Mom is mom

Mom is mom Life is the art of drawing without earaser.

ትማሊ 9/7/2024 ኣብ ክነሰት እስራኤል ብዛዕባ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወዓለ ኣብዚ ሊንክ ኣቲኹም ክትሰምዕዎ ትኽእሉ ኢኹም።
10/07/2024

ትማሊ 9/7/2024 ኣብ ክነሰት እስራኤል ብዛዕባ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወዓለ ኣብዚ ሊንክ ኣቲኹም ክትሰምዕዎ ትኽእሉ ኢኹም።

21/09/2022
18/05/2022

Sorry to hear such bad news.bini isn't participate the game today.I hope recovery soon and may God bless you our hero.
We are proud of you our hero.

☆ጓለይ ክንደይ ቀብጠርጠር ትፈትዊ ኢኺ?☆    =ብመሓሪ ዑቅባሚካኤል (ጠዊል)‘ሰብኣይ ቅብጥር እንተሓዝካዮ ይነጥር’ ይብላ በዓል ሓትኖይ። መጠኑ ዝሓለፎ ቅብጥር ካብ ጠቕሙ ጉድኣቱ ስለዝበዝሕ...
20/05/2021

☆ጓለይ ክንደይ ቀብጠርጠር ትፈትዊ ኢኺ?☆

=ብመሓሪ ዑቅባሚካኤል (ጠዊል)

‘ሰብኣይ ቅብጥር እንተሓዝካዮ ይነጥር’ ይብላ በዓል ሓትኖይ። መጠኑ ዝሓለፎ ቅብጥር ካብ ጠቕሙ ጉድኣቱ ስለዝበዝሕ’የን ድማ ከምኡ ዝበላ። ብልክዕ ንሰብ ስለምንታይን ክሳብ ክንደይን ተቀባጥረሉ ምፍላጥ ኣገዳሲ’ዩ። ዝበዝሑ ሰባት ንምቅብጣር ንስኻ ‘ውን ጽቡቕ ክንክን ንኽትረክብ ኢልካ
እተንጸባርቖ ነገር ምዃኑ’ዮም ዝዛረቡ። ኣነ ግና ስለ ዝፈትወኪ’የ ዘቀባጥረልኪ። በቃ ካልእ መግለጺ የብሉን። ስለዝፈትወኪ ጥራሕ። ብጉንደይ ከኣ ንቕብጥር ዝተፈጠርኩ’የ ጓለይ። እንተዘይ ኣቀባጢረልክስ ከይደቀስኪ ትሓድሪ እመስለኒ። ሓደሓደ እዋን እተን ንጉሆ ብንጹሃተን ክርእየን ዝደሊ ኣዒንትኺ ቅይሕ ኢለን ክርእየ እንከለኹ ከምዚ ምሸት ከየቀባጠርኩ ዝሰደድኩኺ’ዩ ዝመስለኒ። ሓደ ከምዚ ናተይ ጥዑም ጸገም ዘጋጠሞ ዓርከይ ኣብ ካፈታት ምስ ኣተና ነቲ ሻሂ ኡፍ ኢልካ ኣስትየኒ’ያ ትብለኒ ምስ በለ ‘ደሓን ወደይ ማይን ቀጠፍን ሽኮርን ፈላልየለይ ዝብላ መሓዙት የን ዘለዋና’ ምስ በልክዎ ኩርምቲ ሓይሉ ክሳብ ዝረአ’ዩ ስሒቑ። ካባይ ዝለበምኪ ስለዝኾንኪ ዝፈተወ ሰብ
እንታይ ክገብር ከምዝኽእል ኣይጠፍኣክን’ዩ። ከም ዝርደኣኒ ስለምንታይ ክሳብ ክንዳኡ ቅብጥር ትፈትዊ ኣለኺ’ዩ ዘይተረድኣኪ ዘሎ። ሓደ እዋን ‘እቲ ዝዓበየ ካብ ኣፍቃርየይ
ዝጽበዮ ነገር ምቅብጣር’ዩ’ ምስ በልክኒ ምቅብጣር ክኽእሎ ተዓጢቐ’የ። ካን ክሳብ ክንድዚ ምሕንቃቕ ትደልዪ ኣይመሰለንን። ወትሩ ኩሉ ዝበልክዮ ክገብረልኪ ካብ ትደልዪ ኣይጠዓመንን። ካብ እተፍቅሮ ሰብ ምፍላይ ጥራሕ’ዩ ዘይጥዑም ዝመስለኒ ነይሩ። ለካ ምስ እትፈትዎ ሰብ ምህላው ‘ውን ዘይምጥዓም ይፈጥር’ዩ። ጓለይ ንፍቕሪ እትኸፍሎ ዋጋ’ዩ ተባሂሉ ዶ ይሕለፍ ይኸውን? ኣዕሩኽተይ ‘ስብእነትካ እናረከብካ ትኸይድ ኣለኻ’ ይብሉኒ ኣለው። ብዝተፈላለየ ምኽንያት ምሳኦም ኣብ ዝህልወሉ ደዊልኪ
ናብዚ ምጻእ ክትብልኒ እንከለኺ ካልእ ኣመኽንየ’የ ካብኦም ዝፍለ ነይረ። ሎሚ ግና ፈሊጠምዎ። ኣነ ‘ውን ‘ደዊላ’ እናበልኩ ካብኦም ተፈልየ ከይተሰከፍኩ ክመጸኪ ጀሚረ። እቲ ምኽንያት ናባኺ ምምጻእ ስለዝጥዕመኒ ጥራይ’ዩ። ንሳቶም ግና ናብ ኣዛዚተይ ቀይሮሙኺ። ፍጹም ሓንቲ ናይቲ ቃል ከዐብር ዘይክእል ምእዙዝ ክሓስቡኒ ጀሚሮም። ኣነ ከኣ ዘቀባጥር ዘለኹ ይመስለኒ። ጓለይ ነገራት ሕውስውስ
ኢሎሙኒ። ኣነ የሐንቅቓ ኣለኹ እብል ጀምዓይ ድማ ‘ተቘጻጺራቶ’ የመኽንዩ። ግደ ሓቂ ከምዚ መደብ ኣለኒ ኢለኪ ግድን ምጻእ ክትብልኒ እንከለኺ ንዓይ ‘ውን ግር ይብለኒ’ዩ። እምበር ዶ ህይወት ካልእ ገጻት ከምዘለዋ ትሓስብ ኣላ’ያ እናበልኩ ዝኸድኩሉ እዋናት ሒደት ኣይኮነን። ግዳ በታ ‘ሓንቅቕለይ’ እትብል ደርፊ ስለዝሰበኽኩኺ ኢደይ’የ ዝረክብ ዝህሉ። ሕንቅቕቲ፣ ንዓኺ ምቅብጣር ስረሐይ ኢለ ሒዘዮ ኣለኹ። ዝደክም ‘ውን ኣይመስለንን። ወዮ ድኣ ዝበዘሐ መሲሉ’ምበር ንዓኺ እንተቀባጠርኩ’ዩ ዝሕሸኒ። ግዳ ንስኺ ‘ውን ገለ ክብደት እቲ ሚዛን ተማቐሊ። መሓውረይ ገቲረ ኣብ ከብደይ ከደቅሰኪ እንከለኹ ክሳብ እትጸግቢ ኣይትመገቢ። ቀም ከኣ ይኣኽለኪ።

ምንጪ- መጽሔት መንእሰይ

ብፍላይ እቶም ኣብ እስሬኤል  ዘሎኩም ተሓባበሩኒ::እዚ መልእክቲ ናብዚ ሓውና መታን ክበጽሕ like and share  ንበሎ አሕዋት::
14/04/2021

ብፍላይ እቶም ኣብ እስሬኤል ዘሎኩም ተሓባበሩኒ::እዚ መልእክቲ ናብዚ ሓውና መታን ክበጽሕ like and share ንበሎ አሕዋት::

ሰላምታ ብምቅዳም እዚ ኣብ ታሕቲ ስእሊ ዘሎ ሰብ ዝፈልጦ እንተ ደኣ አሎ ብፍላይ እቶም ኣብ እስሬኤል ዘሎኩም ተሓባበሩኒ::እዚ መልእክቲ ናብዚ ሓውና መታን ክበጽሕ like and share ንበሎ አሕዋት::

ሰላምታ ብምቅዳም እዚ ኣብ  ታሕቲ ስእሊ ዘሎ ሰብ ዝፈልጦ እንተ ደኣ  አሎ ብፍላይ እቶም ኣብ እስሬኤል  ዘሎኩም ተሓባበሩኒ::እዚ መልእክቲ ናብዚ ሓውና መታን ክበጽሕ like and share...
14/04/2021

ሰላምታ ብምቅዳም እዚ ኣብ ታሕቲ ስእሊ ዘሎ ሰብ ዝፈልጦ እንተ ደኣ አሎ ብፍላይ እቶም ኣብ እስሬኤል ዘሎኩም ተሓባበሩኒ::እዚ መልእክቲ ናብዚ ሓውና መታን ክበጽሕ like and share ንበሎ አሕዋት::

ግዳ ፍቕርኻ  ዘይትገልጸለይ:ከም ዘፍቕራ :ፍቕሩ ከይገለጸላ ዝተረድኣትሉ ኽትመስል:ነቲ ብስሪ ፍቕራ ናብ ጸሓፋይ ጸሪሉ ዝነበረ እዋናት ሕኽኽ ኣቢላ'ያ ትርስዖ::እንበር ንሱስ መጠን ናቱ ፍቕሪ...
01/03/2021

ግዳ ፍቕርኻ ዘይትገልጸለይ:

ከም ዘፍቕራ :ፍቕሩ ከይገለጸላ ዝተረድኣትሉ ኽትመስል:ነቲ ብስሪ ፍቕራ ናብ ጸሓፋይ ጸሪሉ ዝነበረ እዋናት ሕኽኽ ኣቢላ'ያ ትርስዖ::እንበር ንሱስ መጠን ናቱ ፍቕሪ ክገልጽ ሓንሳብ ገጣማይ :ሓንሳብ ዘያማይ ኽኸውን ኽንደይ ዘይተመጣጠረ::

"መጠን ናትኪ ፍቕሪ ኣልቦ ምዕየሪ !
ድዩ ዝበለ: ከምዚ ኸማይ ፍቕሪ ዝተናኸዮ ገጣማይ:: ኣብ ምፍቃር እንበር ኣብ ምግላጽ ሕማቕ'የ ጽብቕተይ::ድሓር ከኣ ፍቕሪ'ኮ ተግባር እንበር ቓላት ኣይገልጾን'ዩ ::"

ብልቡ ፍቕሪ ከም ናይ ሞባይል ባትሪ: ክንደይ ቨርሰንተጅ-ፍቕሪ ከም ዘለካ ዘርኢ ክኸውን ኔርዎ በለ::ካብ'ዛ ወትሩ ዝይትጋደፎ ሕቶ ክዕርፍ እንዳሓሰበ::

"እሞ ፍቕሪ ተግባር ዝገልጾ ተኾይኑ: ፍቕርኻ ብተግባር ዘይትገልጸለይ ::"

ብልባ ደበና ገሊሁ ብሽንቃር ፍቕሪ ከዋኽብቲ: ከም በለስ ከውርደላ ትሓልም ንበርት::ሕልማ ግዲ ገሪምዋ ብልባ ክርትም ኢላ ስሓቀት :ካብ ውሽጣ ዝመልቖት ስሓቕ ንደገ ክትፍርሻሕ ክትብል ብኢዳ ዓገተታ::

"ሓይሊ ፍቕርኺ ንዓይ ከም ሞትን ሂወትን'ዩ! ፍቕርኺ ሂወት'ዩ : ምስኣንኪ ድማ ሞት ! ስለዚ መጠን ናትኪ ፍቕሪ ክገልጽ ተኾይነ መይተ ክትስእ ኣለኒ: መይተ ክትስእ ድማ ክርስቶስ ክኸውን ኣለኒ: ክርስቶስ ክኽውን ድማ ከፍቕር ኣለኒ: ስለዚ ድማ'የ ካብ ልበይ ዘፍቕረኪ !

01/03/2021

ሕልና

ፈጺምካ ከተደናግሮ ዘይትኽእል፡ ፈጺምካ ክትክሕዶ ዘይትኽእል ጻድቅ ግን ከኣ ናይ ሂወትካ ብጻይ እንተደኣ ሃልዩ “ሕልና’ዩ”። ሕልና ሓቀኛ’ዩ’ ሕልና ጻድቅ’ዩ። ሕልና ዓሌት፡ ኣውራጃ፡ ብሄር፡ ቋንቋ፡ ሕብሪ ቆርበት፡ ከይፈለየ ምሉእ መዓልቲ ክትገብሮ ዝወዓልካ ግብሪ፡ ለይቲ ምስ ደቀስካ ኣብ እዝኒ ቅርብ ኢሉ ሕሹኽ ዝብል’ዩ። ብፍጹም ኣይፈርሓካን እዩ። ግኒ ጎንካ ኮይኑ ብሓቂ ዝምጉት ሕልና’ዩ።

ዘሓጉስ ምልክታ - ኣብ እስራኤል ንዘለኹም ስደተኛታት
24/02/2021

ዘሓጉስ ምልክታ - ኣብ እስራኤል ንዘለኹም ስደተኛታት

UNHCR ናይ እስራኤል ነታ “መረጋገጺ ኩነታት ስደተኛ” እትብል ንናይ ካናዳ ፕሮሰስ ኣድላይት ዝኾነት ደብዳቤ፣ ቃለ- መጠይቕ እንዳገበረ ነቶም ዝግብምኦ ንኽህብ ምዝገባ ክጅምር ምኻኑ ኣፍሊ....

🙏 ርሑስ በዓል ልደት 🙏"እቲ መልኣኽ ድማ፡ እንሆ፡ ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ስለ ዘሎ፡ - ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡ - ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበስረኩም አሎ...
06/01/2021

🙏 ርሑስ በዓል ልደት 🙏
"እቲ መልኣኽ ድማ፡ እንሆ፡ ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ስለ ዘሎ፡ - ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡ - ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበስረኩም አሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ"።(ሉቃስ 2:10—11)

🇨🇦ዘሐጉስ  ብስራት🇨🇦ኣብ ዓመተ 2021ን  ን30 ሺሕ ወለድን ወለዲ-ወለድን ዕድል ተኸፊቱ !መንግስቲ ካናዳ፡ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ ደቆም ኣብ ካናዳ ዘለዉ እሞ፡ ስፖንሶር ክገብሩዎም ...
06/01/2021

🇨🇦ዘሐጉስ ብስራት🇨🇦

ኣብ ዓመተ 2021ን ን30 ሺሕ ወለድን ወለዲ-ወለድን ዕድል ተኸፊቱ !

መንግስቲ ካናዳ፡ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ ደቆም ኣብ ካናዳ ዘለዉ እሞ፡ ስፖንሶር ክገብሩዎም ዕጫ ዘእተዉሎም ወለዲን ወለዲ-ወለዲን (Parents and Grand Parents) ን30,000 ቦታ ከም ዝኸፈተ ኣቶ ማርኮ መንዶቺኖ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ስደተኛታት፡ ኢምግሬሽንን ዜግነትን ካናዳ ገሊጹ ኣሎ።

እዚ ማለት፡ ኣብዘን ዝመጻ 10 መዓልታት፡ ነቶም ወለዶም ወይ ወለዲ ወለዶም sponsor ክገብሩ ዕጫ ዝገበሩ ክሳብ 100, 000 ዝበጽሑ ኣመልከትቲ፡ ዝተዓወቱ ቀዳማይ ክፋል፡ ን10,000 ሰባት ብ ኢ-መይል ክሕበሮም እዩ።

ናይ እዚኣቶም ምስ ተጻፈፈ፡ ኣብዚ ዓመት እዚ ነቶም ዝቕጽሉ 20,000 ንምምራጽ ዕጫ ንምግባር ካልእ ዕድል ክኽፈት እዩ። እቶም ኣብዚ ቀዳማይ እብረ ዕድል ዝሓለፎም ደጊሞም ዕድሎም ክርእዩ ኣብ ዕጫ ክኣትዉ እዮም።

እቶም ሕጂ ዕጫ ዝበጽሖም ሰባት፡ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልቲ ኣድላዪ ዶክሞንትታ ኣቕሪቦም መመልከቲታቶም ከጻፍፉ ይግባእ።

ምስ ኢምግሬሽንን ዜግነትን ካናዳ ዝተኣሳሰር ምኽሪን ሓገዝን ብምጡን ዋጋ ምስ እትደልዩ፡ በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ኣድራሻ፡ ተሌፎንን ኢመይልን ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም።

ልሄም ኣገልግሎት ምኽሪ ኢምግሬሽንን ዜግነትን ካናዳ
ተሌ፡ 1-587-777-8742
ኢ-መይል፡ lehemcanada@gmail.com

መደባት ኢምግሬሽን ካናዳ - 2021! ዓመተ 2020 ሓንቲ ካብተን ብዓለም ደረጃ ዓቢ ቁጠባዊን ህይወታዊን ሃስያ ዘውረዳ ፍሉያት ዓመታት ኰይና ኣብ ታሪኽ ክትምዝገብ እያ። ክሳብ እዛ ህሞት እ...
29/12/2020

መደባት ኢምግሬሽን ካናዳ - 2021!

ዓመተ 2020 ሓንቲ ካብተን ብዓለም ደረጃ ዓቢ ቁጠባዊን ህይወታዊን ሃስያ ዘውረዳ ፍሉያት ዓመታት ኰይና ኣብ ታሪኽ ክትምዝገብ እያ። ክሳብ እዛ ህሞት እዚኣ፡ ብሕማም ኮሮና ባይረስ ጥራይ ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ሰባት ህይወቶም ክስእኑ ከለዉ፡ ሃገራት ዓለም፡ ብትሪልዮናት ዶላርት ዝግመት ቑጠባዊ ዕንወት በጺሕወን ይርከብ።

ንኣና ዜጋታት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ድማ ዜጋታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዀንና፡ እዚ ዝበልናዮ ያኢ ውሒዱስ፡ ብሰንኪ ዘይሓላፍነታውያን እኩያት ጉጅለታት፡ ኣደዳ ተወሳኺ ኩናት፡ ስደትን ምምዝባልን ኰይንና ንርከብ። እቲ ሕጂ ካልኣይ ወርሑ ክመልእ ቁሩብ ተሪፉዎ ዘሎ፡ ኣብ ትግራይ እተወለዐ ኣዕናዊን ኣጽናቲን ኩናት፡ ኪንዮ እቲ እተመደበሉ ግዜን ቦታን ሰጊሩ፡ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ኬንያን ሶማልያን ክሓማምስ ተኽእሎ ኣለዎ። ኣምላኽ ኮታ ንውግእን ወረ ውግእን ይኣክል ኢሉ፡ ንፋስ ሰላምን ምትሕብባርን የንፍሰልና።

ኣብ 2020፡ ልክዕ ከም ካልእ ጽላታት እታ ሃገር፡ ኢምግሬሽን ካናዳውን ኣዝዩ ተሃስዩ እዩ። ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ባይረስ፡ ማእለያ ዘይብሎም መመልከቲታት ተዳንጉዮም፡ Interview ተሰሪዙ፡ ናይ ምምስራሕ ግዜ ተጓቲቱ፡ Medical ሓሪሩ፡ ጉዕዞታታ ተሰሪዞም በዚን ብኻልእ እልፊ ምኽንያታትን ህይወት ብዙሓት ተማሳቒሉ፡ ሰሪ ጭንቀትን ተስፋ ምቑራጽን ናይ ብዙሓት ሰባትውን ኰይኑ እዩ።

ይኹን እምበር ምስ ምምጻእ ክታበታት ኮሮና ቫይረስ ናይ ከም በዓል Pfizer and Moderna ዝኣመሰሉ ትካላት፡ ኣብ 2021፡ ዓለም ብዘገምታ ናብ ንቡር ክትምለስ ተስፋ ኣለዋ። ስለዚ ኸኣ፡ መንግስቲ ካናዳ ናይ 3 ዓመት መዳባቱ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።

በዚ መሰረት፡ መንግስቲ ካናዳ፡ ኣብ 2021፡ ካብኣቶም 60,000 ስደተኛታት ዝርከብዎም፡ ልዕሊ 400,000 መጻእተኛታት ክቕበል መዲቡ ኣውጺኡ ይርከብ። እቶም ዝተረፉ 340,000፡ ብሞያን ብምጥርናፍ ስድራቤትን ኣቢሎም ዝመጹ ክዀኑ እዮም። ካናዳ፡ ኣብ 2022፡ 411፣000, ኣብ 2023 ድማ፡ 421,000 መጻእተኛታት ክትቅበል ውጥን ኣውጺኣ ኣላ። ብሓጺሩ ኣብ ውሽጢዚ 3 ዓመታት፡ ካብኣቶም ከባቢ 180,000 ስደተኛታት ዝርከብዎም፡ ልዕሊ 1.6 ሚልዮን መጻእተኛታት ናብ ካናዳ ክኣትዉ ትጽቢት ይግበር።

ንእግረ መገድና፡ ጉዳይ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት መንግስቲ ካናዳ ብፍሉይ ርእዩ ፍታሕ ክገብረሎም ምስ ዝተፋላለዩ ኣባላት ፓርላማ ካናዳ ካልኦት ሰብ ስልጣንን ርክብ ንምግባር ጻዕሪ ንገብር ኣሎና። እተወደበን ጽዑቕን ጐስጓስ ብምግባር፡ ለውጢ ምምጻእ ዘይከኣል ኣይኰነን።

ኣገልግሎት ምኽሪ ኢምግሬሽንን ዜግነትን ካናዳ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ብሰንኪ ልደትን ሓዲስ ዓመትን ዓጺና ንርከብ። Monday፣ January 7th, 2021 ንቡር ኣገልግሎትና ናብ ምሃብ ክንምለስ ኢና።

ምስ ኢምግሬሽንን ዜግነትን ካናዳ ዝተኣሳሰር ሓገዝ ምስ እትደልዩ፡ በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ኣድራሻ፡ ተሌፎንን ኢመይልን ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም።

ልሄም ኣገልግሎት ምኽሪ ኢምግሬሽንን ዜግነትን ካናዳ
ተሌ፡ 1-587-777-8742
ኢ-መይል፡ lehemcanada@gmail.com

ውግእን ወረ ውግእን ዘኽትመሉ፡ ርሑስ ዓመተ 2021 ይግበረልና!

Its saturday,wishing you  a wonderful day
21/11/2020

Its saturday,wishing you a wonderful day

* ኣስተውዕል *•ነታ ካብ ልቢ ተፍቅርካ ጋል ሄዋን ኣይተንባዓያ ከምቲ ንሳ ሂወታ ትኸፍለልካ ንስኻ ካዓ ንመስዋእቲ ድልው ኩነላ ምክንያቱ ፍቅሪ ብመስዋእቲ 'ዩ ዝጥጥዕ ::•ኣብ ሓቀኛ ፍቅሪ ...
13/11/2020

* ኣስተውዕል *
•ነታ ካብ ልቢ ተፍቅርካ ጋል ሄዋን ኣይተንባዓያ ከምቲ ንሳ ሂወታ ትኸፍለልካ ንስኻ ካዓ ንመስዋእቲ ድልው ኩነላ ምክንያቱ ፍቅሪ ብመስዋእቲ 'ዩ ዝጥጥዕ ::

•ኣብ ሓቀኛ ፍቅሪ ምንባር ኣብ ሕጊ ኣምላክ ምንባር ማለት 'ዩ ::ሕጊ ኣምላክ ምስ ትፍልጥ ድማ ሓቀኛ ፍቅሪ ትነብሮን ተስተማቅሮን ::

•ማዓርግ ፍቅሪ እምነት ልቢ 'ዩ እምበር ብመልሓስ ጠቢርካ ምሩጻት ቃላት ስለእትድብሪ ኣይኮነን ::

•ናይ ማዕሙቅ ፍቅሪ ማሙቅ ሂወት 'ዩ:: ናይ ልሳን ፍቅሪ ግን ክትዛርቦ እውን ካብ ኣፍካ ዝሃፍፍ 'ዩ ::

•ሰባት እዮም እኮ ሙቁራት ጸኒሖም ዝዕርዕሩ 'እሙናት ጸኒሖም ዝጠልሙ' ረዘንቲ ጸኒሖም ዝፎክሱ' ካብ ንግሆ ንምሽት ዝቀያየሩ 'ፍቅሪ ኣይኮነን ወሪድዎ ፍቅሪ ናይ ፍቅሪ ታቦት ኣብ ኩላትና ይንበረ !!

ቡሩክ ምሽት ሙቁራተይ💘💘🌍🌍👫🙏🙏🙏

Address

תל אביב-יפו, תל אביב, ישראל
Tel Aviv
60000

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Mom is mom posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share

Share on Facebook Share on Twitter Share on LinkedIn
Share on Pinterest Share on Reddit Share via Email
Share on WhatsApp Share on Instagram Share on Telegram