ፊዝዮቴራፒ ስፔሻልቲ ክሊኒክ ፅዮን-Tsion physiotherapy speciality clinic

  • Home
  • Ethiopia
  • Mekelle
  • ፊዝዮቴራፒ ስፔሻልቲ ክሊኒክ ፅዮን-Tsion physiotherapy speciality clinic

ፊዝዮቴራፒ ስፔሻልቲ ክሊኒክ ፅዮን-Tsion physiotherapy speciality clinic Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from ፊዝዮቴራፒ ስፔሻልቲ ክሊኒክ ፅዮን-Tsion physiotherapy speciality clinic, Medical and health, Mekelle.

30/10/2025
29/10/2025

Big shout-out to my newest top fans! Yared Gebrehiwet Berhe, Temesgen G Meskel

27/10/2025

ዘውድቕ ሕማም(Epilepsy )ዘለዎ ሰብ ክወድቕ ከሎ ክግበሩ ዝግበኦምን ዘይግበኦምን ነገራት

✍️ክግበሩ ዝግበኦም ነገራት(Do's of epilepsy )

1.ንዕኡ ክጎድኡ ዝኽእሉ ነገራት ካብ ጥቓኡ ምልዓል።

2.ኦክስጅን ክረክብ ምግባር ወይ ዘይምኽባብ።

3.ዝተጣበቐ ክዳን፡ማዕተብ ካልኦት ነገራትን ምልሕላሕ።

4.ብፀጋማይ ጎኒ ብምድቃስ ፡ትሕቲ ሪእሱ ልስልስ ዝበለ ነገር ምግባር፡ምኽንያቱ እቲ ዓፍራ ናብ ሳምብኡ ክኣቲ ዝለዝኽእል(aspiration)።

5.እቲ ዝወደቐሉ ቦታ ሓደገኛ(ማይ ፡ሓዊ ካልኦትን እንተኾይኑ ካብኡ ምልዓል።

6.ክሳብ ዝነቅሕ ምስኡ ምፅናሕ።

✍️ክግበሩ ዘይግበኦም(Don'ts of epilepsy )

1.ክሪብት ምቅፃል፡ዘውድቅ ሕማም ብዙሕ ዓይነት እንትኸውን ግዜኡ ውድኡ እቲ ሰብ ይነቅሕ እምበር፡ክርብት አየልዕሎን።

2.ምሓዝን ምንቅጥቃጥ ጠጠው ንምባል ምሙካሪን፡ዘይምምጥጣን መዓድናት ሰውነትና ክህሉ ስለዝኽእል፡ሰብራት የጋጥም።

3.ምንም ነገር ናብ አፍ እቲ ሰብ ዘይምእታው።

4.ፈሳሲ ምሃብ ምኽንያቱ ናብ ሳንብኡ ክኣቲ ስለዝኽእል።

ወዘተ....

23/10/2025

✍️ጥንስቲ ብኸመይ ኣንፈት ክትድቅስ ኣለዋ?
=========================
ኣብ እዋን ጥንሲ እቲ ዝበለፀን ዝምከርን ናይ ድቃስ ኣቀማምጣ፡ ብጸጋማይ ሸነኽ ምድቃስ እዩ።
ስለምንታይ

💤 ጸጋማይ ሸነኽ (ዝበለጸ ኣቀማምጣ)
❤ ንዋሕዚ ደም ናብ ሽንቲ ዕሸልን ህጻንን የመሓይሽ። (It improves blood flow to the placenta and the baby.)
❤ ካብ ታሕተዋይ ኣካላት ደም ናብ ልቢ ዝመልስ ዓቢ ሰራውር ደም(inferior vena cava) ምጽቃጥ ይከላኸል። እቲ ቐንዲ ምኽንያት እውን እዙይ እዩ።

⚠️ ሳዕቤን ምፅቃጥ ታሕተዋይ መላሲ ደም

1. ምቕናስ ጸቕጢ ደም (ምውራድ ጸቕጢ ደም ኣዴታት)

2. ምውራድ ዋሕዚ ደም ማህጸን → ምቕናስ ቀረብ ኦክስጅን ናብ ዕሸል

3. ምትእኽኻብ ደም ኣብ እግሪ → ሕበጥ፡ ቫሪኮስ ቨይን፡ ከምኡ’ውን ምድንዛዝ
❤ ሕበጥ እግሪ፣ ቁርጭምጭሚትን እግርን ይቕንስ።
❤ ንስራሕ ኩሊት ይሕግዝ፣ ዝሓሸ ምውጋድ ጓሓፍ የደንፍዕ(promoting waste elimination)።

😴 የማናይ ሸነኽ (ቅቡል ኣማራፂ)
❤ ውሑስ’ውን’ዩ ግን ከም ጸጋማይ ሸነኽ ምቹው ኣይኮነን።
❤ ንነዊሕ እዋን ብየማናይ ጎኒ ምድቃስ ብሰንኪ ቅልል ዝበለ ምፅቃጥ ቬና ካቫ ምምላስ ደም ብመጠኑ ከጉድሎ ይኽእል።

⚠️ ብፍፁም ዘይምከሩ ኣደቓቕሳ

🖕ብሕቖ ምድቃስ (Spine position)፤

❤ ኣብ ቬና ካቫ ጸቕጢ ይፈጥር → ዋሕዚ ደም ናብቲ ህጻን ይቕንስ።

❤ ምዛር፡ ሕጽረት ትንፋስን ትሑት ጸቕጢ ደምን ከስዕብ ይኽእል።

🖕ብከብዲ ምድቃስ(Prone position)፤

ጥንሲ እናሰጎመ ምስ ከደ ዘይከኣል ወይ ውሑስ ኣይኮነን ምኽንያቱ ኣብ ማህጸንን ዕሸልን ጸቕጢ ስለ ዝፈጥር

🌷ጥንስቲ ብዙሕ ስራሕ ክትሰርሕ የብላን ምኽንያቱ ብዙሕ ትሰርሕ እንተድኣ ኮይና ድኻም ተሰሚዕዋ ብሕቆ ናይ ምድቃስ ተኽእሎታት ስለ ዘሎ። መጠነኛ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክትገብር ግን ግድን።
🌷ናይ በዓል ገዝኣ ምክትታል እውን ግድን እዩ። ጥንሲ ብባዕሉ ብጣዕሚ ኣድካሚ ስለ ዝኾነ ብሕቆኣ ደቂሳ ከይትኸውን ምርግጋፅ እንተደቂሳ ብፀጋማይ ጎና ክትድቅስ ምሕባር።
🙏 ሰናይ መዓልቲ🙏

17/10/2025

ሄፓታይተስ ቢ(ዒፍ ሽዋ)

መእተዊ:

ሄፓታይተስ ቢ ኣብ መላእ ዓለም ርኡይ ስክፍታ ጥዕና ኮይኑ፡ ንሚልዮናት ሰባት ዝጸሉን ኣብ ስርዓታት ክንክን ጥዕና ዓብዪ ፀገም ዝፈጥርን እዩ። እዚ ፅሑፍ እዚ ንሕብረተሰብ ብዛዕባ ሄፓታይተስ ቢ ኣገዳሲ ሓበሬታ ንምሃብ ዝዓለመ ኮይኑ፣ ጠንቁ፡መተሓላለፊ መንገዲታት፣ ምልክታት፣ ምክልኻልን ዝርከብ ሕክምናታትን ዝሓወሰ እዩ። ውልቀሰባት መሰረታዊ ሕማም ሄፓታይተስ ቢ ብምርዳእ፣ ንነብሶም ንምክልኻልን ሓፈሻዊ ፅቡቕ ሂወት ማሕበረሰቦም ንምድንፋዕን ንጡፋት ስጉምትታት ክወስዱ ይግባእ።

1. ሄፓታይተስ ቢ እንታይ እዩ?

ሄፓታይተስ ቢ ብቐንዱ ንፀላም ከብዲ ዘጥቅዕ ረኽሲ ቫይረስ እዩ። ብሰንኪ ቫይረስ ሄፓታይተስ ቢ (HBV) ዝመፅእ ኮይኑ፣ ናብ ሕዱር ሕማም ፀላም ከብዲ ከብፅሕ ይኽእል። ሕዱር ሄፓታይተስ ቢ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሑ ፀገማት ከም ሲሮሲስ ፀላም ከብዲ፡ መንሽሮ ፀላም ከብድን ውድቀት ፀላም ከብድን ከስዕብ ይኽእል።

2. ዝመሓለለፈሉ መንገድታት

ሄፓታይተስ ቢ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክመሓላለፍ ይኽእል እዩ፣ ንሳቶም ድማ፤

ሀ) ምስ ዝተለኽፈ ደም ወይ ፈሳሲ ኣካላት ምትንኻፍ፡ ንኣብነት ስዲ ፆታዊ ርክብ(መከላኸሊ ዘይብሉ ጾታዊ ርክብ)፣ ሓንቲ መርፍእ ካብ ሓደ ሰብ ንላዕሊ ምጥቃም፣ ወይ ካብ ዝተለኽፈት ኣደ ናብ ሓድሽ ውላዳ ኣብ እዋን ሕርሲ ከጋጥም ይኽእል።

ለ) ምስ ዝተለኽፈ ሰብ ብቐረባ ርክብ ምግባር፡ ንኣብነት ናይ ስኒ ብሩሽ ሓቢርካ ምጥቃም ወይ መላፀ ሓቢርካ ምጥቃም።

3. ምልክታት ሕማም፤

ምልክታት ሄፓታይተስ ቢ ክፈላለ ይኽእል እዩ፣ ገለ ውልቀሰባት ድማ ፈፂሞም ዝኾነ ምልክታት ከየጋጥሞም ይኽእል። ልሙዳት ምልክታት፣

ሀ) ስምዒት ድኻም
ለ) ምብጫው ቆርበትን ዓይንን
ሐ) ቃንዛ ከብዲ ወይ ስምዒት ዘይምቹውነት
መ) ምጉዳል ሸውሃት ምግቢ
ሠ) ረስኒን ተምላስን
ረ) ፀሊም ሽንቲን ፍሕሹው ሰገራን

4. መከላኸሊ መንገዲታት፤

ገለ ኣገደስቲ መከላኸሊ ስጉምትታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፤

ሀ) ክታበት፡- ክታበት ሄፓታይተስ ቢ ኣዝዩ ውፅኢታዊ ኮይኑ፣ ንኹሎም ቅድሚ ሕጂ ዘይተኸተቡ ዕሸላት፡ ህፃናትን ዓበይትን ዝምከር እዩ።

ለ) ውሑስ ፆታዊ ርክብ፡- ከም ኮንዶም ዝኣመሰሉ መከላኸሊ ሜላታት ምጥቃም ንሓደጋ ምትሕልላፍ ሄፓታይተስ ቢ ክከላኸል ይኽእል።

ሐ) መርፍእ ብሓባር ዘይምጥቃም፦ ሓደ መርፍእ ንሓደ ሰብ ጥራሕ ብምጥቃም ካብ ምትሕልላፍ ፈሳሲ ምክልኻል ይከኣል።

መ) ብግቡእ ኣተሓሕዛ ደምን ፈሳሲ ኣካላትን፡- ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ወይ ምስ ደም ዝራኸቡ ውልቀሰባት ተቓላዓይነት ንምንካይ ጥንቃቐታት ክገብሩ ይግባእ።

5. ምርመራ፤

መርመራ ሄፓታይተስ ቢ፡ ምስቲ ቫይረስ ዝተኣሳሰሩ ፍሉያት ኣንቲጀናትን ፀረ-ኣካላትን ምህላዎም ዘረጋግጽ መርመራ ደም የጠቓልል። ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ንዝርከቡ ውልቀሰባት ከም ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና፣ ብዙሓት ፆታዊ መፃምድቲ ዘለዎም ውልቀሰባትን ኣብ ልዑል ዝርገሐ ሄፓታይተስ ቢ ኣብ ዘለዎም ዞባታት ዝተወልዱን ምርመራ ክገብሩ ይምከር።

6. ሕክምና፤

መብዛሕትኡ ግዜ ሕዱር ሄፓታይተስ ቢ ብደጋፊ ክንክን ባዕሉ ይፍታሕ። ይኹን እምበር ሕዱር ሕማም ሄፓታይተስ ቢ ቀፃሊ ሕክምናዊ ምሕደራ የድልዮ። ፀረ-ቫይረስ መድሓኒታት ነቲ ቫይረስ ብምጥቃዕ ኣብ ፀላም ከብዲ ዝርከቡ ቫይረሳት ንምንካይን ይጠቕሙ። ሕዱር ሕማም ጸላም ከብዲ ቢ ዘለዎም ውልቀሰባት ስሩዕ ሕክምናዊ መርመራ ክገብሩን ምኽሪ ወሃቢ ክንክን ጥዕናኦም ክኽተሉን ኣገዳሲ እዩ።

መደምደምታ

ሄፓታይተስ ቢ ክከላኸል ዝኽእል ቫይራላዊ ረኽሲ ኮይኑ፡ እንተዘይተሓኪሙ ከቢድ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል።

13/10/2025

ሜላ ኣደቓቅሳ ትሕቲ ሓደ ዓመት ዘለዉ ህፃናት
-----------------------------------------------
ሀ) ህፃናት ምስመን ክድቅሱ ይግባእ
ንበይኖም ? ምስወለዶ ?
ለ) ህፃናት ብኸመይ እንተደቀሱ ይምረፅ ?
ብፀጋማይ ጎኒ ? ብየማናይ ጎኒ ? ብሕቖኦም ? ብኸብዶም ?
ሐ) ህፃናት እንትድቅሱ ገፆም ክሽፈኑ ኣለዎምዶ ?
ህፃናት ኣብ ምንታይ እንተደቀሱ ይምረፅ ? ኣብ ሶፋ? ኣብ ፍርናሽ ኣብ ጥንክር ዝበለ ናይ በይኖም ምንፃፍ (ፍርናሽ) ?
====================================
* ኣብ ዓድና ናይ ህፃናት ኣደቓቅሳ ብዙሕ ትኹረት ኣይወሃቦን ። ጉጉይ ኣደቓቅሳ ኣብ ህፃናት ዘምፅኦ ሓደጋታት እውን ብኣሃዝ ዝተደገፈ ሓበሬታ የለን ። ኣብ ዝዓበዩ ዓድታት ምስ ህፃናት ኣደቓቅሳ ተተሓሒዞም ዝኽሰቱ ፀገማት ከምዘለዉ ብመፅናዕቲ ተደጊፎም ዝቐረቡ ፅሑፋት ኣለዉ ። ንኣብነት ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ እንተሪኢና ብጉጉይ ሜላ ኣደቓቅሳ ከባቢ 3500 ህፃናት በቢ ዓመቱ ሂወቶም ይስእኑ ። ካብዞም ጉጉያት ኣደቓቅሳታት ብዋናነት ዝጥቀስ ሜላ ኣደቓቅሳ ህፃናት ብኸብዶም (ንቁልቁል ኣፎም) ምድቃስ እዩ ። እዚ ዓይነት ኣደቓቅሳ ስርዓት ንህፃናት ሃንደበታዊ ሞት (Sudden infant death syndrome : SIDS) ከስዕብ ይኽእል ።
© ናይ ኣመሪካ ህፃናት ማሕበር (American Academe of pediatrics ፡ AAP) ካብ መፅናዕቲ ተደሪኹ ካብ ዘውፀኦም ኣደቓቅሳ ሜላታት እዞም ዝስዕቡ እዮም ። እዞም ሜላታት ብውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) እውን ተቐባልነት ዝረኸቡ እዩም ።
ሀ.ህፃናት ምስመን ክድቅሱ ይግባእ ?
-->ህፃናት ንበይኖም ኣብ ዝተዳለወ መደቀሲ ክድቅሱ ይግባእ ።እዚ ክንብል እንተለና ግን እቲ ዝድቅስሉ ክፍሊ እውን ዝተፈለየ ክኸውን ኣለዎ ማለት ኣይኮነን ።ትሕቲ ሓደ ዓመት ዘለዉ ህፃናት መደቀሲ ንሕና ካብ እንድቅሰሉ ክፈሊ ብፍሉይ ዝተዘጋጀወ ኮይኑ ካብ መራእይትና ዘይተኸወለ ክኸውን ይግባእ ። ምስ ወለዲ ወይድማ ምስ ካልኦት ኣባላት ቤተሰብ ኣብ ዝድቅስሉ ግዜ ተፀቒጦም ክዕፈኑ ፣ኣቀማምጠኦም ድማ ክቀያየር ስለዝኽእል ንሃንደበታዊ ሞት ህፃናት(SIDS) ይጋለፁ ።
'ስለዚ ህፃናት ምስመን ክድቅሱ ይግባእ ንዝብሕ ሕቶ በይኖም ዝብል እዩ ዝኸውን'
ለ.ህፃናት ናበይ ገፅ እንተደቀሱ ይምረፅ ?
-->ህፃናት ኩሉ ግዜ ብሕቆኦም (On back) ክድቅሱ ይምከር ። ብሕቆኦም ምስ ዝድቅሱ ትቦ ምግቢ (Esophagus) ብትሕቲ ትቦ ኣየር (Trachea) ስለዝውዕል ምግቢ ንድሕሪት ኣብ ዝምለሰሉ ግዜ ሓደጋ ምስርናቕ ኣየጋጥምን ።
'ስለዚ ህፃናት ብኸመይ ወገን እንተደቀሱ ይምረፅ ንዝብል መልሲ ብሕቖኦም እዩ ዝኸውን'
ሐ.ህፃናት ኣብ ከመይ ዓይነት ምንፃፍ እንተደቀሱ ይምረፅ ?
-->ንህፃናት እንጥቀመሉ ምንፃፍ ጥንክር ዝበለ ክኸውን ኣለዎ።ኣዝዩ ልስሉስ ዝኾነ መደቀሲ ምቾት ዝህብ ክመስለና ይኽእል እዩ ፤ኮይኑ ግን ብዙሓት ፅንዓታት ከምዝሕብርዎ ኣብ ኣዝዩ ልስሉስ ምንፃፍ ዝድቅሱ ብቐሊሉ ንምዕፋንን ንምስርናቕን ዝተቓልዑ እዩም ።
መ.ህፃናት እንትድቅሱ ርእሶም ክሽፈኑ ኣለዎምዶ ?
-->ህፃናት እንትድቅሱ ርእሶም ምሽፋን ኣይምከርን ።ኣዝዩ ዛሕሊ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ነቲ መደቀሲ ክፍሊ ክመውቕ ምግባር እንተዘይተኻኢሉ ግን ርቕቕ ብዝበለ ክሽፈኑ ኣለዎም ።ብጣዕሚ ቀዝሒ ኣብ ዝኮኑ ከባብታት መጠን ዛሕሊ ሰውነቶም ብምርኣይ ወለዲ ክውስኑ ይኽእሉ
#ወለዲ ልቢ ክብልዎ ዝግባእ
1. ትሕቲ 1 ዓመት ዘለዉ ህፃናት ብከብዶም ክድቅሱ የብሎምን ።

Slipped Capital Femoral Epiphysis (SCFE) is a hip condition in adolescents where the femur’s head slips off the bone at ...
12/10/2025

Slipped Capital Femoral Epiphysis (SCFE) is a hip condition in adolescents where the femur’s head slips off the bone at the growth plate. Common in ages 10-16, especially boys or those with obesity.

Causes:👇

• Weak growth plate during puberty
• Obesity
• Hormonal issues (e.g., hypothyroidism)
• Trauma
• Genetic factors

Symptoms:👇

• Hip, groin, thigh, or knee pain
• Limping
• Limited hip motion
• Leg turned outward

Diagnosis:👇

• Physical exam
• X-rays to confirm slippage
• MRI/CT for detailed imaging

✅ Treatment: Surgery (usually pinning) to stabilize the hip.

✅ Post-Surgical Rehab:
• 0-6 Weeks: Non-weight-bearing, gentle mobility, pain management.
• 6-12 Weeks: Gradual weight-bearing, light strengthening, gait training.
• 3-6 Months: Build strength, low-impact activities.
• 6-12 Months: Return to sports with full strength, surgeon’s clearance.
Regular follow-ups prevent complications like arthritis.

👉📚 Tsion physiotherapy speciality clinic mekelle





26/09/2025

እንዃዕ ንበዓለ መስቀል ኣብጸሐኩም ።
ሰናይ በዓል ክኾን ሰናይ ትምኒት ጽዮን ፊዝዮቴራፒ ክሊኒክ ይምነ

Address

Mekelle

Telephone

+251944813445

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ፊዝዮቴራፒ ስፔሻልቲ ክሊኒክ ፅዮን-Tsion physiotherapy speciality clinic posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share

Share on Facebook Share on Twitter Share on LinkedIn
Share on Pinterest Share on Reddit Share via Email
Share on WhatsApp Share on Instagram Share on Telegram