሕቲ ኣብ እተገብረሉ ቦታ ጭዋዳታት ምስ ዝደኽሙ ዝፍጠር እዩ።

2. ቀንዲ ምልክታት
✍️ ሕበጥ...ብፍላይ ጠጠው እንትብል: ኣብ ስራሕ ግዘን እንትስዕልን ዝውስኽ

✍️ ኣብቲ ሕበጥ ዘለዎ ቦታ ዝስመዕ ናይ ምውጋእ ወይ ምጉሳጥ ቃንዛ

✍️ ናይ ምኽባድ ወይ ናይ ፀቕጢ ስምዒት

3. ጠንቅታት
ሀርንያ ብሃንደበት ወይ ድማ ቀስ ብቀስ ክመፅእ ይኽእል፦

📌ብተደጋጋሚ ከቢድ ነገራት ምልዓል

📌ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ስዓል (ኣብ ከብዲ ፀቕጢ ስለ ዝፈጥር)።

📌ኣብ ግዜ ሽንቲ ወይ ቀልቀል ኣዝዩ ልዑል ዒሕታ (Straining)

📌ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ (Obesity)

📌 ናይ ከብዲ መጥባሕቲ

4. ሕክምና
ሀርንያ ባዕሉ ክሓዊ ኣይኽእልን እዩ።

መጥባሕቲ፦ እንኮን ቀዋምን ፍታሕ ይህብ

ዶ/ር አሽናፊ ኪሮስ
ስፔሻሊስት ሓፈሻዊ መጥባሕቲ

https://vt.tiktok.com/ZSmFWeoTW/
12/02/2026

https://vt.tiktok.com/ZSmFWeoTW/

53 likes, 7 comments. “አድራሻና:መቐለ ዓዲ ሓውሲ ካብ መስቀለኛ ትራፊክ መብራህቲ ናብ ደስታ ሆቴል አብ ዝወስድ አስፋልት ንርከብ”

❎ መዓር ንህፃናት
08/02/2026

❎ መዓር ንህፃናት

101 likes, 9 comments. “ ”

Address

መቐለ ዓዲ ሓውሲ ፣ካብ መስቀለኛ ትራፊክ መብራህቲ ናብ ደሰታ ሆቴል ኣብ ዝወስድ ዋና ኣስፋልት ንርከብ።
Mekelle

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Bana Hospital Mekelle posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share

Share on Facebook Share on Twitter Share on LinkedIn
Share on Pinterest Share on Reddit Share via Email
Share on WhatsApp Share on Instagram Share on Telegram

Category