Hale Teka, M.D.

Hale Teka, M.D. ተኸታታሊ ትምርቲ ጥዕና ብ ቋንቋ ትግርኛ ንምርካብ ነዚ ገፅ ላይክ (Like) ይበሉ!

21/11/2023

ሕማም ዕፍሽዋ(ወይቦ)

ሓኪም- ክንደይ እዩ ዓመታ?
አደ ተሓካሚት- 2 ዓመታ እዩ
ሓኪም- ታይ ሕምዋ ዲኪ አምፂክያ?
አደ ተሓካሚት- ዓይና ብጫ ኮይኑ
ሓኪም-ክንደይ ገይሩ?
አደ ተሓካሚት- እእእእ.. ብቻ ልዕሊ ወርሒ ይገብር እዩ
ሓኪም- ንምንታይ ደአ ቀዲምኪ ዘየምፃእክያ?
አደ ተሓካሚት- ዕፍሽዋ እዩ ኢልና ናብ ባህላዊ ወሲድናያ
ሓኪም- ንምንታይ ደአ ሐዚ መፂእኪ?
አደ ተሓካሚት- ሐዚ ደአ ገዲድዋ፤ካብ ትማሊ ጀሚራ ዉንአ ስሒታ፣ተንቀጥቅጥ፣ቶሎ ቶሎ ትትንፍስ.............................................
ምልክታት ሕማም ዕፍሽዋ
-ምብጫው ዓይንን ሽንትን
-ሽውሃት ምግቢ ምዕፃዉ
-ሙቀት
-ቅርጥማት
-ተቅማጥ
-ንዓቀብ
-ከብዲ ምሕማም(ብፍላይ ድማ ልዕሊ
ሕምብርቲ የማናይ ክፋል)
-ሓድ ሓደ ጊዜ ባዕሉ ዝሓድግ እንትኮን ካልእ ጊዘ ከዓ ብእዋኑ እንተዘይተሓኪሙ ናይ ፀላም ከበዲ ድክመት(Liver failure) ብምምፃእ፤
*መድመይቲ
*ውነ ምስሓት
*ምንቅጥቃጥ
*ድቃስ ምዝባዕ
*ካብዚ ብኢሱ ከአ ናብ ከቢድ ስንክልናን
ሞትን ከብፅሕ ይክእል

መንቀሊታት ሕማም ዕፍሽዋ
-ቫይረስ(ብፍላይ ሄፓታይቲስ(hepatitis) ካልኦትን ከም ኤችአይቪ ዝበሉ)
-መድሓኒት ካብ ብበዓል ሞያ ዝተአዘዘ መጠን ንላዕሊ ምጥቃም(ብፍላይ ድማ ፓራሲታሞል (paracetamol) ወይ ፓናዶል ካልኦትን)
-ቲቢ(tuberculosis)
-ጎናዊ ሳዕቤን ሓደ ሓደ መድሓኒት(drug induced hepatitis)
-ሕማም አሜባ(amebiasis)
-ልቢ ድካም(heart failure)
-ምክንያቱ ዘይተፈለጠ እውን ክከዉን ይክእል

ክንገብሮም ዝግበአና ጥንቃቀታት
-ፅሬት ባዕልናን ምግብናን ምሕላው
-ምልክታት ተተርእዩ ናብ አብ ጥቃና ዝርከብ ጥዕና ትካል ብምካድ ዘድልይ ሕክምናን ክትትልን ምግባር
-ግቡእ አጠቃቅማ መድሓኒት
-መድሓኒት ህፃናት አብ ዘይረክብዎ ቦታ ምቅማጥ

ምንጪ - ዶክተር ስምረት መሓሪ (ስፔሻሊስት ሕክምና ህፃናትን ኣባፅሕን)

02/10/2020

ዘይተደለየ ወይ ዘየተተለመ ጥንሲ እንታይ ማለት እዩ?
ዘይተደለየ ወሊድ ከ ንምንታይ የጋጥም?
ከምዚ አብ ዘጋጥም ግዜ እንታይ ክግበር አለዎ?

A good read by Semere Halefom

አንቢብና ንደቂ አንስትዮ አሓትና ካብ ዘይተደለየ ፀገም ክነድሕነን ይግባእ፡፡

ሰናይ ንባብ!

✍ዘይተደለየ ወይ ዘይተተለመ ጥንሲ ማለት፡
ሐንቲ ጓል አንስተይቲ ብኣካላዊ፡ብስነ ኣእምራዊ፡ብስነ መለኮታዊ፡ብማሕበራዊ፡ብኢኮኖምያዊ ወዘተ ዝኣመሰሉ ቅድመ ድልውነት ከይተለመት ብድንገት ጥንሲ ከጋጥማ እንተሎ እዩ፡፡

ቀንዲ መኽንያታት
✔መከላኸሊ ጥንሲ ዘይምጥቃም
✔ብትልሚ ዘይምውላድ
✔ፆታዊ ጥቅዓት ወይ ምድፋር ከጋጥም እንተሎ
✔ሕፀረት አፍልጦ
✔ተሳትፎ ደቂ ተባዕትዮ አብ ጥዕና ተዋልዶ ቱሑት ስለዝኾነ
ብአብዝሓ ንኸምዚ ዓይነት ኩነታት ዝቃልዓ ደቂ አንስትዮ አሓትና

✔አብ እንዳ ሰብ ተቆፂረን ዝሰርሓ
✔ነብሰን ሸይጠን ዝሓድራ ወይ multi sexual partner
✔ብኢኮኖሚ ዝደኸያ
✔ሰነ አእምራዊ ፀገም ዘለወን
✔ምስ ናይ ስጋ ዘመድ ወይ ማሓዛ አብ ሓደ መንበሪ ብሓባር ዝነብራ
✔አብ ዝ/የ ደረጃ ትምህረቲ ክማሃራ ዝኸዳ
✔አብ ነዊሕ ጉዕዞ ዝኸዳ ደቂ አንስትዮ
✔ካብ ከተማ ወፃኢ ወይ ገጠር ዝነብራ ደቂ አንስትዮ

እንታይ ሳዕቤን ከጋጥመን ይኽእል

✔አካላዊ ጉድኣት ክሳብ ሂወት እታ አዶን ህፃንን ምሟት ከጋጥም ይኽእል
✔ሰነ አእምራዊ ጉድኣት
✔ማሕበረሰባዊ፡ኢኮኖምያዊ ጉድኣት

✍ሓንቲ አዶ ብዝኾነ መኽንያት ስዲ ፆታዊ ርክብ እንተጌራ ዘይተደለየ ጥንሲ ከየጋጥማ እንታይ ክትገብር አለዋ???

✔ንመጀመርታ ግዜ ፀታዊ ርክብ ምስ ፈፀመት ቀጥታ ናብ ጥዕና ትካል ክትከድ አለዋ ዘይትኽእል እንተኾይና ብቀረባ ንተፈልጦ ሰብ ክተማኽር አለዋ፡፡ካልኦት ሰባት ዋላ ደቂ ተባዕትዮ ከምዚ ዓይነት ጉዳይ አብ ዝሰማዓናሉ ናብ ጥዕና ትካል ክትከድ ክንሕግዛ አለና፡፡
✍አብ ጥዕና ትካል ምስ መፀት ክልተ መማረፂ ግልጋሎት ትረክብ
1,ካብ ጥንሲ ወፃኢ ከጋጥማ ዝኽእል ጥዕናዊ ፀገም ክትሕከም
2,ካብ ፆታዊ ርክብ ዝገበረሀሉ ልዕሊ 2 ሶሙን ወይ ናይ አዴታታ(ወርሓዊ ፅግያ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ተዘይተራኢዋ) ምርመራ ጥንሲ ትገብር፡፡
✍እንድሕር እቲ ውፂኢት ጥንሲ ከምዘለዋ ዝሕብር ኾይኑ ክልተ መማረፂ ግልጋሎት አለዎ
1.እቲ ጥንሲ ክቅፅል ወይ ድማ
2,ጥንሲ ክስደድ ይኽእል፡፡ጥንሲ ምስዳድ ብሞያ ዓይንን ብሕግን መሰረት ተጌሩ ይድንገግ፡፡ብሞያ ፍቃድ ክረአ እንተሎ እቲ ጥንሲ ዕድሚኡ ክሳብ 24 ሶሙን ዘሎ እንተኾይኑ ብዝተፈላለየ ሜላታት ብባዓል ሞያ ጥዕና ጥራሕ ክስደድ ይኽእል፡፡ብሕጊ ዓይኒ ድማ
✍አብ ናይ ፈደሪኢ ናይ ወንጀል ሕጊ ዓንቀፅ 551/1/ኑኡስ ዓንቀፅ ካብ☞ ሀ ክሳብ መ☜ ከምዝስዕብ ዝፍቀድ ምኳኑ ይገልፅ፡፡
✡እታ ጓል አንሰተይቲ ተደፊራ እንድሕር ኮይና
✡እቲ ጥንሲ ብምቅፃሉ ነታ አዶ ወይ ነቲ ዝውለድ ህፃን ጥዕናዊ ጠንቂ ወይ አብ ሂወቶም ዘስዕቦ እንተሃልዩ
✡እቲ ጥንሲ ክድሕን ዘይኽእል ከቢድ ናይ አካል ወይ ዘርኢ ጉድለት እነተልይዎ እዚ ብባዓልሞያ ጥዕና ብ መሳርሒ ተራኣዩ ይውሰን፡፡
✡እታ አዶ ናይ ኣእምሮ ፀገም ዘለዋ ኾይና ነቲ ህፃን ንምዕባይ ናይ ኣእምሮ ዝግጅት ዘይብላ እንድሕር ኮይና
✡ዕድመ አከል ተዘይኮይና ዕድሚኣ ትሕቲ 18 ዓመት እንድሕር ኮይና,......ጥንሲ ክስደድ ይኽእል፡፡

✉ሰለዚ ንምንታይ ዳኣ ደቂ አንስትዮ አሓትና ከምዚ አብ ዘጋጥመን ግዜ ናብ ዘይኮነ ዉሳነ ይኣትዋ
★ፍርሒ፡ሕፍረት ማሕበረሰብ
★ስአነት ገንዘብ
★አፍልጦ ዘይምህላው
★ግዝያዊ ንደት

ሰለዚ ደቂ አንስትዮ አሓትና ናብ ዘይኮነ ውሳነ ወይ ፀገም ከይኣትዋ ሓበሬታ ብምሃብ ንተሓባበረን፡፡

ምክልኻል ድንገተኛ ዘይተደለየ ጥንሲ***ብዘይ መከላኸሊ ጥንሲ ፆታዊ ርክብ እንድሕር ፈፂምኪ፣ ዋላ ከይደለኺ ክትጠንሲ ትኽእሊ ኢኺ።መከላኸሊ ጥንሲ እናወስድኪ እንከለኺ እውን ሓሓሊፉ ጥንሲ ከጋ...
01/09/2020

ምክልኻል ድንገተኛ ዘይተደለየ ጥንሲ

***

ብዘይ መከላኸሊ ጥንሲ ፆታዊ ርክብ እንድሕር ፈፂምኪ፣ ዋላ ከይደለኺ ክትጠንሲ ትኽእሊ ኢኺ።

መከላኸሊ ጥንሲ እናወስድኪ እንከለኺ እውን ሓሓሊፉ ጥንሲ ከጋጥም ይኽእል እዩ። እዚ ማለት ዋላ መከላኸሊ ጥንሲ እናወሰድኪ እውን ክትጠንሲ ትኽእልሉ ዕድል ኣሎ ማለት እዩ።

ንኣብነት፣ ኮንደም ክመሉቕ ይኽእል። ከኒና ምውሳድ ክትርስዒ ትኽእሊ ወይድማ ከቢድ ውፅኣት እንድሕር ኣጋጢሙኪ እቲ ክኒና ብግቡእ ዘይክሰርሕ ይኽእል።

እንታይ ክገብር ኣለኒ?
***

ክትጠንሲ እንተደሊኺ : ምንም ኣየድልን!

ክትጠንሲ እንተዘይደሊኺ፣ ክልተ ምርጫታት ኣለዉኺ:

1) ናይ ህጹጽ እዋን ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ ክትወስዲ ትኽእሊ።

- ናይ ኣብ ማህፀን ዝኣቱ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ንምግባር ናይ ጥዕና ሞያዊ ከድልየኪ ይኽእል።

2) ናይ ህጹጽ እዋን ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ

እቶም ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒናታት ዘኣጎለ እንቋቑሖ ከምዝድንጒ ይገብሩ ወይ ይኽልክሉ። እቲ ናይ ህፁፅ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ስጋዊ ርክብ ምስገበርኪ ብቕልጡፍ እንተተኻኢሉ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ክልተ ሰዓታት እንተወሰድክዮ ይምረጽ።

ክልተ ዝተፈላለዩ ናይ ህፁፅ እዋን መከላኸሊ ከኒናታት ኣለዉ። እቲ ሓደ ድሕሪ ስጋዊ ርክብ እንተነዊሑ ን 72 ሰዓታት (ሰለስተ መዓልቲ) ዘገልግል ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ካልእ ድማ ድሕሪ ስጋዊ ርክብ ንልዕሊ 120 ሰዓታት (ሓሙሽተ መዓልቲ) ኣይሰርሕን።

እቲ ናይ ህፁፅ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ብዘይ ናይ ሓኪም ትእዛዝ ካብ ቤት-መድሓኒት ክትዕድጊዮ ትኽእሊ ኢኺ። እቲ ናይ ህፁፅ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ኩሉ ሰብ ክጥቀመሉ ኣይክእልን። ብዛዕባ እቲ ናይ ህፁፅ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ካብ ቤት-መድሓኒት ወይ ካብ ናይ ጥዕና ሞያዊ ምኽሪ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።

-እቲ ናይ ህፁፅ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ምንጻል ጥንሲ ኣየስዕብን። እቲ ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ጥንሲ ከይፍጠር እዩ ዝከላኸል። እዚ ከኒና ኣዝዩ ዘተኣማምን ስለዘይኮነ ድሕሪ 3 ሰሙን ናይ ጥንሲ መርመራ ክትገብሪ ኣለኪ።

እቲ ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ከም ስሩዕ መከላኸሊ ጥንሲ ኣይትጠቀምሉ። እቲ ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ካብ ሓደ ግዜ ወይ ካብ ክልተ ግዜ ንላዕሊ ክትወስዲ ናይ ግድን እንተኾይኑ፣ ካልእ ዝያዳ ዘተኣማምን ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ እንተትመርጺ ይሓይሽ።

ብዛዕባ እተፈላለዩ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ምኽሪ ንምርካብ ምስ ዶክተርኪ፣ ናይ ሕብረተሰብ ጥዕና ነርስ ወይከኣ ምስ መሕረሲት ክትራኸቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ናይ ኣብ ማህፀን ዝኣቱ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ከም ናይ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ

ብዘይካ መከላኸሊ ጥንሲ ፆታዊ ርክብ ድሕሪ ምግባርኪ ኣብ ዘለዋ ቀዳሞት ሓሙሽተ መዓልቲ፣ ብናይ ኣብ ማህፀን ዝኣቱ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ እውን ጥንሲ ክትከላኸሊ ትኽእሊ ኢኺ። እቲ ናይ ኣብ ማህፀን ዝኣቱ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ብሰብ ሞያ ጥዕና ክግበረልኪ ኣለዎ። እቲ ዝጸገየ እንቋቑሖ ናብ ማህጸንኪ ከይኣቱ ይኽልክል።

- እቲ ኣብ ማህፀን ዝኣቱ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ኣብ ህፁፅ እዋን እውን ዘገልግል ስሩዕ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ እዩ።

-ሽዕኡ ብቕፅበት ዘይተደለየ ጥንሲ ይከላኸል።

- እቲ ኣብ ማህፀን ዝኣቱ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ኣብ ቀጻሊ ከም ስሩዕ መከላኸሊ ጥንሲ ክትጥቀምሉ ትደልዪ እንተኾንኪ ከም ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ምጥቃም ዝበለጸ ይኸውን። እቲ ናይ ነሓስ IUD ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመታት ክቕየር ኣለዎ።

ተፈጥሮኣዊ ምጣነ-ስድራ***ተፈጥሮኣዊ ምጣነ-ስድራ ማለት ዝኾነ ዓይነት ሕክምናዊ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ዘይምጥቃም ማለት እዩ።እተፈላለዩ ሜላታት ተፈጥሮኣዊ ምጣነ-ስድራ ኣለዉ:1. ስጋዊ-ርክብ ...
04/08/2020

ተፈጥሮኣዊ ምጣነ-ስድራ
***

ተፈጥሮኣዊ ምጣነ-ስድራ ማለት ዝኾነ ዓይነት ሕክምናዊ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ዘይምጥቃም ማለት እዩ።

እተፈላለዩ ሜላታት ተፈጥሮኣዊ ምጣነ-ስድራ ኣለዉ:

1. ስጋዊ-ርክብ ዘይምግባር። ይኹን እምበር፣ ሰባት ወሲብ ክፍጽሙ ባህሪያዊ እዩ።

2. እታ ሰበይቲ ኣብ እትጸግየሉ እዋን ስጋዊ-ርክብ ዘይምግባር። እዚ ሜላ ህርመታዊ ሜላ (rhythm method) ይበሃል። ይኹን እምበር፣ ሰበይቲ ኣበየናይ መዓልቲ ክትጠንስ ከምእትኽእል ምፍላጥ ከቢድ እዩ።

-ህርመታዊ ሜላ: ሰበይቲ መዓስ ኣብ ጽግያት ከምእትኸውንን መዓስ ወሲብ ክትገብር ከምዘይብላን ምግባጥ ከቢድ እዩ

3. ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ቅድሚ ምፍናውካ ብልዕቲ ወዲ ተባዕታይ ካብ ካብ ብልዕቲ ጓል ኣነስተይቲ ምውጻእ።

-ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ቅድሚ ምፍሳስካ ብልዕቲ ወዲ ተባዕታይ ካብ ብልዕቲ ጓል ኣነስተይቲ ምውጻእ:

-እቲ ሰብኣይ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ቅድሚ ምፍሳስካ ዋህዮታት ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ዝሓዘ ቁሩብ ፈሳሲ ጸረር ከብል ይኽእል እዩ።

-እቲ ሰብኣይ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ዝፈሰሉ ቅጽበት ኣሻብ ከምዝኸውን ብንጹር ምፍላጥ ከቢድ እዩ።

-ርውየተ-ወሲብ መብዛሕትኡ ግዜ ንምቁጽጻሩ ዝኸብድ ወይ ፈጣንን ሃንደበታዊን እዩ። ስለዚ ብልዕቲ ወዲ ተባዕታይ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ቅድሚ ምፍሳሱ ካብ ብልዕቲ ጓል ኣነስተይቲ ምውጻእ ኣዝዩ ከቢድ እዩ።

-እቲ ሰብኣይ ናይ ዘርኢ ፈሳሲ ኣብ ጥቓ ብልዕቲ ጓል ኣነስተይቲ እንድሕር ኣፍሲሱ፣ ዋህዮታት ናይ ዘርኢ ናብ ብልዕቲ ጓል ኣነስተይቲ ክልሕኹ ይኽእሉ እዮም። እዚ እንተኾይኑ ከኣ እታ ሰበይቲ ክትጠንስ ትኽእል እያ።

4. ጡብ ምጥባው።

-እቲ ናይ ጡብ ምጥባው ሜላ ብመሰረት እዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት ጥራይ እዩ ዝሰርሕ:

-እዚ ሜላ ድሕሪ ሕርሲ ኣብ ዘለዋ 6 ኣዋርሕ ጥራይ እዩ ዝሰርሕ።

-ድሕሪ 6 ኣዋርሕ ዋላ ወርሓዊ ጽግያት ኣይምጻእኺመከላኸሊ ጥንሲ ምጥቃም እዩ ዝሓይሽ።

-እታ ኣደ ንቆልዓኣ ጸባ ጡብ ጥራይ እያ ክትምግቦ ዘለዋ። እዚ ክንብል እንከለና እቲ ቆልዓ ጸባ ጡብ ጥራይ ይምገብ ኣሎ ማለት እዩ።

-እቶ ቆልዓ ቀትሪ ዝጦብየሉ ካብ በብ 3 ሰዓት ኣፈላላይ ለይቲ ዝምገበሉ ድማ በብ 6 ሰዓት ኣፈላላይ ክነውሕ የብሉን።
እታ ኣደ ጸባ ጡባ ሓሊባ ኣይኮነትን ክትህቦ ዘለዋ። ምሕላብ ጸባ (Expressing milk) ማለት ነቲ ጡብ ኢድካ ተጠቒምካ ጸሚቕካ ወይከኣ ፓምፕ ተጠቒምካ ጸባ ካብ ጡብ ምምጣጥ ማለት እዩ።

-እዞም ረቛሒታት እንድሕር ዘይተማልኢ ኮንኪ፣ ሕክምናዊ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ተጠቐሚ። ጡብ ኣብ እተጥቡዊሉ እዋን፣ ኮንዶም ወይከኣ ክኒና ምጥቃም ዝሓሸ እዩ።

-እቲ ሜላ ጡብ ምጥባው ኣብተን ናይ ፈለማ 6 ኣዋርሕ ጥራይ እዩ ዘተኣማምን። ድሕሪ 6 ኣዋር እዚ ሜላ ምጥቃም ኣየተኣማምንን።

ብሓፈሻ ተፈጥሮኣዊ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ
***
-ተፈጥሮኣዊ ምጣነ-ስድራ ብግቡእ ምጥቃም ከቢድ እዩ። እዞም ሜላታት ብግቡእ እንድሕር ዘይተጠቒምክሎም ክትጠንሲ ትኽእሊ ኢኺ።

-ቆልዑት ክትወልዱ እንድሕር ዘይትደልዩ፣ ካልኦት ሜላታት ምጥቃም ዝሓሸ ክኸውን ይኽእል። ካብ ሓኪም ወይ መሕረሲት ማዕዳ ሕተቲ።

-የመና ኣድማዕቲ ኣይኮኑን

-ብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን ኤችኣይቪን እውን ክከላኸል ኣይኽእልን

-ተፈጥሮኣዊ ሜላታት ምጣነ-ስድራብስጋዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ወይከኣ ኤችኣይቪ ክከላኸሉልካ ኣይኽእሉን። ኮንዶም ጥራይ እዩ ክከላኸለልካ ዝኽእል

ናይ ጥንሲ ምልክታት***ሰውነትኣብ እዋን ጥንሲ ሰውትኪ ብዙሕ ለውጢታት የርኢ። እዞም ዝስዕቡ ለውጢታት ይረኣዩኺ:- ወርሓዊ ጽግያትኪ ይቋረጽ።- ክብደት ትውስኺ።ብተወሳኺ ሓደ ወይ ካብ ሓደ ን...
04/08/2020

ናይ ጥንሲ ምልክታት
***

ሰውነት

ኣብ እዋን ጥንሲ ሰውትኪ ብዙሕ ለውጢታት የርኢ። እዞም ዝስዕቡ ለውጢታት ይረኣዩኺ:

- ወርሓዊ ጽግያትኪ ይቋረጽ።
- ክብደት ትውስኺ።

ብተወሳኺ ሓደ ወይ ካብ ሓደ ንላዕሊ እዞም ዝስዕቡ ዘይምቹዋት ኩነታት የጋጥሙኺ። እዚ ንቡር እዩ። ሕቶታት እንተለዉኺ፣ ምስ መሕረሲትኪ ወይ ናይ ማህጸን ሓኪምኪ ተዘራረቢ።

- ምዕውልዋል;
-ድኻም;
-ናይ ጡብ ሕበጥን ቃንዛን;
-ብተደጋጋሚ ናብ ሽቓቕ ናይ ምኻድ ድሌት;
- ነድሪ ግርጻን።

ድሕሪ እተወሰነ ግዜ ድማ ካልኦት ምቾት ዝኸልኩ ነገራት የጋጥሙኺ:

ሕንጻጻዊ ስምብራታት (ሕንጻጽ ዝመስሉ በሰላታት) ኣብ ከብድኺ;

ቃንዛ ዘለዎ/ናይ ኣእጋርን ከብዲ እግሪን ሕበጥ;

ናይ ዝባን ቃንዛ።

ኩነተ-ስምዒታት:- ኩነተ-ስምዒታትክን ጠባይኪን ብቕልጡፍ ክቀያየር ይኽእል። ንኣብነት: ሕጉስቲ ጸኒሕኪ ከይደንጎኺ ከኣ ሕርቃን ወይ ኩራ ይስመዓኪ።

ምዕውልዋል

- ምዕውልዋል ቀንዲ ኣብተን ናይ መጀመርያ 3 ናይ ጥንሲ ኣዋርሕ እዩ ዘጋጥም።

- ፍኹስ ዝበለ ቁርሲ ብልዒ;
- ኣብ መዓልቲ ብዙሕ ግን ነንእሽተይ እናገበርኪ ተመገቢ;
-ቀትሪ እኺል መጠን ማይ ስተዪ;
-ተምላስ እንድሐር ሃልዩኪ ወይከኣ ቁሩብ መጠን ሽንቲ ጥራይ እንድሕር ሃልዩኪ ንመሕረሲትኪ ወይ ንናይ ማህጸን ሓኪምኪ ኣዛራርቢ።

ብተወሳኺ እዚ ዝስዕብ ምግባር ጠቓሚ እዩ:

-ካብ መደቀሲኺ ቅድሚ ምውጻእኺን ናብ መደቀሲኺ ክትከዲ እንከለኺን ገለ ፍኹስ ዝበለ መግቢ ብልዒ;
-ቁሩብ ጸባ ወይከኣ ናይ ጅንጅብል ሻሂ ስተዪ።

ድኻም

-ድኻም ብፍላይ ኣብ መጀመርያ ናይ ጥንሲ ኣዋርሕ እዩ ዘጋጥም።
-ብዙሕ ዕረፍቲ ውሰዲ;
-ኣብ ደምኪ እኹል ሓጺን ከምዘለኪ ንምርግጋጽ ናብ ሓኪም ኪዲ።

እቲ ጥንሲ ኣብ ወዳእታ ግዜኡ ክበጽሕ እንከሎ ሻቕሎትን ድቃስ ምስኣንን ከጋጥመኪ ይኽእል እዩ። እዚ ብምንቅስቓስ ናይቲ ዕሸል፣ ምሽምቓቕ ጭዋዳን፣ እናሻዑ ምሻንን ክመጽ ዝኽእል ኮይኑ እዚ ድኻም እውን ከስዕብ ይኽእል እዩ።

ዓጽረ-ፍታን

-እቶም ኣብ መዓናጡ ዝርከቡ ጭዋዳታት ዘለቕለቕ ይብሉሞ ኣብ እዋን ጥንሲ ኣዝዮም ህድእ ኢሎም ይሰርሑ። እዚ ዓጽረ-ፍታን ከስዕብ ይኽእል።

-ብዙሕ ማይ ስተዪ; (ካብ 1,5 ክሳዕ 2 ሊትሮ ኣብ መዓልቲ)
ሓድሽ ጽሟቕ ፍራፍረ ስተዪ;

-ብዙሕ ፋይበር ዘለዎም ምግብታት ብልዒ ( ፍራምረ ተክልታትን ቀፅላመፅልታት)

-ተንቀሳቐሲ (እንተወሓደ ኣብ መዓልቲ ን 30 ደቓይቕ ምንቅስቓስ ግበሪ)።

ነድሪ ግርጻን

-ኣብ እዋን ጥንሲኺ ዝፍጠር ናይ ሆርሞን ለውጢታት ዋሕዚ ደም ናብ ግርጻን ከምዝውስኽ ይገብር። ግርጻንካ ኣዝዮም ተኣፈፍቲ፣ መሳሓይቲን ንሕበጥ ዝተቓልዑን ይኾኑ፣ ሽዑ ክደምዩ ይጅምሩ።

-ስንኺ ኣብ መዓልቲ 2 ግዜ ቦርሽዮ;

-ኩሉመዓልቲ ኣስናንኪ ቆስቁሲ;

-ግርጻንኪ መድመይቱ እንድሕር ከቋርጽ ዘይክኢሉ ናብ በዓልሞያ ሕክምና ስኒ ኪዲ።

ሕንጻጻዊ ስምብራታት

-ሕንጻጻዊ ስምብራታት ኣብ ቆርበት ከብዲኺ፣ ኣጥቧትኪ ወይከኣ ኣብ ምሕኹልቲኺ ዝፍጠሩ ሮዛዊ ወይ ቡናዊ ሕብሪ ዘለዎም ሕንጻጻት እዮም። ብምኽንያት ምምጣጥ ቆርበትኪ እዮም ዝፍጠሩ። እቶም ሕንጻጻዊ ስምብራታት ድሕሪ ጥንሲ ይሃሱ እዮም፣ ግን ቁሩብ ዝረኣይ ኣሰር ይገድፉ እዮም።

-ቆርበትኪ ንምክንኻን መለስለሲ ክሬም ወይከኣ ዘይቲ ኣብ ከብድኺ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ።

-መቐንዘዊ/ሕበጥ ኣእጋርን ከብዲ እግሪን

-መብዛዕትአን ኣንስቲ ብፍላይ ኣብ ከባቢ መወዳእታ እዋን ጥንሰን ናይ እግሪን ከብዲ እግሪን ሕበጥ የሳቕየን። ናይ እግሪን ከብዲ እግሪን ሕበጥ ማህጸን ኣብ ሰራውር ደብ ብዘሕድሮ ጸቕጥን ኣብ ሰውነት ዘሎ መጠን ደም ስለዝውስኽን እዩ ዝፍጠር።

-ኮፍ ክትብሊ እንከለኺ ኣእጋርኪ ንላዕሊ ኣሪኽኪ ኮፍ በሊ ከምኡድማ እኹል ፈሳሲ ስተዪ።

ናይ ሖቖ ቃንዛ

-ናይ ሑቖ ቃንዛ ብቐንዱ ብምኽንያት ወሰኽ ክብደት ማህጸንን ኣ ሆርሞናት ብዝፍጠሩ ለውጢታትን እዩ ዝፍጠር።

-ቀኒዕኺ ኮፍ በሊ;

-ከበደትኒ ነገራት ከተልዕሊ እንከለኺ ኣብራኽኪ ዕጸፊ;

- ነዋሕቲ ጫማታት ኣይትግበሪ ;

- ቀሊል ስፖርታዊ ንጥፈት ስርሒ፣ ንኣብነት: ብእግሪ ምውስዋስ፣ ምሕምባስ ወይከኣ ብሽክለታ ምዝዋር።

ድሕሪ ሕርሲ

-ድሕሪ ሕርሲ፣ መሸከል ሰውትኪ ካብቲ ቅድሚ ጥንሲ ዝነበሮ ትርኢት ይቕየር እዩ። ንኣብነት: ክብደትኪ ከምኡድማ ናይ ከብድኺን ናይ ኣጡባትክን ቅርጺ ከም ቀደሙ ኣይኸውንን።

04/08/2020
02/08/2020

ቅድሚ ብትከተ - ፅግያ ከጋጥም ዝኽእል ድርቀት ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ (Vaginal Dryness)

(ካብዚ ልጣፍ ክጥቀም ናብ ዝኽእል ሰብ ንክበፅሕ Share ይግበሩ)
***
- ድርቀት ብልዕቲ ኣብ ዝኾነ ይኹን ክሊ ዕድመ ከጋጥም ዝኽእል ፀገም እዩ

- መብዛሕቲኡ ግዘ ድሕሪ ብትከተ - ፅግያት (menopause) የጋጥም።

- ኣብ 17 ካብ 100 ኣዴታት ቅድሚ ብትከት ፅግያት ከጋጥም ይኽእል።

ራሕሲ ብልዕቲ ካበይ ይመፅእ?
***

- ኣብ ክሳድ ማህፀን ካብ ዝርከቡ ፅክታት ፈሳሲ ተመሪቱ ብልዕቲ የርሕስ

- እዚ ፈሳሲ ናብ ብልዕቲ ብምፍሳስ ብልዕቲ የፅርን ርሑስ ንክኾን ይገብርን

- እቲ ፈሳሲ ናይ ኣሲድነት ባህሪ ዘለዎ እንትኸውን ብልዕቲ ካብ ዝተፈላለዩ ጀርምታት የፅርይ

- ኣብ እዋን ፆታዊ ርክብ ከዓ ካብ ኣብ ጎኒ ብልዕቲ ዝርከቡ ባርቶሊንስ ግላንድ( Bartolin's Glands) ዝበሃሉ ፅክታት ተወሳኺ ፈሳሲ ይምረት

- ኮይኑ ግና ካብ 50 - 60% ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እዋን ፆታዊ ርክብ መጠኑ ካብ ዝድለ ንታሕቲ ፈሳሲ ይህልወን። ካብዚአን እተን 16 ካብ ምእቲ ኣብ እዋን ፆታዊ ርክብ ቃንዛ ይስምዐን።

መንቀሊታት ድርቀት ብልዕቲ እንታይ እንታይ እዮም?
***

- ቅድሚ ፆታዊ ርክብ ዝህሉ እኹል ዘይኮነ ምምዋቕ (inadequate foreplay)። እዚ እቲ ቀንዲ ምኽንያት እዩ።

- ሓደ ሓደ ናይ ፅሬት መሐለዊታት (ዝርጨው ናይ ጨና መቐነሲ) ኣብ መሐመሲ ዝግበሩ ኬሚካላት

- ናይ ኣለርጂን ናይ ሰዓል መድሓኒታት

- መድሓኒታት ፀረ ድብርቲ

- ናይ ካንሰር መድሓኒታት ምውሳድ

- ቆልዓ ምጥባው

- ብዝተፈላለዩ ምኽንያትምታት ዘጋጥም ምዝባዕ ሆርሞን

- ማህደር እንቋቑሖ ብመጥባሕቲ እንትወፅእ

ድርቀት ብልዕቲ ብኸመይ ንከላኸል
***

- እኹል ዝኾነ ቅድመ - ምምሟቕ (adequate foreplay)

- ምምሟቕ እኩል መፍትሒ እንተዘይምፂኡ ንሰብ ሞያ ጥዕና ምምኻር

ልቢ በል
***

- ቅድሚ ፆታዊ ርክብ ዝተፈላለዩ ቅብኣታት ወይም ሎሽን ምግባር እቲ ኩነታት ከጋድዶን ኣብ ነዊሕ ግዘ ዘይተደለየ ተፃብኦ ከምፅእን ይኽእል እዩ። ስለዚ ካብ ሓኪም ትእዛዝ ወፃኢ ምንም ነገር ዘይምጥቃም ይምረፅ!

ኣብ ቀፃሊ ኣብ እዋን ፆታዊ ርክብ ፀጋጥም ቃንዛ መንቀሊታቱን መፍቲሒኡን ክፅሕፍ እየ።

30/07/2020

ፈሳሲ ማህፀን
***

ብ ዶ/ር ሃሌ ተካ (ስፔሻሊስት ሕክምና ጥንስን ሕማማት ማህፀንን)

(ካብዚ ልጣፍ ክጥቀም ናብ ዝኽእል ሰብ ንክበፅሕ Share ይግበሩ)

ንቡር ፈሳሲ ማህፀን
***
- ካብ ማህፀን ዝፈስስ ንቡር ዝበሃል ፃዕዳን ቀጢንን እንተኾይኑ እዩ።

ምስ ረኽሲ ባክተርያ ዝተተሓሓዘ ፈሳሲ
***
- መጠን ፈሳሲ ኣዝዩ ይበዝሕ
- ዓፍራ ዝመስል ፈሳሲ ይህሉ
- እቲ ፈሳሲ ሕማም ጨና ይህልዎ
- እዚ ምስ ፆታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ዝተተሓሓዘ ፈሳሲ ማህፀን ኣይኮነን

ምስ ረኣክሲ ፋንጋይ ዝተተሓሓዘ
***

- መጠን ፈሳሲ ይውስኽ
- ርጉኦ ዝመስል ሮጊድ ፈሳሲ ይህሉ
- ምስሓይ ኣፍ ብልዕቲ ይህሉ
- ብፆታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ዘይክተሓሓዝ ይኽእል

ምስ ብፆታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማምት ዝተተሓሓዘ ፈሳሲ
***

- ፈጠን ፈሳሲ ይውስኽ
- ብጫ (መግሊ) ወይም ቆፃል ዝመስል ፈሳሲ ይህሉ
- እቲ ፈሳሲ ጨና ይህልዎ

ምስ ካንሰር ዝተተሓሓዘ ፈሳሲ
***

- መጠን ፈሳሲ ይውስኽ
- መግሊ ዝመስል ወይከዓ ደም ዝተሓወሶ ፈሳሲ ይህሉ
- ድሕሪ ፆታዊ ርክብ መድመይቲ ከጋጥም ይኽእል
- ኣዝዩ ሕማቕ ጨና ዘለዎ ፈሳሲ ክህሉ ይኽእል

ልቢ በሊ:-

- ኩሉ ንቡር ዘይኮነ ናይ ማህፀን ፈሳሲ ምልክት ብፆታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማም ኣይኮነን።

-ካብ ንቡር ወፃኢ ፈሳሲ እንትህሉ ናብ ጥዕና ትካል ምኽያድ የድሊ!

30/07/2020

ኣልትራሳውንድ ብተደጋጋሚ ምርኣይ ኣብቲ ዕሸል ኮነ ኣብታ ኣዶ ዘምፅኦ ፀገም ኣሎ ዶ?

- ክሳብ ሕዚ ብመፅናዕቲ ዝተረጋገፀ ኣልትራሳውንድ ዘብፅሖ ፀገም የለን!

- ኣልትራሳውንድ ኣብ እዋን ጥንሲ ኣድላይ ዝኾነሉ ሰዓት

1) ሓንቲ ኣዶ ጥንስቲ ምዃና ኣብ ዝፈለጠትሉ እዋን እቲ ጥንሲ ኣብ ማህፀን ወይከዓ ካብ ማህፀን ወፃኢ ከይኸውን ንምራኣይ

2) ካብ 18 - 22 ሰሙን ኣብ ዘሎ ናይ ኣፈጣጥራ ፀገም ከይህሉ ንምራኣይ

3) ኣብ ሳልሳይ ክፋል ጥንሲ ኩነታት ዕሸል ንምራኣይ

ኮይኑ ግና ክንደይ ግዘ ኣልትራሳውንስድ ክትርአይ ከምዘለዋ በቲ ኩነታት ጥንሲ ይውሰን!

***

ብ ዶ/ር ሃሌ ተካ (ስፔሻሊስት ሕክምና ጥንስን ሕማማት ማህፀንን)

30/07/2020

ሕቶ: ጡብ ምጥባው ጥንሲ ከይፍጠር ይከላኸል ዶ?

መልሲ: እወ። ኮይኑ ግና እዞም ዝስዕቡ ነገራት ክማልኡ ኣለዎም።

1) እቲ ሕንጣይ ተወሳኺ ምግቢ ተዘይጀሚሩ
2) እታ ኣዶ በቢ 2 - 3 ሰዓቱ ተጥብዎ እንተኾይና
3) ወርሓዊ ፅግያኣ እንድሕር ዘይተመሊሱ
4) ካብ እትወልድ 6 ወርሒ እንድሕር ድኣ ዘይሓለፋ!

ብ ዶ/ር ሃሌ ተካ (ስፔሻሊስት ሕክምና ጥንስን ሕማማት ማህፀንን)

30/07/2020

ምቁራፅ ወርሓዊ ፅግያት(Ammenorhea)
***

ምቁራፅ ወርሓዊ ፅግያ ማለት ስሩዕ ወርሓዊ ፅግያት ክመፀሉ ኣብ ዝግባእ ወቕቲ ከይመፀ ምትራፍ ማለት እዩ።

ወርሓዊ ፅግያት ክጠፍኣሎም ዝኽሉ ኩነታት
***

1. ትሕቲ ግዙዉ
2. ጥንሲ
3. መጥበዊት
4. ካብ ዕድመ ወሊድ ምስ ወፀት

ምቁራፅ ወርሓዊ ፅግያት
***

1)ቅድሚ ሐዚ ወርሓዊ ፅግያት ዘይረአየት

- ወርሓዊ ፅግያትን መግለፂ ካልኣይ ብርኪ ጉርሙስናን ዕድምኣ 13 ክሳብ ዝመልእ እንተዘይርእያ።

-ወርሓዊ ፅግያት እናርኣየት ግን ድማ መግለፂታት ካልኣይ ብርኪ ጉርሙስና ክሳብ 16 ዓመታ ትመልእ እንተርእያ።

2)ምጥፋእ ወርሓዊ ፅግያት ድሕሪ ምርኣያ

-ንልዕሊ 6 ወርሒ ወርሓዊ ፅግያት እንተዘይርእያ።

ምጥፋእ ወርሓዊ ፅግያት
***

-ተፈጥሮኣዊ መንቀሊታት
-ናይ ክሮሞዞማልን ቤተሰባዊን ፀገማት
- ሃይፖታላመስ ወይ ድማ ፒቱታሪ ፀገማት
- ኣካላዊ ፀገማት
- መከላኸሊ ጥንሲ ምጥቃም
- መድሓኒታት(ናይ መንሽሮ፥ፀቕጢ ደም)
- ፃዕቒ ዝሓትት ስራሕ
- ምጭናቕ
- ናይ ኣመጋግባ ፀገማት
- ጨረር ወዘተ

ምጥፋእ ወርሓዊ ፅግያት
***
-ኣብ ዝተለመደ ግዜ ዘይምምፃእ
- ካብ ጡብ ፀባ ዝመስል ፈሳሲ ምፍሳስ
- ምንኣስን ምዕባይን ጡብ
- ምቅይያር ሚዛን ሰብነት
- ስነ ኣእምሮኣዊ ዘይምርግጋዕ
- ቃንዛ(ጎሎ፥ርሕሚ)
- ካብ ንቡር ወፃኢ ፀጉሪ ምቡቃል
- ፈፀጋ
- ምርጋፍ ፀጉሪ ርእሲ

ምርመራ ወርሓዊ ፅግያት
***

-ሆርሞናዊ ምርመራ
-ደም ምርመራ
-ናይ ኣፈጣጥራ ፀገም ምርመራ
-ሽንቲ ምርመራ
-ምርመራ ኣልትራሳውንድ
-ምርመራ MRI

ሕክምና ምጥፋእ ወርሓዊ ፅግያት
***

=>ኣብ ጠንቂ እቲ ፀገምን ኩነታት ኣዶን ዘተኮረ እዩ።

- ቅድሚ ሐዚ ወርሓዊ ፅግያት ንዘይጀመረት-ባዕሉ ንኽጅምር ምፅባይ

->ሓፈሻዊ ሕክምና

- ዝወሓጡ መድሓኒታት
- መጥባሕቲ
- ኣካላዊን ኣእምሮኣዊን ሕክምና

ምጥፋእ ወርሓዊ ፅግያት
***

- ስሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር
- ስሩዕ ኣመጋግባ
- ምውጋድ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ክብደት ወዘተ

ብ ዶ/ር ወልዳይ ኣባዲ

ሰላም ቅንያት

ኮሮና ብሓባር ንከላኸል!

ቀንዲ ምልክታት ካንሰር ስርዓተ - ምርባሕ ደቂ ኣንስትዮ (Symptoms of Gynecologic Cancers)ናብ ዝምልከቶ (ክጠቕሞ ዝኽእል) ንኽበፅሕ ሼር ይግበሩ!
24/06/2020

ቀንዲ ምልክታት ካንሰር ስርዓተ - ምርባሕ ደቂ ኣንስትዮ (Symptoms of Gynecologic Cancers)

ናብ ዝምልከቶ (ክጠቕሞ ዝኽእል) ንኽበፅሕ ሼር ይግበሩ!

Address

Mussie Avenue
Mekelle
0000

Telephone

+251-933464768

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Hale Teka, M.D. posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share

Share on Facebook Share on Twitter Share on LinkedIn
Share on Pinterest Share on Reddit Share via Email
Share on WhatsApp Share on Instagram Share on Telegram