29/12/2020
መደባት ኢምግሬሽን ካናዳ - 2021!
ዓመተ 2020 ሓንቲ ካብተን ብዓለም ደረጃ ዓቢ ቁጠባዊን ህይወታዊን ሃስያ ዘውረዳ ፍሉያት ዓመታት ኰይና ኣብ ታሪኽ ክትምዝገብ እያ። ክሳብ እዛ ህሞት እዚኣ፡ ብሕማም ኮሮና ባይረስ ጥራይ ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ሰባት ህይወቶም ክስእኑ ከለዉ፡ ሃገራት ዓለም፡ ብትሪልዮናት ዶላርት ዝግመት ቑጠባዊ ዕንወት በጺሕወን ይርከብ።
ንኣና ዜጋታት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ድማ ዜጋታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዀንና፡ እዚ ዝበልናዮ ያኢ ውሒዱስ፡ ብሰንኪ ዘይሓላፍነታውያን እኩያት ጉጅለታት፡ ኣደዳ ተወሳኺ ኩናት፡ ስደትን ምምዝባልን ኰይንና ንርከብ። እቲ ሕጂ ካልኣይ ወርሑ ክመልእ ቁሩብ ተሪፉዎ ዘሎ፡ ኣብ ትግራይ እተወለዐ ኣዕናዊን ኣጽናቲን ኩናት፡ ኪንዮ እቲ እተመደበሉ ግዜን ቦታን ሰጊሩ፡ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ኬንያን ሶማልያን ክሓማምስ ተኽእሎ ኣለዎ። ኣምላኽ ኮታ ንውግእን ወረ ውግእን ይኣክል ኢሉ፡ ንፋስ ሰላምን ምትሕብባርን የንፍሰልና።
ኣብ 2020፡ ልክዕ ከም ካልእ ጽላታት እታ ሃገር፡ ኢምግሬሽን ካናዳውን ኣዝዩ ተሃስዩ እዩ። ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ባይረስ፡ ማእለያ ዘይብሎም መመልከቲታት ተዳንጉዮም፡ Interview ተሰሪዙ፡ ናይ ምምስራሕ ግዜ ተጓቲቱ፡ Medical ሓሪሩ፡ ጉዕዞታታ ተሰሪዞም በዚን ብኻልእ እልፊ ምኽንያታትን ህይወት ብዙሓት ተማሳቒሉ፡ ሰሪ ጭንቀትን ተስፋ ምቑራጽን ናይ ብዙሓት ሰባትውን ኰይኑ እዩ።
ይኹን እምበር ምስ ምምጻእ ክታበታት ኮሮና ቫይረስ ናይ ከም በዓል Pfizer and Moderna ዝኣመሰሉ ትካላት፡ ኣብ 2021፡ ዓለም ብዘገምታ ናብ ንቡር ክትምለስ ተስፋ ኣለዋ። ስለዚ ኸኣ፡ መንግስቲ ካናዳ ናይ 3 ዓመት መዳባቱ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።
በዚ መሰረት፡ መንግስቲ ካናዳ፡ ኣብ 2021፡ ካብኣቶም 60,000 ስደተኛታት ዝርከብዎም፡ ልዕሊ 400,000 መጻእተኛታት ክቕበል መዲቡ ኣውጺኡ ይርከብ። እቶም ዝተረፉ 340,000፡ ብሞያን ብምጥርናፍ ስድራቤትን ኣቢሎም ዝመጹ ክዀኑ እዮም። ካናዳ፡ ኣብ 2022፡ 411፣000, ኣብ 2023 ድማ፡ 421,000 መጻእተኛታት ክትቅበል ውጥን ኣውጺኣ ኣላ። ብሓጺሩ ኣብ ውሽጢዚ 3 ዓመታት፡ ካብኣቶም ከባቢ 180,000 ስደተኛታት ዝርከብዎም፡ ልዕሊ 1.6 ሚልዮን መጻእተኛታት ናብ ካናዳ ክኣትዉ ትጽቢት ይግበር።
ንእግረ መገድና፡ ጉዳይ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት መንግስቲ ካናዳ ብፍሉይ ርእዩ ፍታሕ ክገብረሎም ምስ ዝተፋላለዩ ኣባላት ፓርላማ ካናዳ ካልኦት ሰብ ስልጣንን ርክብ ንምግባር ጻዕሪ ንገብር ኣሎና። እተወደበን ጽዑቕን ጐስጓስ ብምግባር፡ ለውጢ ምምጻእ ዘይከኣል ኣይኰነን።
ኣገልግሎት ምኽሪ ኢምግሬሽንን ዜግነትን ካናዳ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ብሰንኪ ልደትን ሓዲስ ዓመትን ዓጺና ንርከብ። Monday፣ January 7th, 2021 ንቡር ኣገልግሎትና ናብ ምሃብ ክንምለስ ኢና።
ምስ ኢምግሬሽንን ዜግነትን ካናዳ ዝተኣሳሰር ሓገዝ ምስ እትደልዩ፡ በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ኣድራሻ፡ ተሌፎንን ኢመይልን ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም።
ልሄም ኣገልግሎት ምኽሪ ኢምግሬሽንን ዜግነትን ካናዳ
ተሌ፡ 1-587-777-8742
ኢ-መይል፡ lehemcanada@gmail.com
ውግእን ወረ ውግእን ዘኽትመሉ፡ ርሑስ ዓመተ 2021 ይግበረልና!