ZOOM Medical Center

ZOOM Medical Center VISION
To be the best health care provider and beyond with affordable accessible primary health care in a manner that exceeds patients expectations.

03/12/2025
The 4th anniversary of Zoom Medical Center was joyfully celebrated on 30/11/2025, marking another successful year of ser...
02/12/2025

The 4th anniversary of Zoom Medical Center was joyfully celebrated on 30/11/2025, marking another successful year of service and teamwork. The event was organized in a wonderful and memorable way, bringing all staff together to celebrate our shared achievements. Everyone enjoyed the day with exciting activities, including beach volleyball and a lively swimming competition among staff members. The celebration strengthened our unity, boosted morale, and reminded us of the dedication that drives Zoom Medical Center forward. Congratulations to the entire team for their hard work and commitment. Long live Zoom Medical Center—may we continue to grow, excel, and serve our community with pride.

Thanks for being a top engager and making it on to my weekly engagement list! 🎉 Abrish Araya, Fithawit Yemane, Rahwa Eve...
01/12/2025

Thanks for being a top engager and making it on to my weekly engagement list! 🎉 Abrish Araya, Fithawit Yemane, Rahwa Even

01/12/2025
30/11/2025

Enjoy the videos and music you love, upload original content, and share it all with friends, family, and the world on YouTube.

11/11/2025

⭐️ ⭐️ ሓሙሽተ ዓይነት ሄፓታይተስ(ወይቦ) ዘስዕቡ ቫይረሳት ኣለው። ንሳቶም ክኣ
👉 1፥ ሄፓታይተስ ኤ(Hepatitis A )
↗️ እዚ ውጽኢት ረኽሲ ብቫይረስ ሄፓታይተስ ኤ (HAV) ዝስዕብ ነድሪ ጸላም ከብዲ እዩ።
↗️ እዚ ዓይነት ሕማም ጸላም ከብዲ፡ ንሓጺር እዋን ዝጸንሕ ኮይኑ ብዝተበከለ ማይን መግብን ይመሓላለፍ ።

👉 2፥ ሄፓታይተስ ቢ(hepatitis b)
↗️ ቫይረስ ሄፓታይተስ ቢ (HBV) መብዛሕትኡ ግዜ ቀጻልን ሕዱርን ኩነታት ጸላም ከብዲ የስዕብ።
↗️ መተሓላለፊ መንገዲ ሄፓታይተስ ቢ
🦊 ደም፡ ውጽኢት ደምን
🦊 ካብ ሓደ ሄፓታይተስ ቢ ዝተለኽፈ ሰብ ናብ ናይ ሓደ ዘይተለኽፈ ሰብ ። ብጾታዊ ርክብ, pregnancy
🦊 እዚ ብጾታዊ ርክብ፥ ብበላሕቲ ነገራት ከም መርፍእን ላማን ይመሓላልፍ።
🦊 ካብ ኣደ ናብ ህጻን ኣብ እዋን ሕርሲ።

👉 3፥ ሄፓታይተስ ሲ(Hepatitis C)

↗️ ሄፓታይተስ ሲ ካብ ቫይረስ ሄፓታይተስ ሲ (HCV) ዝመጽእ ነድሪ ጸላም ከብዲ እዩ።
↗️ HCV ኣብ ኣሜሪካ ካብቶም ዝበዝሑ ብደም ዝመሓላለፉ ቫይራላዊ ረኽስታት ኮይኑ፡ ብተለምዶ ከም ነዊሕ ዝጸንሕ ኩነታት እዩ ዝቐርብ።
↗️ ብመሰረት ጸብጻብ ሲዲሲ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣስታት 2.4 ሚልዮን ኣመሪካውያን ብሕዱር መልክዕ ናይዚ ረኽሲ ይሳቐዩ ኣለዉ።
↗️ መተሓላለፊ መንገዲ ከም ሄፓታይተስ ቢ እዩ

👉 4፥ ሄፓታይተስ ዲ (Hepatitis D)
↗️ እዚ ምስ ረኽሲ ሄፓታይተስ ቢ ጥራይ ተተሓሒዙ ዝኽሰት ሳሕቲ ዝረአ ዓይነት ሕማም ጸላም ከብዲ እዩ።
↗️ ቫይረስ ሄፓታይተስ ዲ (HDV) ከም ካልኦት ዓይነታት ነድሪ ጸላም ከብዲ የስዕብ፡ ሓደ ሰብ ግን ብዘይ ዝጸንሐ ረኽሲ ሄፓታይተስ ቢ ብሄፓታይተስ ዲ ክጥቃዕ ኣይክእልን።
↗️ ብደረጃ ዓለም፡ ሄፓታይተስ ዲ (HDV) ዳርጋ 5 ሚእታዊት ናይቶም ሕዱር ሄፓታይተስ ቢ ዘለዎም ሰባት ከም ዝጸሉ ይንገር።

👉 5፥ ሄፓታይተስ ኢ (Hepatitis E)
↗️ ንቫይረስ ሄፓታይተስ ኢ (HEV) ብምቅላዕ ዝመጽእ ነድሪ ጸላም ከብዲ እዩ።
↗️ ሄፓታይተስ ኢ ብቐንዱ ኣብ ድኹም ጽሬት ዘለዎ ከባቢታት ዝረአ ኮይኑ፡ ብተለምዶ ድማ ንቐረብ ማይ ዝብክል ቀልቀል ብምውሓጥ ዝመጽእ እዩ።
↗️ ሄፓታይተስ ኢ መብዛሕትኡ ግዜ ህጹጽ ኩነታት ኮይኑ ብፍላይ ኣብ ነፍሰጾራት ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል።
⛔ ↗️ ማእከላት ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት (CDC) ከምዝሕብርዎ ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 257 ሚልዮን ፡ኣብ ኣፍሪቃ ክኣ 80-90 ሚልዮን ሰባት በዚ ቫይረስ ዝተለኽፉ ከምዘለው ይግምት።

ኣገባብ መከላኸሊ
ኩሎም ወይቦታት በጀካ ወይቦ ሲ መከላኸሊ ክታበት ኣለዎም። ወይቦ ሲ ክኣ ዉጽኢታዊ ጸረ ቫይረስ መድሃኒት ኣለዎ።

🚀 🚀 ጠንቂ ሕማም ጸላም ከብዲ‼️

ዋላ እኳ ሄፓታይተስ ዝበዝሕ ግዜ ውጽኢት ረኽሲ እንተኾነ፡ ካልኦት ረቛሒታት ግን ነቲ ኩነታት ከስዕቡ ይኽእሉ።
📌። 1፡ ኣልኮላዊ መስተን ካልእ መርዛማት ነገራትን
ካብ መጠን ንላዕሊ ኣልኮላዊ መስተ ምውሳድ ንጸላም ከብዲ ጉድኣትን ነድሪን ከስዕብ ይኽእል።

📌 2፥ መድሃኒታት ብዘይግቡእ ምጥቃምን ዓቐኑ ዘይተጸንዔ ባህላዊ መድሃኒታትን መርዛማት ነገራት ይርከብዎም።

📌 3፡ ምላሽ ኣውቶኢሙን ሲስተም
ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት ስርዓተ ምክልኻል ንጸላም ከብዲ ከም ጎዳኢ ገይሩ ብምግጋይ የጥቅዓ።
እዚ ድማ ካብ ቀሊል ክሳብ ከቢድ ክበጽሕ ዝኽእል ቀጻሊ ነድሪ የስዕብ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ንስራሕ ጸላም ከብዲ ይዕንቅፍ።

🔥 🔥 ልሙዳት ምልክታት ተላባዒ ሕማም ጸላም ከብዲ፤
📌 ድኻም
📌 ጉንፋዕ ዝመስል ምልክታት
📌 ጸሊም ሽንቲ
📌 ፍሕሽው ቀልቀል
📌 ቃንዛ ከብዲ
📌 ምጉዳል ሸውሃት
📌 መግለጺ ዘይብሉ ምጉዳል ክብደት ሰብነት
📌 ምብጫው ቆርበትን ዓይንን

✴️ወይቦ(ሄፓታይተስ )ብኸመይ ይፍለጥ ⁉️

🐌 መርመራ ደም ቁጽሪ ወሃዮታት ሄሞግሎቢን ወዘተ ንምርኣይ
🐌 መርመራታት ደም ንምንጻር ዓይነት ቫይረስ
🐌 መርመራታት ጸላም ከብዲ
🐌 ኣልትራሳዉንድ ብተለምዶ ኮምፒተር።
ዶ/ር ዓንደመስቀል መልኣከ
ዙም ማእከል ጥዕና
0709625487

31/10/2025

ዙም ማእከል ጥዕና ንዘለዎ ሕክምና ስኒ ብሉጽ ጽፍፉን ንምግባር ብክኢላታት ሓካይም ተሰንዮ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ናይ ራጂ ኣገልግሎት ማለት 2D/3D ክሳብ ሕጂ ኣብ ከባቢና ዘለዋ ሕክምናታት ዘይዓጠቕኦ ንተገልገልቲ ከምዝቐረበ ከነግልጥ ንደሊ። እዚ ኽኣ ካብ ዘይተደላይ ሃልኪ ናይ ገንዘብ፡ ግዜ ፡ከም ኡዉን ትራንስፖርት ሽግር ከምዝፈትሕ ንኣምን።

29/10/2025

ረክሲ ኣፐንዲክስ ብተለምዶ ቤንትሽተ
⛔ ረክሲ ቤንትሽተ( ኣፐንዲክስ) ሓደ ካብቶም ሕዱር ነድሪን ረኽስን ናይቲ ቨርሚፎርም ኣፐንዲክስ ኮይኑ፡ ብብዝሒ ኣፐንዲሳይትስ ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ኣፐንዲክስ
መመላእታ ካብ ገዚፍ መዓንጣ( ሴኩም) ዝፍጠር ዕዉር መወዳእታ ዘለዎ ክፋል እዩ።
ሕዱር ኣፐንዲሳይትስ ሓደ ካብቶም ዝበዝሑ ጠንቅታት ቃንዛ ከብዲ ኮይኑ፡ ኣብ ህጻናት ናብ ህጹጽ መጥባሕቲ ከብዲ ዝመርሕ ብተደጋጋሚ ዝረአ ኩነታት እዩ።
ምልክታት
⭐ ምልክት ሕማም ኣፐንዲሳይት ካብ ሕሙም ናብ ሕሙም ዝፈላለ ኮይኑ ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግን እዚ ዝስዕብ ምልክታት ይርኤ።
📌 እቲ ክላሲካል ኣቀራርባ ናይ ሓደ ሕሙም ኣፐንዲሳይትስ ናይ መጀመርታ ቃንዛ ከብዲ ፡ ኣብ ከባቢ ሕምብርቲ ወይ ኤፒጋስትሪክ ዝጅምር ናብ የማናይ ታሕተዋይ ርብዒ ከብዲ (RLQ) ዝቕየር ቃንዛ ዘጠቓልል እዩ።
📌 እቲ ቃንዛ ቀስ ብቐስ ዝጅምር ኮይኑ በብቑሩብ እናገደደ ይኸይድ።
📌 ከም ዕግርግር፡ ረስኒን ተምላስን ብተለምዶ ምስቲ ሕማም ዝተኣሳሰሩ ምልክታት ኮይኖም ኣብ ትሕቲ 60% ሕሙማት ይርአ።
📌 ኣፐንዲክስ እንተተቐዲዱ፡ ፍልልይ ናይ ቃንዛ ምፍዃስ ስዒቡ ሓፈሻዊ ቃንዛ ከብድን ፐሪቶናይትስን( ብርቱዕ ረኽሲ ከብዲ) ይምዕብል፡
📌 እቲ ሕሙምዉን ታሕተዋይ ወገን ከብዱ ብ ኢዱ ይከላኸል( ኣይትተንክፉኒ ብዘስምዕ መገዲ)።

ኣብ ኣካላዊ መርመራ፡
📌 እቲ ሕሙም መብዛሕትኡ ግዜ ስቕ ኢሉ እዩ ዝድቅስ፤
📌 ምንቅስቓስ ነቲ ቃንዛ ስለዘጋድዶ የእጋር ናብ ከብዲ ወገን ይጭብጥ።
📌 እቲ ሕሙም ምስዝስዕል ኣብ ታሕተዋይ ወገን ከብዲ (RLQ ) ከባብያዊ ቃንዛ የስዕብ።
መብዛሕትኡ ግዜ ንምትንካፍ ከባብያዊ ምሕላው( ምክልኽል) ይርአ።
📌 መብዛሕትኡ ግዜ ህጻናት ምስ ምጉዓዝን ምዝላልን ከባብያዊ ቃንዛ ስለ ዝህልዎም ክጻወቱ ኣይደልዩን (ይዝሕሉ) ።
ላብራቶሪ መርመራ
መርመራ ደም ንቁጽሪ ጸዓዱ ወሃዮታት ደም ንምርኣይ፡ ናይ ዓሶ ፡ ታይፎይድ ፡ ኢንተሪክ ፊቨር ።
መርመራ ሽንቲ፡ ናይ ጨጎራ። ወዘተ
መርመራ ኣልትራሳዉንድ - ኣፐንድክስ ረኽሲ ምህላው
ሲቲስካን ኣፐንድክስ ረኽሲ ምህላው ምርግጋጽ

ኣገባብ ኣፈዋዉሳ
1_ክላሲካል ታሪኽ ዘለዎም ሕሙማት ቅልጡፍ ናይ መጥባሕቲ ምኽሪ የድልዮም። ኣብዚ ግዜ ንዝዉሰድ ስጉምቲ ናይ ወለድቲ ዉሳኔ ዓቢ ግደ ስለዘለዎ፡ስድራቤት ነገር መጥባሕት ቀሊል ምዃኑ ተረዲእዎም ቅልጡፍ ዉሳኔ ንምዉሳድ ሓገዝቲ ክኾኑ ኣለዎም።

2፡ ኣብቶም ጥርጡራት ኣፐንዲሳይትስ ዘለዎም፡ ብኣፍ ዝኾነ ነገር ዘይምውሳድ፡ ኩነታት ሕሙም ምሕላው፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ሰራውር ደም ዝወሃብ ፈሳሲታት( iv fluids ) ምሃብ።

3፡ ሓደ ሕሙም ምልክታት ካብ ዝጅምር ልዕሊ 72 ሰዓታት እንተቐሪቡ፡ ልዑል ተኽእሎ ናይ ምቕዳድ ወይ ምፍንጃር ስለዝህሉ ጸረ-ነፍሳት መድሃኒት ምሃብ።

ኣብ መወዳእታ
1፡ ብዝተኻእለ መጠን ወለዲ ምኽሪ ናይ ሓኪም ህድእ ኢሎም ክሰምዑን ሓኪም ንዝዉስኖ ክሰማምዑን ይግባእ።

2፡ ኩልና ሓካይም ክኣ ዘይንጹር ቃንዛ ከብዲ፡ ተምላስን ረስንን ንዘለዎም ሕሙምት ብጸረ ቃንዛን ተምላስን ጥራይ ሓኪምና ኣብክንዲ ምፍናው ምስ ናይ መጥባሕቲ ክኢላ ብምርድዳእ ሓጋዚ ዝኾነ ስጉምቲ ኣብ ምዉሳድ መርሕ ተራ ክንወስድ ይግብኣና።

ዶ/ር ቢንያም ፍስሃየ
ዙም ማእከል ጥዕና
ብሉጽ ክንክን ንዉሑስ ጥዕና
0709625487/0709833563

Address

Kyadondo, Block 245, Plot 165, Ggaba Road, Kabalagala, Opposite To Johnrich Supermarket, Besides Kabalagala Mosque
Kampala
P.O.BOX:31305

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ZOOM Medical Center posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Practice

Send a message to ZOOM Medical Center:

Share

Share on Facebook Share on Twitter Share on LinkedIn
Share on Pinterest Share on Reddit Share via Email
Share on WhatsApp Share on Instagram Share on Telegram

Category