N-aflto Soliana

N-aflto Soliana ዕላም እዚ መደብ እዚ ኣፍልጦና ንምዕባይ እዩ ። ዝተፈላለዩ መ?

ናይ ሎሚ ዝነበረ ፕረስኮንፈረን ብዛዕባ ሕግታት ኮሮና
26/11/2021

ናይ ሎሚ ዝነበረ ፕረስኮንፈረን ብዛዕባ ሕግታት ኮሮና

🌍 ዓለም ካብ መልከፍቲ Covid-19  ንምክልኻል 👉
21/11/2021

🌍 ዓለም ካብ መልከፍቲ Covid-19 ንምክልኻል 👉

ካብ 26 ሰነ ጀሚሩ ግብራዊ ዝኸውን ናይ ኮሮና ሕግታት•√ ካብ 26 ሰነ ጀሚሩ ተደሪቱ ዝነበረ ብዝሒ ኣብ ሓደ እዋን ናብ ቤትካ ክመጽኡ ዝኽእሉ በጻሕቲ ተኣልዩ ኣሎ። በዚ መሰረት በጻሕቲ ብዘ...
21/06/2021

ካብ 26 ሰነ ጀሚሩ ግብራዊ ዝኸውን ናይ ኮሮና ሕግታት

•√ ካብ 26 ሰነ ጀሚሩ ተደሪቱ ዝነበረ ብዝሒ ኣብ ሓደ እዋን ናብ ቤትካ ክመጽኡ ዝኽእሉ በጻሕቲ ተኣልዩ ኣሎ። በዚ መሰረት በጻሕቲ ብዘይ ገደብ ናብ ቤትካ ክመጽኡ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ኣገዳሲ ነገር ግን ምስ ኣጋይሽካ ናይ 1.5 ሜትሮ ርሕቀት ክትሕሉ ኣሎካ።

•√ ካብ ዕለት 26 ሰነ ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ምግባር ግድን ኣይኮነን፡ብዘይካ ኣብ ህዝባዊ መጎዓዝያ፡ኣብ ውሽጢ ነፋሪትን ማእከላይ ደረጃ ቤ/ ትምህርትታትን።

•√ እቲ ንቡር ንጥፈታት ናይ ሬስቶራንት፡ ሲነማ፡ ናይ ኣኼባ ኣደራሻትን ካልእ ህዝባዊ ቦታታት ዝካየድ ዝነበረ ንጥፈታት ካብ 26 ሰነ ጀሚሩ ምሉእ ብምሉእ ፍቑድ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ መንጎኻ ግን ናይ 1.5 ሜትሮ ምርሕሓቕ ክትገብር ግን ኣሎካ።

•√ ስራሕ፥- ኣብ መንበሪ ገዝኦም ኮይኖም ዝሰርሑ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ፍርቂ ስርሖም ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ብምኻድ ከካይዱ ክኽእሉ ኢዮም። ናይ 1.5 ሜትሮ ርሕቀት ምሕላው ግን ኣብ ቦትኡ!

•√ ናይ ኣማተር ስፖርታዊ ንጥፈታት፡ ካብ 26 ሰነ ጀሚሩ ንኹሉ ሰብ ደጊሙ ፍቑድ ክኸውን ኢዩ። ናይ ሜትሮን ፈረቓን ርሕቀት ምሕላው ግን ግድን ኢዩ።

•√ መሸጣ ኣልኮል፡- ድሕሪ ሰዓት 22:00 ኣልኮል ምሻጥ ዝኽልክል ሕጊ፡ ካብ 26 ሰነ ጀሚሩ ኣልጊሱ ኣሎ።

•√ ናይ ኮሮና መርመራን መገሻን፡- ዝመጽእ ወርሒ ሓምለን ነሓሰን ካብ ሆላንድ ንወጻኢ ሃገር ዝገሹ ገያሾ፡ ብነጻ መርመራ ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ናይ ነጻ መርመራ፡ ነቶም ዛጊት ፈጺሞም ዘይተኸትቡ ወይ ድማ ምሉእ ብምሉእ ዘይተኸትቡ ተጎዓዝቲ ኢዩ ዝምልከት።

31/05/2021

አብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ቪድዮ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝነበረ ፕረስኮንፈረንስ ብዛዕባ ምፉዃስ ሕግታት ኮሮናቫይረስ-19 ኣብ ሃገረ ኔዘርላንድ ብዝምልከት ብቋንቋ ትግርኛ ብቴቬሴን ዝተባህለ ነንሓድሕድ ዘረዳድእ ትካል ተተርጉሙ ቀሪቡ ኣሎ።

ሼር ብምግባርኩም ናብ ካልኦት ነመሓላልፍ።

Source: GlobalTalk

 #ንኣፍልጦ ብዛዕባ  #ልዑል  #ጸቕጢ  #ደም• √ ጸቕጢ ደም ማለት ልቢ እትጭንጉዖ ደም ኣብ ሰራውር ደም ዝፈጥሮ ሓይሊ ወይ ጸቅጢ ክዕቀን ከሎ እዩ።• ጸቕጢ ደም ውጽኢት ናይ ህርመት ወይ ...
20/05/2021

#ንኣፍልጦ ብዛዕባ #ልዑል #ጸቕጢ #ደም

• √ ጸቕጢ ደም ማለት ልቢ እትጭንጉዖ ደም ኣብ ሰራውር ደም ዝፈጥሮ ሓይሊ ወይ ጸቅጢ ክዕቀን ከሎ እዩ።
• ጸቕጢ ደም ውጽኢት ናይ ህርመት ወይ ጭንጓዐ ደም ልብን ላስትካዊ ባህሪ ናይ ሳምብቆታት ደም እዩ።
• √ ሲስቶሊክ/ዳያስቶሊክ
• ንቡር ጸቕጢ ደም=120/80mg Hg( ገምጋም) ዕድመ >18
• ልዑል ጸቕጢ ደም =>140/90mgHg

¶ ደረጃታት ልዑል ጸቕጢ ደም

•√ ንቡር =160/100mgHg

¶ ተርእዮታት ሎዑል ጸቕጢ ደም:-

• 26% ካብ ብዝሒ ዓለም ብልዑል ጸቕጢ ደም ዝተጠቅዑ እዮም።
• 16% ኣብ ሃገርና።

¶ ጠንቅታት ልዑል ጸቕጢ ደም:-

1. 95% ጠንቁ ፍሉጥ ኣይኮነን
ገለ ካብ ኣቃላዕቲ/ጸለውቲ ረቃሒታት:-
• √ ዕደመ
•√ ጾታ
• √ ተወርሶ
• √ እኹል ኣካላዊ ምንቅስቃስ ዘይ ምግባር
• √ ልዑል ክብደት/ሚዛን ሰውነት-ምክሳዕ
• √ ዘይ ግቡእ ኣመጋግባ
• √ ልዑል ዓቀን ጨው ምዝውታር
•√ ሽጋራ ምትካኽ/ትምባኾ ምጥቃም
• √ ልዑል ዓቀን ኣልኮላዊ መስተ ምዝውታር
• √ ሕማም ሽኮር
• √ ጭንቀት

2. 5% ጠንቁ ፍሉጥ እዩ።
• √ ሕዱር ሕማም ኩሊት
• √ ናይ ሆርሞን ምዝንባል
• √ መከላኸሊ ጥንሲ ምጥቃም
• √ ሓፈሻዊ ሕማም ናይ ሰርዋር ደም
• √ ኣብ ግዜ ጥንሲ ዘጋጥም ልዑል ጸቕጢ ደም ወዘተ. ...,

¶ ምልክታትን ስምዒታትን ልዑል ጸቕጢ ደም:-
ልዑል ጸቅጢ ደም ዝበዝሐ ግዜ ምልክት ኣየርእን እዩ።ሰላሕታዊ ቀታሊ ሕማም እዩ፡ ገለ ካብ ምልክታቱ ድማ :-
• √ ቃንዛ ርእሲ
• √ ቃንዛ ክሳድን ምንኩብን
• √ ርእሲ ጽርውርው ምባል
•√ ቃንዛ ኣፍልብን ሕጽረት ምስትንፋስን
• √ ዓይኒ ጽልግልግ ምባል
•√ ምድማይ ኣፍንጫ

¶ ሳዕቤናት ልዑል ጸቕጢ ደም:-

¶ ልቢ
• √ድካም ልቢ
• √ምግጃፍ ጭዋዳታት ልቢ
• √ምጽባብ ሰራውር ደም ናይ ልቢ

¶ ሓንጎል
• √ወቅዒ ሓንጎል
•√ ምጉዳል ናይ ምዝካርን ምርዳእን ዓቅሚ

¶ኩሊት
• √ሃንደበታዊ ወይ ሕዱር ሕማማ ኩሊት
•√ምዕጻው ሰራውር ደም ናይ ኣካላት
•√ ምማት ዋህዮታት ኣካላት

¶ዓይኒ
•√ ምድካም ናይ ምርኣይ ዓቅሚ
• √ዑረት

¶ ልዑል ጸቕጢ ደም ብከመይ ንከላኸሎ?

1 👉ኣካላዊ ምንቅስቃስ ምዝውታር
•√ 30 ደቃይቅ ኣብ መዓልቲ፡ንኣብነት ብእግሪ ምዝዋር፡ምስዕሳዕ፡ምሕንባስ፡ ብሽክሌታ ምዝዋር ወዘተ።
•√ 5 መዓልቲ ኣብ ሰሙን ስሩዕን ቀጻልን ምንቅስቃስ ኣካላት ምዝውታር።
2👉ሽጋራን/ትንባኾን ኣልኮላዊ መስተን ምውጋድ
3👉ልዑል ክብደት/ሚዛን ሰውነት ምቅናስ
•√ ክብደትና ምስ ቁመትና ክመዓራረ ኣልዎ።
4👉ጥንቀት ኣእምሮ ምውጋድ
5👉ጸቅጢ ደምና ብስሩዕን ቀጻልን ምዕቃን።
6👉ብሓኪም ዝተኣዘዘ መድሃኒት ብግቡእ ምውሳድ
7 👉ውሑድ ዓቀን ጨው ምውሳድ

¶ ናይ ልዑል ጸቕጢ ደም መድሃኒት:-

1. ብዙሓት ዓይነታት መድሃኒታት ኣሎዉ.
•√ ክእዘዙ ከሎዉ ኣብ ግምት ዝኣትዉ :- ዕድመ፡ደረጃ ናይ ልዑል ጸቅጢ ደም፡ተወሰኽቲ ሕማማት፡ተጻዋረነት ንጎድናዊ ሳዕቤናት።
2.ሓኪም ዝኣዘዞ መድሃኒት ኣብ ግቡእ እዋን ብግቡእ ክውሰድ ይግባእ።
3.ሓገዝ ኣባላት ስድራቤት
4.ጎድናዊ ሳዕቤናት ናይ መድሃኒት:-
• ስሓ ኣብ ቆርበት
• ደረቅ ሰዓል
• ሕበጥ እግሪ
• ነድሪ ኣካላት

Source: - ካብ ዝተመሃርኩዎን ዘንበብኩዎን
Like, share, comment & follow N-aflto(ንኣፍልጦ) page.

Mussie Ghebreab
20/05/2021 Netherland

 #ንኣፍልጦ ብዛዕባ 4 ዓይነታት ኣተዓባብያ  ቖልዑ1ይ.¶ ምልካዊ ዓይነት ኣተዓኣባብያ ፦ ኣብዚ ዓይነት ኣተዓባብያ እዚ ወለዲ ጽኑዕ ሕጊ የንብሩ፡እዚ ሕጊ እዚ ድማ ብዘይ ዕጥይ ምጥይ ብደቆም...
19/05/2021

#ንኣፍልጦ ብዛዕባ 4 ዓይነታት ኣተዓባብያ ቖልዑ

1ይ.¶ ምልካዊ ዓይነት ኣተዓኣባብያ ፦
ኣብዚ ዓይነት ኣተዓባብያ እዚ ወለዲ ጽኑዕ ሕጊ የንብሩ፡እዚ ሕጊ እዚ ድማ ብዘይ ዕጥይ ምጥይ ብደቆም ክትግበር ይጠልቡ። ደቆም ድማ ኣቡኦም ኣዲኦምን ዝበሉዎም ጥራይ ይገብሩ።እቶም ቖልዑ ካብ ዝተበሃልዎ ምትግባር ሓሊፎም ሕቶን ርኢቶን ምሃብ ኣይ ፍቀድን።እዚ ዓይነት ኣተዓባብያ እዚ ድሌት ናይ ደቆም ኣብ ግምት ዘየእቱ ጥራይ ዘይኮነ ኣዝዩ ጎዳእን ሃሳይን ዓይነት ኣተዓባብያ እዩ።

2ይ.¶ ዲሞክራስያዊ ዓይነት ኣተዓባብያ ፦
ኣብዚ ኣተዓባብያ እዚ ወለዲ ንጹር ሕጊ የቐምጡ። ንደቆም ድማ ሓሳባቶምን ስምዒቶምን ክገልጹ ይፈቅዱሎም። ንወለድን ውሉዳቶምን ድማ ተመላሊኦምን ተሰማሚዖምን ትኸባቢሮምን ከም ዝከዱ ዝገብር ጥራይ ዘይኮነ ናይ ኩሎም ድሌታት ኣብ ግምት ዘእተወ ዓይነት ኣተዓባብያ እዩ።
ኣብዚ ዓይነት ኣተዓባብያ እዘን ዝስዕባ ጥቅምታት ክርከብ ይኽእል ፡-
•√ ቆልዑ ናይ ገዛእ ርእሶም ሓሳባት ንክፈጥሩን ንኽበላሓቱን ይሕግዞም።
•√ ነቶም ቆልዑ ጥዑይ ዝኾነ ማሕበራዊ ርኽባት ኣብ ምፍጣርን ኣብ ኣካዳምያዊ ትምህርቶም ድማ ዕዉታት ንኽኾኑ ባይታ ይፈጥረሎ።
•√ እቶም ቖልዑ ናይ ገዛእ ርእሶም መንነትን ናይ ካልኦትን ንኽፈልጡ ይሕግዞም።
•√ `ከምኡ እውን ምስ ስድርኦም ዘሎዎ ጽቡቅ ርክብ ንክድንፍዕን ምስ ዓበዩ ድማ ካብ ተጸባይነት ከም ዝገላገሉን ኣፍረይቲ ንኽኾኑን ክሕግዞም ይኽእል።

3ይ.¶ ፋሉላዊ ዓይነት ኣተዓባብያ፦
ኣብዚ ኣተዓባብያ እዚ ሓመዶም የዕብዮም ኢልካ ትወልዶም እምበር ኣይ ተዕብዮምን። እዚ ዓይነት ኣተዓባብያ ድማ ኣዝዩ ሃሳይን ጎዳእን ዓይነት ኣተዓባብያ እዩ።ከም ውጽኢቱ ድማ እቶም ቖልዑ ድማ ምስ ዓበዩ ናይ ግዳም ሓደር ባህርን ስርቅን ገበንን ዝኣመሰሉ ግዳያት ይኾኑ።

4ይ. ¶ ሕንቁቕ ዓይነት ኣተዓባብያ ፦
ኣብዚ ዓይነት ኣተዓባብያ እዚ ወለዲ ቖልዑ ቖልዑ ኮይኖም ይዕበዩ ብምባል ደረት(ሕጊ) ኣየንብሩን እዮም ።ደቖም ድማ ከም ከም ቃሕ ዝበሎም ኮይኖም ይዓብዩ።

ስለዚ ንኹልኹም ኣብ ስደት እንትነብሩ ወለዲ ንደቅኹም ካብዘን 4 ዓይነታት ኣተዓባብያ ቖልዑ በየነይተን ዓይነት ኣተዓባብያ ተዕብዩዎም ኣሎኹም?
መልሲ ኣብ comment ጸሓፉ ኢኹም።

Mussie Ghebreab ኣዳላዊ መደብ ንኣፍልጦ

Like, Share ,comment & Follow our page.

09/05/2021

#ድኻም #ልቢ

ሰላም ተኸታተልቲ መደብ ንኣፍልጦ ከመይ ኣሎኹም? ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ምጥፋእ ተመሊሰ ኣሎኹ፥ ናይ ሎሚ ኣርእስትና ድማ ብዛዕባ ድኻም ልቢ እዩ ክኸውን።

ኣብዚ ኣርእስቲ:-
-ድኻም ልቢ እንታይ ምዃኑ?
-ኣብ ክንደይ ከም ዝኽፈል? እንታይ ምልክታት ኣልዎ?
-እንታይ ምልክታት ምስ ዝስመዓና ናብ ሕክምና ክንከይድ ይግበኣና?
-እቶም ድኻም ልቢ ዘለና’ኸ እንታይ ክንገብር ኣሎና ኣብ ዝብሉ ሕቶታት ኽንረኢ ኢና።

ሰናይ ምክትታል

¶ድኻም ልቢ ፡-
ልቢ ከምቲ ዝግብኣ ደም ምስ ዘይትመልእ ወይ ከኣ ነቲ ዝተቐበለቶ ደም ብግቡእ ናብ መላእ ኣካላትና ናይ ምጭንጓዕ ክእለታ ምስ ዝቆድል/ ምስ ዝደክም ዘጋጥም ሕማም እዩ። ኣብ ልብና ዝርከቡ ካብ ልቢ ናብ መላእ ሰውነት ደም ዘመሓላልፉ ናይ ደም ስራውር (ኣርተሪስ ) ምስ ዝጸቡ ወይ ከአ ልዑል ጸቕጢ ደም ምስ ዝህሉ ልቢ ናይ ምምላእን ምጽንጓዕ ክእለታ ምስ ግዜ እናደኸመ ይኸይድ’ሞ ድኻም ልቢ የስዕብ።

ድኻም ልቢ ቅጽበታዊ ብርቱዕ (ኣኪዩት) ወይ ከኣ ሕዱር ሕማም (ክሮኒክ) ክኸውን ይኽእል።

ቅጽበታዊ (ኣኪዩት) ድኻም ልቢ ምስ ዘጋጥመና ህጹጽ ሕክምናዊ ረዲኤት ክንጠልብ ይግባእ`። ሕጽረት ትንፋስ እቲ ቀንዲ ምልክት ናይ ቅጽበታዊ ድኻም ልቢ እዩ።

ተወሰኽቲ ምልክታት ኣብ ክልቲኦም ዓይነት ድኻም ልቢ ዘጋጥሙ እዞም ዝስዕቡ እዮም።

•√ ናይ ድኻም ስሚዒት
•√ ሕበጥ ኣብ ኣእጋርን ዓንካር ዓንካሪቶን
•√ ቅልጡፍን ወይ ዘይስሩዕ ህርመት ልቢ
•√ከም ዝደለኻዩ ክትንቀሳቐስ ዘይምኸኣል፣ እዚ ማለት ቀልጢፍካ ትደክም ወይ ሕመም ይስመዓካ
•√ ተደጋጋሚ ሰዓል ወይ ደም ዝተሓወሶ ጻዕዳ ወይ ከኣ ሮዛ ዓኽታ ዘለዎ ዓኽታ
•√ ኣብ ግዜ ለይቲ ብተደጋጋሚ ሽንቲ ናይ ምስሻን ድልየት
•√ ሕበጥ ከብዲ
•√ ኣብ ሓጺር ግዜ ዘጋጥም ምውሳኽ ክብደት ሰውነት
•√ ኣትኩሮካ ምጉዳል
•√ም ዕጻው ሸውሃትን ዕግርግር ምባልን
•√ ሃንደበታዊ ብርቱዕ ሕጽረት ትንፋስን ሮዛ ሕብሪ ዘለዎ ዓፍራ ዝመስል ዓኽታን
•√ቭናይ ኣፍልቢ ሕማም፣ እዚ ኣብ ጸጋማይ ኣፍልቢ ጥራሕ ዝተወሰነ ኣይኮነን።
እዞም ምልክታት ኣብ ቅጽበታዊ ድኻም ልቢ ጎሊሖም ይረኣዩ።
ንኣብነት ሕብጠት ኣእጋርን መንፋሕቲ ከብድን ሃንደበት የጋጥም። ከምኡ ድማ ኣብዚ ግዜ እዚ ሰውነት ፈሳሲ ስለ ዝⷆጽር ሃንደበታዊ ምውሳኽ ክብደት ሰውነት የጋጥም። እዚ ክበሃል ከሎ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ካብ 0.9-1.4 ኪ.ግ ወይ ከአ ኣብ ሰሙን ናይ 2.5 ኪ.ግ ወሰኽ ክብደት ይርኤ።

¶ መዓስ ናብ ሕክምና ክንከይድ ይግብኣና?

1-ኣብ ኣፍልብና ምልክት ሕማም ምስ ዝስመዓና፤ ጨቢጡ ናይ ምሓዝ ወይ ከአ ጸቕጢ ክስመዓና ይኸእል። እዚ ናይ ሕማም ምልክት ኣብ ሞንኩብና፡ ኣእዳውና፡ ክሳድና፡ምንጋጋና፡ከምኡ ውን ኣብ ሕቖና ከጋጥም ይኸእል።

2-ነብስኻ ናይ ምስሓት ወይ ከኣ ብርቱዕ ድኻም ምስ ዝስመዓና።

3-ምስ ሕጽረት ትንፋስን ሕማም ኣፍልብን ተሓዊሱ ቅልጡፍ ወይ ዘይስሩዕ ህርመት ልቢ ምስ ዝህልወና።

4-ሃንደበታዊ ብርቱዕ ሕጽረት ትንፋስን ሮዛ ሕብሪ ዘለዎ ዓፍራ ዝመስል ዓኽታን ምስ ዝህልወናን

ዋላ እኳ እዞም ዝረኣናዮም ምልክታት ብድኻም ልቢ ዘስዕቡ እንተኾኑ ፡ብኻልኦት ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክስዕቡ እዉን ይኸሉ እዮም። በቶም ንሂወት ኣዝዮም ኣስጋእቲ ዝኾኑ ብናይ ልብን ሳንቡእን ጸገም እውን ክኾኑ ይኽእሉ። ስለዚ ድማ ብቕልጡፍ ናብ ሕክምና ክንከይድ ዝግብኣና።

ድኻም ልቢ ዘለና ተኾይኑ ከኣ እዞም ዝረአናዮም ምልክታት ሃንደበት ምስ ዝገዱና ወይ ከአ ሓደስቲ ምልክታት ምስ እንርኢ፣ እቲ ሕማም ይገደና ወይ እቲ ንወስዶ ዘለና ፈውሲ ኣይጠቕመናን ኣሎ ማለት እዩ። ንኣብነት 2.3 ኪ.ግ ኣብ ውሽጢ ውሑዳት መዓልቲ ምስ እንውስኽ። ኣብዚ ግዜ እዚ ብቕልጡፍ ናብ ሓኪምና ብምኻድ ምስ ሓኺምና ክንማኸር
ይግባእ።

ምንጪ ፥- ካብ ዝተፈላለዩ መጽናዕታዊ ጽሑፋት

Mussie Ghebreab
09/05/2021 Netherland

 #ኣገዳሲ  #ሓበሬታ  #ንማሕበረሰብ  #ኤርትራውያን/  #ኤትዮጵያውያን ኣብ  #ሆላንድ ኣብዛ ኣብ ታሕቲ ዘላ ናይ ምረጹኒ ፖስተር እንዕዘቦ ከም ዘሎና ኤርትራዊት  ሓብትና ሚልካ የማነ ኣብቲ...
04/03/2021

#ኣገዳሲ #ሓበሬታ #ንማሕበረሰብ #ኤርትራውያን/ #ኤትዮጵያውያን ኣብ #ሆላንድ

ኣብዛ ኣብ ታሕቲ ዘላ ናይ ምረጹኒ ፖስተር እንዕዘቦ ከም ዘሎና ኤርትራዊት ሓብትና ሚልካ የማነ ኣብቲ ንዕለት 17 መጋቢት 2021 ኣብ ምሉእ ሃገረ ኔዘርላንድ ዝካየድ ምርጫ ንሃገራዊ ባይቶ(tweedekamer) ንዓና ሓሃበሻ ወኪላ ጥራይ ዘይኮነት፡ ንምሉእ ኣፍሪቃውያን ጸለምቲ ኣብዚ ሃገር ዝነብሩ ወኪላ ናብቲ ብጸዓዱ ጥራይ ተባሒቱ ዘሎ ሃገራዊ ባይቶ ንምእታው ናይ ምረጹኒ ጎስጓስ ተካይድ ኣላ።ስለዚ ንሕና ኤርትርውያን/ኤትዮጵያውያን ድማ ከም ሕብረተሰብ እዚ ሃገር መጠን ወከልትና ኣብ ሃገራዊ ባይቶ(tweedekamer) ናይዛ ሃገር ክህልወናን ብቐጥታ ድማ ድምጽና እነስምዓሉን ፍሉይ ኣጋጣሚ ተፈጢሩ ኣሎ እሞ ፡ እቶም ዜግነት (nationality) ዘሎና ኣብ ሆላንድ ዘሎና ኤርትራውያን/ኤትዮጵያውያን ነዛ ኣብ ውድድር ቀሪባ ዘላ ሚልካ ሓብትና ብምምራጽ ኣብ ባይቶ እዚ ሃገር ታሪኽ ክንሰርሕ ይግባእ ።
ናብ ኩሉ ኤርትራዊ ክበጽሕ ድማ share ምባል ኣይንሕመቕ።
ንምሉእ ሓቤሬታ ብዛዕባ ሚልካ ኣብዛ ኣብ ታሕቲ ዘላ ናይ ምረጹኒ ፖስተር ንመልከት።

 #ኣገዳሲ  #ሓበሬታ  #ብዛዕባ  #ፕረስኮንፈረንስ ኣብ  #ሃገረ  #ሆላንድ 23/02/2021ሎሚ ዕለት 23/02/2021 ቀዳማይ ሚኒስተር  Mark Rutte en Hugo de jong (ሚኒስ...
23/02/2021

#ኣገዳሲ #ሓበሬታ #ብዛዕባ #ፕረስኮንፈረንስ ኣብ #ሃገረ #ሆላንድ 23/02/2021

ሎሚ ዕለት 23/02/2021 ቀዳማይ ሚኒስተር Mark Rutte en Hugo de jong (ሚኒስተር ህዝባዊ ጥዕና) ኣብ ዝገበሩዎ ፕረስኮንፈረንስ
ናብ ዝሓሸ መንገዲ ነምርሕ ኣሎና ድሕሪ ምባል፡ 3ይ ለብዒ ኮርናቫይረስ ዘይተርፍ እዩ ኢሎም። ምኽንያቱ ብዝሒ ሕሙማት ይውስኽ ስለዘሎን ፡በዚ ሓድሽ ቫይረስ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ዝሓሙ ሰባት እውን ብዝተዓጻጸፈ መልክዕ ይውስሕ ብምህላዉ ዓቢ ሻቅሎት ኣሎና ድሕሪ ምባል ኣድላዪ ጥንቃቐ ብምግባር ብኸፊል ነቶም ብጽኑዕ ጸኒዖም ዘሎዉ ሕግታት ከነፋኩስ ኢና ኢሎም።

እቶም ዝተፋኾሱን ዝተናውሑን ሕግታት ነዞም ዝስዕቡ ይመስሉ፥-

•√ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ቤ/ትምህርትታት (Middelbarescholen en MBO's) ካብ ዕለት 02/03/2021 ብኸፊል ክኽፈታ።ኣብ ሰሙን ድማ ንሓደ መዓልትን ፈረቃን ዝኸውን ተመሃሮኤ ተቐቢለን ብኣካል ክምህራ ይጅምራ። ዩኒቨርስትታትን ኮለጃትን ትካላት ትምህርቲ ግን ከም ዘሎዉኦ ዕጽዋት ኮይነን ይጸንሓ።

•√ እዘን contactberoepen ዝብሃላ ስርሓት ከም እንዳ ቀምቃማይ (Kapper), ፡ናይ ጽሬት ስርሓት (schoonheid specialistis)፡ናይ ጽፍሪ ጽባቐ ትካላት(nagelstylisten) ፡ ናይ ማሳጅ ሳሎን(massagesalons)፡ ትምህርቲ ምዝዋር ማኪና(rij-instracteurs) ካብ ዕለት 02/03/2021 ጀሚረን ይኽፈታ።ነዞም ኣብ ምንዝርና ስራሕ ዝተዋፈሩ/ራ (Seksworkers) ግን ኣይምልከትን።

•√ መንእሰያት ክሳብ ክሊ ዕድመ 27 ዘሎዉ ኣብ ደገ ኣብ ጋንታ ተጠርኒፎም ስፖርታዊ ንጥፈታት ክገብሩ ይፍቐድ።

•√ ኣገደስቲ ዘይኮና ትካላት ንኣብነት ከም ቡቴካት(እንዳ ክዳውንቲ /ጫማ) ፡ እንዳዕባባታት ፡ወዘተ ካብ ዕለት 03/03/2021 ጀሚረን ብቆጸራን ዓማዊለን ይቅበላ። ብሓንሳብ ድማ 2 ክቕበላ ይፍቀደለን። ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሽፈኒ ክጥቀሙን 1.5 ሜትሮ ርሕቀት ክንሕልው ድማ ይግደዱ።

•√ ሰዓታት እቶ እቶ ከምዘሎዎ ክሳብ ዕለት 15/03/2021 ክናዋሕ ተወሲኑ ኣሎ።ሰዓታት እቶ እቶ ካብ ምሸት ሰዓት 21:00 pm ጀሚሩ ክሳብ ወጋሕታ ሰዓት 04:30 AM ኣብ ደገ/ጎደና ክንርከብ ከም ዘይብልና ዝኽልክል ሕጊ/ኣዋጅ እዩ።

•√ ቤተመዘክራት ፡ትያትራት፡ ፕረትፓርክ ፡ መካነ እንስሳታት፡ መሓንበሲ ትካላት ከም ዘሎውኦ ክሳብ ዕለት 15/03/2021 ተዓጽየን ይጸንሓ።

•√ ኣብ ገዛ ሓደ ጋሻ ሰብ ጥራይ ክንቅበል ይፍቀድ።ኣብ ጎደና ድማ ካብ 2 ሰባት ንላዕሊ ብሓንሳብ ምኻድ ኣይእከኣልን።

•√ ኩሎና ከም እንፈልጦ ካብ ዕለት 08/02/2021 ጀሚረን ኩለን መባእታ ቤ/ትምህርትታትን መዋእለ ህጻናትን ብወግዒ ከምዝተኽፈተን ኣሎዋ።

•√ ዕለት 09/03/2021 ድማ ልኽዕ ከምዛ ናይ ሎሚ ነዞም ጸኒዕም ዘሎዉ ሕግታት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ወጽዮም ክግምገሙ ከም ዝኾኑ ጠቒሶም ።

• ኣብ መጨረሽታ መርመራ ጌርና ኮሮናቫይረስ እንድሕር ኣሎዩና ኣብ ገዛና ክንውሸብ፡ኣድላዪ ዘይኮነ ጉዕዞ ከነወግድ፡ ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሽፈኒ ክንጥቀም፡ ርሕቀትና ክንሕሉው ፡ እዳውና ብማይን ሳምናን ክንሕጻብ ተላብዮም።

Share ብምግባር ንዘይፈለጡ ነፍልጥ!

Mussie Ghebreab
23/02/2021

ምንጪ፥ NPO , rijksoverheid.nl en RIVM.

 #ኣገዳሲ  #ሓቤሬታ  #ንነበርቲ  #ሃገረ  #ሆላንድ ኣብ ሆላንድ እቲ ካብ ቀዳም  23/01/2021ጀሚሩ ጸኒዑ ዝጸንሐ ሰዓታት እቶ እቶ ክሳብ ዕለት 02/03/2021 ከም ዝተናውሐ ሚኒስተ...
08/02/2021

#ኣገዳሲ #ሓቤሬታ #ንነበርቲ #ሃገረ #ሆላንድ

ኣብ ሆላንድ እቲ ካብ ቀዳም 23/01/2021
ጀሚሩ ጸኒዑ ዝጸንሐ ሰዓታት እቶ እቶ ክሳብ ዕለት 02/03/2021 ከም ዝተናውሐ ሚኒስተር Grapperhaus ሚኒስተር ፍትሕን ውሕስነትን (Justitie en veiligheid) ሎሚ መዓልቲ ብወግዒ ንማዕከናት ዜና ሆላንድ ሓቢሩ።

ሰዓታት እቶ እቶ ካብ ምሸት ሰዓት 21:00 pm ጀሚሩ ክሳብ ወጋሕታ ሰዓት 04:30 AM ኣብ ደገ/ጎደና ክንርከብ ከም ዘይብልና ዝኽልክል ሕጊ/ኣዋጅ እዩ።

¶ ሰዓታት እቶ እቶ ነዞም ዝስዕቡ ኣይምልከትን:-

•√ Medish zorg (ሓካይምን ናይ ጥዕናና ሰራሕተኛታትን)

•√ ኣብ መእለዮ እንዳ ዓበይቲን ስንኩላንን ዝሰርሑ(Mantel zorg)

•√ ምሸት ከልቦም ንዘዛውሩ (hond uilaten)።

ኣብዘን ኣብ ላዕሊ ተዘርዚረን ዘሎዋ ትካላት ዝሰርሑ ሰባት ኣብቲ ናይ ሕላፍ ሰዓት ደገም ምስ ዝርከቡ ካብ ሓላፊኦም ብቁዕ መረጋገጺ ወረቐት ከቕርቡ ይግባእ።

•√ ሰዓት እቶ እቶ ዝጠሓሰ 95 Euro ይቕጻዕ ።

ስለዚ ካብ ሰዓት 09:00 ምሸት ኣብ ጎደና ክንርከብ የብልናን። ኣቀዲምና ቅድሚ ሰዓት ገዛና ክንኣቱ የተሓሳስብ።

Share ብምግባር ንዘይፈለጡ ነፍልጥ!

Mussie Ghebreab
08/02/2021

ምንጪ፥ NPO , rijksoverheid.nl en RIVM.

ፕረስኮንፈረንስ ኣብ ሃገረ ሆላንድ 02/02/2021ሎሚ ዕለት 02/02/2021 ቀዳማይ ሚኒስተር  Mark Rutte en Hugo de jong (ሚኒስተር ህዝባዊ ጥዕና) ኣብ ዝገበሩዎ ፕረስኮን...
02/02/2021

ፕረስኮንፈረንስ ኣብ ሃገረ ሆላንድ 02/02/2021

ሎሚ ዕለት 02/02/2021 ቀዳማይ ሚኒስተር Mark Rutte en Hugo de jong (ሚኒስተር ህዝባዊ ጥዕና) ኣብ ዝገበሩዎ ፕረስኮንፈረንስ ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ኣዝዩ ዘየተኣማምን ናይ ኮሮናቫይረስ መልከፍቲ ኣሎና ድሕሪ ምባል ፡ እቶም ኣብዚ ግዜ እዚ ዝሓሙ ዘሎዉ ሰባት 2/3 በዚ ሓድሽ ቫይረስ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ስለዝኾኑ ዓቢ ሻቅሎት ኣሎና ድሕሪ ምባል ዳርጋ እቶም ብጽኑዕ ጸኒዕም ዘሎዉ ሕግታት ነቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተራእየ ሓድሽ ዓይነት ሕማም ኮሮና ቫይረስ ኣብ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምውዓል ክሳብ ዕለት 02/03/2021 ክናውሑ ወሲኖም ኣሎዉ።

•√ ካብ ዕለት 08/02/2021 ጀሚረን ኩለን መባእታ ቤ/ትምህርትታትን መዋእለ ህጻናትን ብወግዒ ክኽፈታ እየን።ሓደ ቆልዓ ኣብታ ክፍሊ ምስ ዝሓምም ግን እታ ክላስ ብሙልኣ ምስ መምህሮም ን5 መዓልቲ ኣኣብ ገዝኦም ይውሸቡን ቅልጡፍ መርመራ covid-19 ድማ ብጥብቂ ይገብሩ።

•√ ማእከላይ ደርጃ(MBO) ፡ካልኣይ ደረጃን ዩኒቨስትን ከምቲ ዘሎዉኦ ክሳብ 02/03/2021 ብዝተኻእለ መጠን ብርሕቀት (Online ) እቲ ዝግባእ ትምህርቲ የመሓላልፋ።

•√ ኣገደስቲ ዘይኮና ትካላት ንኣብነት ከም ቡቴካት(እንዳ ክዳውንቲ /ጫማ) ፡ እንዳዕባባታት ፡ካብ ዕለት 10/02/2021 ጀሚረን ብonline ንዝተጠልበ ንብረት ንምውሳድ ጥራይ ብኸፊል ይኽፈታ።

•√ ሰዓታት እቶ እቶ ክሳብ ዕለት 10/02/2021 ዝጸንሕ እዃ እንተኾነ፡ Twee kamer ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣብ ዝርርብ ከምዘሎን ኣብ ብዝሒ ኣብዚ ሰሙን እዚ ዝሓሙ ሕሙማት ከም ዝምርኮስን ይሕበር። ዝመጽእ ዘሎ ቀዳመ ሰንበት ብዛዕብኡ ውሳነ ክወሃብ ምዃኑ ድማ ተሓቢሮም።

•√ እንዳ ቀምቃማይ (Kapper), ፡ናይ ጽሬት ስራሓት (schoonheid specialistis) ከም ዘሎዎ ክሳብ 02/03/2021 ይዕጾዋ።

•√ ቤተመዘክራት ፡ትያትራት፡ ፕረትፓርክ ፡ መካነ እንስሳታት፡ መሓንበሲ ትካላት ከም ዘሎውኦ ክሳብ 02/03/2021 ተዓጽየን ይጸንሓ።

•√ ኣብ ገዛ ሓደ ጋሻ ሰብ ጥራይ ክንቅበል ይግባእ።

•√ ካብ ወጻኢ ሃገር እንድሕር ደኣ ንሆላንዲ መጺእካ ን10 መዓልቲ ግድን ክትውሽብ ኣሎኻ።ብመሳርሒ ቅልጡፍ መርመራታት ተሓጊዙ ድማ መርመራ Covid-19 ኽግበረልካ ይግባእ።

•√ ወዘተ ወዘተ ወዘተ.........

•√ ኣብ መጨረሽታ ድማ ዕለት 23/02/2021 ድማ ልኽዕ ከምዛ ናይ ሎሚ ነዞም ጸኖዕም ዘሎዉ ሕግታት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ወጽዮም ክግምገሙ ከም ዝኾኑ ጠቒሶም ።

Share ብምግባር ንዘይፈለጡ ነፍልጥ!

Mussie Ghebreab
02/02/2021

ምንጪ፥ NPO , rijksoverheid.nl en RIVM.

 #ምኽፋት  #መባእታ  #ቤ/ትምህርትታትን   #መዋእለ  #ህጻናትን •√ ካብ ዕለት 08/02/2021 ኩለን መባእታ ቤ/ትምህርትታትን መዋእለ ህጻናትን  ክኽፈታ ካቢነ ሚንስተራት ከምዝወሰነ ሎ...
31/01/2021

#ምኽፋት #መባእታ #ቤ/ትምህርትታትን #መዋእለ #ህጻናትን
•√ ካብ ዕለት 08/02/2021 ኩለን መባእታ ቤ/ትምህርትታትን መዋእለ ህጻናትን ክኽፈታ ካቢነ ሚንስተራት ከምዝወሰነ ሎሚ Minister Arie Slob (ሚኒስተር ትምህርቲ) ከምኡ እውን minister Koolmees (ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት) ንመራኸቢ ብዙሓን ሆላንድ ሓቢሮም።

•√ ሓደ ቆልዓ ኣብታ ክፍሊ ምስ ዝሓምም ድማ እታ ክላስ ብሙልኣ ን5 መዓልቲ ኣብ ገዝኦም ይውሸቡን ቅልጡፍ መርመራ covid-19 ድማ ክገብሩ ይግደዱ ።

Share ብምግባር ንዘይፈለጡ ነፍልጥ!

Mussie Ghebreab
30/01/2021

ምንጪ፥ Rtl4 , rijksoverheid.nl en RIVM.

Adres

Peetersdreef 40
Utrecht
0031

Meldingen

Wees de eerste die het weet en laat ons u een e-mail sturen wanneer N-aflto Soliana nieuws en promoties plaatst. Uw e-mailadres wordt niet voor andere doeleinden gebruikt en u kunt zich op elk gewenst moment afmelden.

Delen

Share on Facebook Share on Twitter Share on LinkedIn
Share on Pinterest Share on Reddit Share via Email
Share on WhatsApp Share on Instagram Share on Telegram

Our vission /ራኢና

እንቛዕ ደሓን መጻእኹም ናብ መደብ ንኣፍልጦ ፋስቡክ ፔጅ

ዕላማ እዚ ቻነል እዚ ኣብ ነንሕድሕድና እንዳ ተመዓዓድናን እንዳ ተመኻኸርናን ኣፍልጦናን ኣፍልጦ ሕበተሰብናን ኣብ ጥዕናውን ማሕበራውን ጉዳያት ንምዕባይን ክብ ንምባልን እዩ።ብእኡ መንጽር ድማ በቲ መዓልታዊ እነቕርቦ ትምህርታዊ ሓዘል ጽሑፋት ጌርና ኣብ ሕበረሰብና ናይ ምንባብ ባህሪ ንምጥራይ እዩ።

ንእትህቡና ርእይቶ፡ ምትባባዕን ነቅፈታን ድማ ብሃንቀውታ ንጽበ። Follow & Like ብምግባር ቀንዲ ተኸታተልቲ እዛ ፔጅ ክትኮኑ፣ከምኡ እውን ሓቢርና መታን ክንዓቢ ከኣ share ብምግባር ካልኦት ሰባት ክንፈልጡ ኣብ ምዝርጋሕን ምትሕልላፍን ክትተሓባበሩና ብኣኽብሮት ንዕድም።

ኣገዳሲ ሓቤረታ : ኣብዚ ፔጅ እዚ ዝቐርቡ መደባት ኣፍልጦ ሕበረተሰብና ኣብ ጥዕናውን ማሕበራውን መዳያት ንምዕባይ ጥራይ እዩ።ከም ውጽኢቱ ድማ ንዝኮነ ሕማም ኣብ ምጅማሩ ቀልጢፎካ ብምልክታቱ ኣለሊካ ብቕልጡፍ ናይ ሓኺምካ ንምካድ ንምትባባዕ እዩ። ስለዚ ብዝሰፍሐ ሕክምናዊ መርመራን ክንክንን ንዘድልዮ ሕማም ተቐላጢፍካ ንሓኪምካ ክትውከስ ንላቦ። ። ዝዀነ ኣብዚ እንነቕርቦ ትሕዝቶ ትምህርታዊ መደባት/ምኽርታት ፡ ናይ ንናይ ሕክምና ብዓል ሞያን ምኽርንን ዝትክእ ኣይኰነን።ስለዚ ንዝዀነ ዝመጽእ ሕቶን ክስን ከኣ ተሓታት ኣይንወስድን።