21/11/2023
ሕማም ዕፍሽዋ(ወይቦ)
ሓኪም- ክንደይ እዩ ዓመታ?
አደ ተሓካሚት- 2 ዓመታ እዩ
ሓኪም- ታይ ሕምዋ ዲኪ አምፂክያ?
አደ ተሓካሚት- ዓይና ብጫ ኮይኑ
ሓኪም-ክንደይ ገይሩ?
አደ ተሓካሚት- እእእእ.. ብቻ ልዕሊ ወርሒ ይገብር እዩ
ሓኪም- ንምንታይ ደአ ቀዲምኪ ዘየምፃእክያ?
አደ ተሓካሚት- ዕፍሽዋ እዩ ኢልና ናብ ባህላዊ ወሲድናያ
ሓኪም- ንምንታይ ደአ ሐዚ መፂእኪ?
አደ ተሓካሚት- ሐዚ ደአ ገዲድዋ፤ካብ ትማሊ ጀሚራ ዉንአ ስሒታ፣ተንቀጥቅጥ፣ቶሎ ቶሎ ትትንፍስ.............................................
ምልክታት ሕማም ዕፍሽዋ
-ምብጫው ዓይንን ሽንትን
-ሽውሃት ምግቢ ምዕፃዉ
-ሙቀት
-ቅርጥማት
-ተቅማጥ
-ንዓቀብ
-ከብዲ ምሕማም(ብፍላይ ድማ ልዕሊ
ሕምብርቲ የማናይ ክፋል)
-ሓድ ሓደ ጊዜ ባዕሉ ዝሓድግ እንትኮን ካልእ ጊዘ ከዓ ብእዋኑ እንተዘይተሓኪሙ ናይ ፀላም ከበዲ ድክመት(Liver failure) ብምምፃእ፤
*መድመይቲ
*ውነ ምስሓት
*ምንቅጥቃጥ
*ድቃስ ምዝባዕ
*ካብዚ ብኢሱ ከአ ናብ ከቢድ ስንክልናን
ሞትን ከብፅሕ ይክእል
መንቀሊታት ሕማም ዕፍሽዋ
-ቫይረስ(ብፍላይ ሄፓታይቲስ(hepatitis) ካልኦትን ከም ኤችአይቪ ዝበሉ)
-መድሓኒት ካብ ብበዓል ሞያ ዝተአዘዘ መጠን ንላዕሊ ምጥቃም(ብፍላይ ድማ ፓራሲታሞል (paracetamol) ወይ ፓናዶል ካልኦትን)
-ቲቢ(tuberculosis)
-ጎናዊ ሳዕቤን ሓደ ሓደ መድሓኒት(drug induced hepatitis)
-ሕማም አሜባ(amebiasis)
-ልቢ ድካም(heart failure)
-ምክንያቱ ዘይተፈለጠ እውን ክከዉን ይክእል
ክንገብሮም ዝግበአና ጥንቃቀታት
-ፅሬት ባዕልናን ምግብናን ምሕላው
-ምልክታት ተተርእዩ ናብ አብ ጥቃና ዝርከብ ጥዕና ትካል ብምካድ ዘድልይ ሕክምናን ክትትልን ምግባር
-ግቡእ አጠቃቅማ መድሓኒት
-መድሓኒት ህፃናት አብ ዘይረክብዎ ቦታ ምቅማጥ
ምንጪ - ዶክተር ስምረት መሓሪ (ስፔሻሊስት ሕክምና ህፃናትን ኣባፅሕን)